መራሒት ደቡብ ኮርያ ነበር ፓርክ -ጉን ሀይ ብብልሽውና ን24 ዓመታት ተፈሪዳ

ፓርክ ሀይ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ፓርክ ሀይ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምውራዳ ተኣሲራ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ

መራሒት ደቡብ ኮርያ ነበር ፓርክ - ጉን ሀይ ኣብ ስልጣን እንከላ ብዝፈጸመቶ ብልሽውና ገበነኛ ኮይና ስለዝተረኽበት ን24 ዓመታት ክትእሰር ተፈሪዳ።

እቲ ህዝቢ ኣብታ ሃገር ብሰበስልጣናትን ሰብ ዓበይቲ ትካላት ንግድን ሳዕሪሩ ብዘሎ ብልሽውና ከቢድ ቅሬታ ስለዘለዎ እቲ ፍርዲ ብመራኸቢ ብዙሓን ብቐጠዕታ'ዩ ተመሓላሊፉ። ብተወሳኺ፡ እታ ፕረዚደንት ነበር ኣስታት $17 ሚልዮን ዶላር ክትከፍል'ውን ተኣዚዛ'ላ። ፓርክ ሀይ እቲ ቤት ፍርዲ ኣንጻረይ እዩ ስለዝበለት ፍርዳ ክትሰምዕን ክትቅበልን ኣብ ቤት ፍርዲ ኣይተረኽበትን። ይኹን እምበር ነቲ ዝተበየነላ ፍርዲ ይግባይ ከምእትብል ግን ሓቢራ ኣላ።

Image copyright AFP/Getty
ናይ ምስሊ መግለጺ ደቡብ ኮርያውያን ፍርዲ ፕረዚደንቶም ነበር ብሚድያ እናሰምዑ

ዳኛ ኪም-ሰ-ዮን፡ እታ ፕረዚደንት፡ እዚ ኹሉ ነታ ሃገር ኣብ ሽግር አእትያታ ክነሳ ዝኾነ ይኹን ጣዕሳ ኣየርኣየትን። እቲ ዳኛ "ንፓርክ ወላ ሓንቲ ክንሕግዛ ኣይንኽእልን ኢና ብዝፈጸመቶ ገበን ክትሕተት እያ" ኢሉ። ሰማያዊ ቤት እተሰምየ ቤተ መንግስቲ ደቡብ ኮርያ በወገኑ " ቅስሚ ሃገር ዝሰብር ፍጻሜ" እዩ ብምባል መግለጺ ኣውጺኡ። " ካብ ታሪኽ ዘይመሃር ታሪኽ ምድጋሙ ኣይተርፎን" ድማ ኢሉ። እቲ ፍርዲ ብማዕከናት ዜና ክቃላሕ ሰበስልጣናት እታ ሃገር ፍቓድ ምሃቦም ካብ ትጽቢት ወጻኢ እዩ ነይሩ። ግን ከኣ ካብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት እዩ ረኺቡ።

እቲ ክሲ እንታይ እዩ ነይሩ?

ፓርክ ካብ ዝቐረበላ 18 ክሲ ብ16 ጉዳያት'ያ ብጉቦን ጸቕጢ ብምፍጣርን ገበነኛ ኮይና ተረኺባ። እቲ ቤት ፍርዲ፡ ፓርክ ምስ መሓዝኣ ቾይ ሱን-ሲል ከም ሳምሱንግ ዝኣመሰላ ዓበይቲ ናይ ኤለትሮኒክ ኩባንያታት ንኽኣትዋ ሚልዮናት ዶላር ገንዘብ ከምእተቐበላ ሓቢሩ።

ፓርክ ንሓያሎ ኩባንያታት ንመሐዝኣ ቾይ ጓላን ብርክት ዝበለ ገንዘብ ክኸፍሉ ትደፋፍእ ምንባራን ከምኡ እውን ፕረዚደንታዊ ምስጢራት ንቾይ ተካፍላ ምንባራ እቲ ፍርዲ ይጠቅስ። እታ ፕረዚደንት ነበር ይግባይ ንኽትብል ናይ ሸውዓተ መዓልታት ዕድል ኣለዋ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ደገፍቲ ፕረዚደንት ነበር ፓርክ ንኽትፍታሕ ሰላማዊ ሰልፊ እናካየዱ

ምኽንያት ውድቀት እታ ፕረዚደንት ነበር እንታይ እዩ?

ምስ ቾይ ካብ ንእስነተን ኣትሒዘን እየን ዕርክነት ነይሩወን። ካብኡ ዝነቐለ ከኣ ክሳብ ምስጢራት ሓድሕድ ክነጋገራ ኺኢለን። ብመገዲ ፓርክ ገይራ ከኣ ኣብ ጉዳያት እታ ሃገር ጽልዋታታ ከተሕድር ጀሚራ፤ ብዝፈጸሞቶ ገበናት ከኣ ኣቐዲማ ን20 ዓመት ተፈሪዳ'ያ።

ፓርክ ብዝፈጸመቶ ርኡይ ብልሽውና ብህዝቢ ሓያል ተቓውሞ ስለዝገጠማ ካብ ስልጣን ክትእለ ከም ዝተገደደት ይዝከር። ብድሕሪኡ ድማ ብብልሽውና ተኸሲሳ ከም ዝተኣስረትን ካብ ሽዑ ኣትሒዛ ኣብ ማእሰርቲ ከም ዝጸንሐትን ይፍለጥ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት