ሶርያ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርታ ከምእተጠቕዐ ሓቢራ

ሆምስን ደማስቆን ዝርከባሉ ቦታ ዘርእይ ካርታ ሶርያ

ኣብ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሶርያ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሚሳይል በዙሓት ከምዝሞቱን ከምዝቖሰሉን ሳና ዝተባህለ ማዕኸን ዜና እታ ሃገር ፀብፂቡ።

እቲ ማዕኸን ዜና ከምዝሓበሮ እቲ 'ቲ4' ዝተብሃለ መዋፈሪ ነፈርቲ ውግእ ኣብ ጥቓ ከተማ ሆምስ እዩ ዝርከብ። ዋላ'ኳ ገና ዝርዝራዊ ሓበሬታ እንተዘይተዋህበ፡ ዘጊት ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደሉ ኣካል የለን።

ፕረዚደንት ትራምፕ ንፕረዚደንት እታ ሃገር በሽር ኣል ኣሳድ 'እንስሳ' ክብሉ ብምግላፅ፡ ምስቲ ስርዓት ንዝተሓባበራ ኢራንን ሩስያን "ከቢድ ዕዳ ከምዝፅበየን" ተዛሪቦም።

ትራምፕን ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮንን ኣብ ሓደ እዋን "ዝተወሃሃደን ተሪር ሓበራዊ ስጉምቲ" ንምውሳድ ዝዓለመ ሓበራዊ መግለፂ ሂቦም።

ይኹን እምበር ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ ነቲ መጥቃዕቲ ሚሳይል ከምዘይፈጸሙ ሓቢሮም።

ኣብዚ እዋን እዚ "ሓይሊ ምክልኻል ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሶርያ መጥቃዕቲ ኣይፈፀመን" ክብል ፔንታጎን መግለፂ ሂቡ'ሎ።

ኮይኑ ግን ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ከምዝከታተሎን ኣብ ልዕሊ ሶርያ ኮነ ካልኦት ሃገራት ኬሚካላዊ ኣፅዋር ዝጥቀሙ ኣካላት ንኸቋርፁ ዲፕሎማሲያዊ ፃዕርታት ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ።

ሶርያዊ ወኪል ዜና ግን ነቲ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ኣየር "ኣሜሪካ ከምዝፈፀመቶ ዝግመት መጥቃዕቲ" ክብል ፀብፂቡ ነይሩ።

መረዳእታታት ሓኻይም ከምዝሕብሮ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሞይቶም እዮም።

"ዋይት ሄልሜት" ብዝብል ዝፍለጡ ወለንተኛታት ሰራሕተኛታት ምድሓን ነብሲ ድማ ብዙሓት ሰባት ሞይቶም ኣብ ኣፎም ዓፍራ ከምዝተርኣየ ሓቢሮም።

ክንደይ ሰባት ከምዝሞቱን ብኸመይ ዝበለ መሳርሒ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀመን'ኳ ንፁር እንተዘይኮነ፡ ሶርያን ሩስያን ኬሚካላዊ መፅናዕቲ ንምክያዱ ቅቡል ኣይገበራን።

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ጉዳይ ሎሚ ሰኑይ ክዝትይ ትፅቢት ይግበር።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ