ቅድምን ሕጅን ብብልሽውና ተኸሲሶም ኣብ ፍርዲ ዝቐረቡ መራሕቲ

መራሕቲ ኣፍሪቃ ነበር
ናይ ምስሊ መግለጺ ትማልን ቅድምን ብብልሽውና ዝተኸሰሱ መራሕቲ ኣፍሪቃ ነበር

ዓርቢ 06 ሚያዝያ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃኮብ ዙማ ብብልሽውናን ካልእን ተኸሲሱ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ነይሩ።

ናይ ቅድም ፕረዚደንት ብራዚል ነበር ሉላ ዳ ሲልቫም እውን ንዝቐረበሉ ክሲ ተቐቢሉ ንጽህንኡ ንከረጋገጽ ባዕሉ ንፖሊስ ኢዱ ሂቡ ተኣሲሩ ኣሎ። ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ነበር ማርክ ጉን ሀይ እውን ብብልሽው ተኸሲሳ ን24 ዓመታት ተፈሪዳ።

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ብብልሽውና ዝተኸሰ ፕሬዝደንት ፈረንሳ ነበር ኒኮላስ ሳርኮዚ እውን ከም ሓደ ኣብነት ክውሰድ ይከኣል።

ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለም ብብልሽውና ተኸሲሶም ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐርቡን ብኣካል ኣብ ዘይተረኽቡሉ ቤት ፍርዲ ዝተፈርዱን መራሕቲ ሃገራት ነበር እዞም ዝስዕቡ ከም ኣብነት ክቐርቡ ይኽእሉ።

መንግስቱ ሃይለ-ማርያም (1977-1991) ፕሬዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ብምጽናት ዓሌት ተኸሲሱ ይግባይ ድሕሪ ምባሉ ብኣካል ኣብ ዘይተረኽበሉ ኣብ 2008 ንሞት ተፈሪዱ።

ታምራት ላይኔ (1991-1995) ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ብብልሽውና ተኸሲሱ ተፈሪዱ።

ሑስኒ ሙባረክ (1981-2011) ፕሬዝደንት ግብፅ ነበር ብቕትለትን ብልሽውናን ተኸሲሱ ተፈሪዱ።

ፓስተር ቢዚማንጎ (1994-2000) ፕሬዝዳንት ሩዋንዳ ነበር ብምጽሕታር ዕግርግርን ገንዘብ መንግስቲ ብምብኻንን ተኸሲሱ ተፈሪፈዱ።

ቻርልስ ቴይለር (1997 - 2005) ፕሬዝዳንት ላይቤሪያ ነበር ብወተሃደራዊ ገበን ተኸሲሱ ተፈሪዱ።

ሑሴን ሃብሬ (1982-1990) ፕሬዝዳንት ቻድ ነበር ብወተሃደራዊ ገበን ተኸሲሱ ተፈሪዱ።

ፍሬድሪክ ቹሉባ ( 1991-2001) ፕሬዝዳንት ዛምቢያ ነበር ብብልሽውና ዝምታን ተኸሲሱ ተፈሪዱ።

ሎረን ባግቦ (2000-2011) ፕሬዝዳንት አይቮሪኮስት ነበር ድሕሪ ምርጫ ብዝተኸስተ ዕግርግር ተኸሲሱ ተፈሪዱ።

ዥ ፒዬር ቤምባ (2003-2006) ምክትል ፕሬዝዳንት ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ብወተሃደራዊ ገበንን ብቕትለትን ተኸሲሱ ተፈሪዱ።

ካናን ባናና (1936-2003) ፕሬዝዳንት ዚምባብዌ ነበር ብግብረ ሰዶም ተኸሲሱ ተፈሪዱ።