ኣብ ለንደን፡ ኣብዚ ቐረባ መዓልታት ሓሙሽተ ቆልዑ ብኻራ ተወጊኦም

ምንጪ ስእሊ, John Stillwell
ሰባት ኣብ ሃክኒ ተኣኪቦም እቲ ደም ምፍሳስ ከብቅዕ ይጽውዑ
ኣብ ዝሓለፈ ዕለታት ወዲ 13 ዓመት መንእሰይ ኣብ ኒውሃም ቅድሚ ሒደት መዓልታት ከኣ ካልእ መንእሰይ ኣብ ኢሊንግ ብኻራ ተወጊኡ። ካልኦት ብኻራ ዝተወግኡ ደቂ 15 ዓመታት እውን ኣብ ሆስፒታል ሚል ኤንድ ኣብ ርጉእ ኩነታት ይርከቡ ኣለዉ።
ሐደ ጥርጡር ሰብኣይን ሓደ መጠናዊ መጉዳእቲ ካራ ዝበጽሖ ወዲ 16 ዓመት መንእሰይ ተኣሲሮም ኣለዉ። በቲ ኩነታት ዝተሻቐሉ ወለድን ነበርቲ ሃክኒን ኣብ መደበር ባቡር እስቴሺን ተኣኪቦም እቲ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ከብቅዕ ጸዊዖም።
ምንጪ ስእሊ, John Stillwell
ነበርቲ ሃክኒ እቲ ምቅትታል ክብቅዕ ብሰልፊ እናጸውዑ
ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ለንደን 50 ሰባት ብካራ ተቐቲሎም ኣለዉ። እንተኾነ ከንቲባ ለንደን ሳዲቅ ካን፡ ፖሊስ ለንደን ነቲ ገበን ምቁጽጻር ከምዝሰኣኑዎ ክእመን ኣይደለየን። ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ እስራኤል ኦጉንሶላ ዝተባህለ ወዲ 18 ዓመት ኣብ ሃክኒ ተቐቲሉ።
ብሰኑይ ድማ ታኔሻ መልቦርን ዝተባህለት ጓል 17 ዓመት ኣብ ቶተንሃም ብብረት ተቐቲላ። ቅድሚኡ እውን ኣማን ሻኮር ዝተባህለ 16 ዝዕድሚኡ ወዲ ለይቶን መንእሰይ ኣብ ዋልተሃምስቶው ተቐቲሉ።
ምንጪ ስእሊ, Social Media
ብብረት ዝተቕትለት ታኒሻ መልቦርን
ፖሊስ ለንደን፡ እቲ ኣብ ኢሊንን ኣብ ጌይንስቦሮው ኣቬኑ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ካራ ሰዓት ሸውዓተ ናይ ምሸት ምንባሩን ፈጸምቲ ገበን እኳ እንተዘይተረኽቡ ሰለስተ ጥርጡራት ግን ከምእተታሕዙ ብምሕባር እቶም ግዳያት ንሆስፒታል ከምእተወስዱ ሓቢሩ።
ምንጪ ስእሊ, Met Police
ኣብ ዋለታምስቶው ብኻራ ዝተቐትለ ኣማን ሻኩር
ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ምሽት ኣቢሉ ኣምቡላንስ ሚል ኤንድ ንሰለስተ ሰባት ሕክምና ረድኤት ሂቦም። እቶም ክልተ ውጹዓት ንሆስፒታል ክኸዱ እንከለው እቲ መጠነኛ ማህረምቲ ዝነበሮ ወዲ 16 ዓመት ሳልሳዮም ብጥርጠራ ተኣሲሩ ምህላዉ ሓቢሮም።
ምንጪ ስእሊ, John Stillwell
ሰባት ኣብ ሃክኒ ተኣኪቦም እቲ ደም ምፍሳስ ከብቅዕ ይጽውዑ
ኣወሃሃዲ ድምጸ-ቑጠዐ ነበርቲ ሰባት ዛንትኦም ከካፍኡን ቅትለት ካራ ከብቅዕ ክጽዉዑን ሓቲቱ። ወዲ 40 ዓመት ኣክቲቪስት ቦግዝ " ንመንእሰያትና ኣብ ቅኑዕ መገዲ ከምዘየለዉ ንሓብሮም - ናብ ቅኑዕ መገዲ ንምርሓዮም፡
እዚ ህይወት ኣይኮነን ክብሎም እደሊ!" ኩሉ እቲ ንኸምዚ ዓይነት ባህሪያት ዘተባብዕ ሙዚቃ ኮነ ኣብለጭላጪ መልእኽቲ ናይ ሓሶት ህይወት ከብቅዕ ኣለዎ።
ምንጪ ስእሊ, Stefan Rousseau