ብህንፀት መንገዲ ባቡር ዝተፈናቐሉ ሓረስቶት፡ ካሕሳ ኣይተኸፈለናን ይብሉ

ካርታ ናይ ዝስራሕ ሓድሽ መንገዲ ባቡር

ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ምስ ማእኸል ዓድን ወደባትን ንምርኻብ ዓሊሙ ህንፀቱ ዝተጀመረ መንገዲ ባቡር ኣዋሽ- ወልዲያ ሃራ ገበያን መቐለ- ወልዲያ ሃራ ገበያን ካብ ዝጅመር ነዊሕ ኮይኑ ገይሩ ኣሎ።

ካብ ኣዋሽ ክሳብ ወልዲያ ሃራ ገበያ 398 ኪሎሜትር ንውሓት እንትህልዎ፡ ናይዚ ፕሮጀክት ሓደ ኣካል ዝኾነ መንገዲ ባቡር መቐለ- ሃራ ገበያ ድማ 216 ንውሓት ኣለዎ።

ኮርፖሬሽን ምድሪ ባቡር ኢትዮጵያ ህንፀት መስመር መንገዲ ባቡር ኣዋሽ-ኮምበልቻ 95 ሚእታዊ ከምዝበፅሐን፡ ፈተነ ጉዕዞ ንምክያድ፡ ቀረብ ኤሌክትሪክ ይፅበ ከምዘሎ ይገልፅ።

ኣብ ከባቢ ዞባ ሰሜን ወሎ ንዝርከቡ ሓረስቶት ግና፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ካሕሳ ስለዘይተኸፈሉ ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዝርከቡ ይዛረቡ።

እቲ ኮርፖሬሽን ብወገኑ ብሚልዮናት ዝቑፀር ገንዘብ ንካሕሳ ከምዝኸፈለን፡ እዚ ፀገም ብጉድለት መረዳእታን ግቡእ ምፅራይ ብዘይምክያድን ዝተፈጠረ እዩ ይብል።

"ኸፊኡና'ዩ ዘሎ"

ብሕርሻ ዝመሓደሩ ኣይተ ዘገየ መርሴ፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ራያ ቆቦ ወረዳ 04 ቀበሌ ጃሮታ እዮም ዝነብሩ።

ግራቶም ኣብ ዝርከበሉ ከባቢ ዓሙቕ ጉድጓድ ብምኹዓት፡ ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዘ ፍርያት ይሓፍሱ ነይሮም።

ኣብ 2007 ዓ፡ም ህንፀት መስመር መንገዲ ባቡር አዋሽ-ኮምበልቻ-ሃራ ገበያ ካብ ዝተጀመረሉ እዋን ግና፡ ዝመሓደርሉ ዝነበሩ መሬት ስለዝሰኣኑ፡ ተኻርዮም ንክሓርሱ ከምዝተገዱዱ ይገልፁ።

"ብጣዕሚ እዩ ከፊኡና ዘሎ። እንተጠራዕና ሰማዒ ስኢንና" ይብሉ።

ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ካሕሳ ገንዘብ ከምዝወሃቦም'ኳ ቃል ተኣቲውሎም እንተነበረ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ናብ ኢዶም ዝኣተወ ገንዘብ ስለዘየለ፡ ሕቶ ካብ ምቕራብ ዓዲ ኣይወዓሉን።

ልዕሊ 10 ሽሕ ካሬ ሜትር መሬት ከምዝተወሰዶም ዝዛረቡ ኣይተ ዘገየ፡ ንሓደ ካሬ 239 ብር ከምዝኽፈሎም ተነጊርዎም ከምዝፈረሙ ንቢቢሲ ገሊፆም።

ሓረስታይን ምክትል ኣቦ ወንበርን ጉባ ላፍቶ ቀበሌ ሽድሽተ ኣይተ ኣዲሴ ኣለሙ ነጋሴ እውን፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ንህንፀት መስመር መንገዲ ባቡር ተባሂሉ መሬቶም ዝተወሰደ እንትኸውን ክሳብ ሕዚ ካሕሳ ኣይተኸፈሉን።

እዚ መሬት ብ1983 ዓ.ም ከምዝተውሃቡ ዝዛረቡ ኣይተ ኣዲሴ፡ ዋላ እኳ መጠን መሬቶም ብሄክታር እንተዘይፈለጥዎ፡ ካብ 2006 ዓ፡ም ጀሚሩ ካሕሳ 10 ዓመት ክወሃበኩም እዩ ተባሂሎም ቃል ተኣቲውሎም።

"ንዓሰርተ ስድራ እየ ዘመሓድር፤ ይኹን እንበር ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ናይ ሰብ መሬት እናተኾነተርኩ ኣብ ፀገም እየ ዘለኹ። ይምልከቶም ንዝበሃሉ ወረዳታት ነፍልጥ ኣለና። ይኹን'ምበር ቃል ካብ ምእታው ዝዘለለ ነገር የለን" ክብሉ መረረቶም ይገልፁ።

ህንፀት እዚ መንገዲ ባቡር ምስ ተጀመረ ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ኣብቲ ቀበሌ ንዝነብሩ ልዕሊ 100 ሓረስቶት ካሕሳ ዝተኸፈለ እንትኸውን፡ ናይቶም ዝተረፉ ካሕሳ ዘይተኸፈለ ግና "ብኣጋጣሚ" ክኸውን ከምዝኽእል እዮም ዝኣምኑ ኣይተ ዘገየ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ዳይሬክተር ኮምዩኒኬሽን ኮርፖሬሽን ምድሪ ባቡር ኢትዮጵያ ኣይተ ደረጀ ተረፈ

ዳይሬክተር ኮምዩኒኬሽን ኮርፖሬሽን ምድሪ ባቡር ኢትዮጵያ ኣይተ ደረጀ ተረፈ ግና፡ ብኣጋጣሚ ዝፍፀም ነገር የለን ይብሉ።

"ክፃረይ ዝግበኦ ነገር እንተሃልዩ ክፃረይ እዩ። ንኣብነት መጠን ገንዘብ። ገንዘብ ስለዝኾነ ጥንቃቐ የድልይ እዩ" ኢሎምና።

እዚ ኮርፖሬሽን እዚ ካብ ዝጅመር ብኣማኢት ሚልዮን ዝቑፀር ካሕሳ ንሓረስቶት ከምዝኸፈለ ዝዛረቡ ኣይተ ደረጀ፡ እዚ ጉዳይ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከምዘፍለጡ ተዛሪቦም።

መሬቶም ንዝተወሰዶም ክፋላት ሕብረተሰብ፡ ግምት መሬቶም ተሰሊሑ ከምዝኽፈሎም ሓቢሮም። ግምት ናይዚ መሬት ዝስላሕ ድማ፡ እቲ መሬት መፍረያይነት እቲ መሬት ተራእዩ፣ ሓረስቶት ኣብ ዓመት ዘፍርይሉ ግዘ ኣብ ግምት ብምእታው እዩ ኢሎምና።

እዚ ካሕሳ ብመሰረት መምርሒ ንድሕሪት 10 ዓመታት ዝነበረ ተሞክሮ እውን ዝረኣየ ከምዝኾነ ዝገልፁ ኣይተ ደረጀ፡ ኣብ ዓመት 30 ኩንታል ምህርቲ ንዝሓፍስ ሓረስታይ 30 ኩንታል ብ 10 ዓመት ተራቢሑ ከምዝኽፈሎ ከም ኣብነት የልዕሉ።

ግዚያዊ ካብ ዝኾኑ ፍርያት ወፃኢ፡ ቀወምቲ ተኽልታት ፍረምረታትን ካብዚ ብዝተፈለየ መንገዲ እዮም ግምቶም ዝስላሕ። ነዚ ዘስልሑ ካብታ ወረዳ ካብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ዝተውፃፅኡ ገምትቲ ኮሚቴ ከምዝተጣየሹ ድማ ሓቢሮም።

ዋላ እኳ ኣይተ ደረጀ ብዙሓት ካሕሳ ከምዝተኸፈሎምን እቶም ዝተረፉ ድማ ውሑዳት ከምዝኾኑ እንተገለፁልና፡ ዘዘራረብናዮም ሓረስቶት ግና በዚ ኣይስማዕምዑን።

እዚ ጉዳይ ካሕሳ ነዊሕ ግዘ ዝወሰደ ንምፅራይ ከምዝኾነ እዩ ኣይተ ደረጀ ገሊፆምልና።

ዓይነት ፍርያት፣ መጠን መሬትን ካልኦት ረቛሕታትን ኣማሊኡ፡ መረዳእታ ሰነድ ምስ ተወድአ እዩ ካሕሳ ዝኽፈል ይብሉ።

ይኹን እንበር፡ "ሽም ኣባሓጎ ዘይብሉ ሰነድ ይመፅእ እዩ። ዓይነት ምህርቲ ብዝተሰሓሓተ መንገዲ ዘምፅኡ እውን ኣለዉ። ካብዚ ብተወሳኺ መስመር እዚ ህንፀት መንገዲ ዘይሓልፈሉ ግና ካሕሳ ዝወሰዱ እውን ኣለዉ። እዚ ጉዳይ ድማ ቤት-ፍርዲ ይርእዮ ኣሎ" ይብሉ።

ኣዋሽ-ሃራ ፕሮጀክት ብኽልተ ምዕራፍ ዝህነፅ እንትኸውን፡ 1 ነጥቢ 7ቢልየን ዶላር በጀት ተሰሊዕሉ እዩ። ካብዚ እቲ 15 ሚእታዊ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሽፈን እንትኸውን እቲ ዝተረፈ ግና ብልቓሕ ዝሽፈን ከምዝኾነ ኣይተ ደረጀ ሓቢሮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት