ካናዳውያን ብሓደጋ ንዝሞቱ እስፖርተኛታቶም ብሓዘን ይዝክሩ

ካናዳውያን ተጻወትቲ ሆኮ Image copyright Handout via Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ስድራቤታት ስፖርተኛታት ሞት ደቆም ክርድኡ ጀሚሮም

ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጃስቲን ትሩዶ ነቶም ብሓደጋ ኣውቶቡስ ዝሞቱ 15 ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ናይ ንኣሽቱ ናይ በረድ ቃርሳ (ሆኪ) ንምዝካር ኣብ ዝተገብረ ናይ ሽምዓ መብራህቲ ሓዘን ተኻፊሉ።

ብድሕሪ'ቲ ብዓርቢ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ካናዳ ብሓዘን ተዋሒጣ'ላ። ዕድሚኦም ካብ 16 ክሳብ 21 ዝኾኑ 10 ኣባላት ናይታ ሃምቦልት ብሮንኮስ ዝተባህለት ጋንታ ኣውቶቡሶም ምስ ሓንቲ ተሳሓቢት ኣብ ሳስካችዋን ምስ ተጋጨወት ብኡ ንብኡ ሞይቶም።

ፖሊስ ጠንቂ ናይ'ቲ ሓደጋ የጻርዮ'ሎ። መራሒ ናይታ ተሳሓቢት ግን ኣይተጎድአን።

ኩለን ጋንታታት ቃርሳ ናይታ ሃገር ድማ ብመንገዲ ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ዝወጸ መደባት ሓዘነን ገሊጸን። ብዙሓት ሰባት ንቤተሰብ መወትትን ጉዱኣትን ንምሕጋዝ ቃል ኣትዮም ኣለዉ። ድሮ ድማ ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታታት ሚሊዮናት ዶላራት ተዋጺኡ'ሎ።

Image copyright Canadian Press/REX/Shutterstock
ናይ ምስሊ መግለጺ ህይወት 15 ተጻውትቲ ሆኪ ዝቐዘፈ ሓደጋ ኣውቶቡስ

መንዮም'ቶም ግዳያት?

እቲ ሓደጋ ዓርቢ ከባቢ ሰዓት ክልተ ናይ ለይቲ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ተጻወትቲ፣ ኣሰልጠንትን መራሕ መኪናን ሓዊስካ 29 ሰብ ኣብታ ኣውቶቡስ ነይሮም። ክሳብ ሰንበት ድማ ሞት ናይቶም 15 ከምዝተረጋገጸ ሰበስልጣን ኣፍሊጦም። ካልኦት 14 ድማ ኣብቲ ሓደጋ ቆሲሎም።

ወዲ 42 ዓመት ቀዳማይ ኣሰልጣኒ ጋንታ፡ ዳርሲ ሆጋን ድማ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ሞቶም ዝተረጋገጸ'ዩ። ፕረሲደንት ናይታ ጋንታ ኬቪን ጋሪንገር "ክለብ ሃምቦልት ብሮንኮስ ተጻወቲ ቃርሳ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዘደንቑ መናሰያት'ያ ትሃንጽ ነይራ" ኢሉ።

"ብሞት ምፍላዩ ድማ ንኹሎም ኣባላት ውድብና ድማ ክሃሲ'ዩ"።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብቲ ሓደጋ ዝሞተ ወዲ 42 ዓመት ኮች እታ ጋንታ ዳርስይ ሁጋን

ወዲ 27 ዓመት ተሓጋጋዚ ኣሰልጣኒ ማርክ ክሮስ "ሓያል ናይ ጸወታ ህልኽ ዝነበሮ ንህይወት (ንምንባር) ብሓያል መንፈስ ዝርእያ ዝነበረ ሰብ" ተባሂሉ ብኣሰልጣኒ ጋንታ ቃርሳ ናይ ዮርክ ዩኒቨርሲቲ ራስ ሃሪንግተን ተገሊጹ።

ማርክ ክሮስ ንሓሙሽተ ዓመታት ምስታ ጋንታ ተጻዊቱ። ወዲ 20 ዓመት ሓለቓ ጋንታ ሎጋት ሻትስ ድማ ኣርባዕተ ዓመታት ተጻዊቱ።

ሞት ናይዞም ዝስዕቡ ተረጋጊጹ'ሎ፥

- ወዲ 16 ዓመት ኣዳም ሀሮልድ ካብ ሞንትማትር ሳስካችዋን

- ወዲ 21 ዓመት ኮነር ሉካን ካብ ስሌይቭ ለይክ ኣልበርታ

- ወዲ 18 ዓመት ኢቫን ቶማስ ካብ ሳስካቱን ሳስካችዋን

- ወዲ 19 ዓመት ጃኮብ ሌች ካብ ሃምቦልት ሳስካችዋን

- ወዲ 20 ዓመት ጃክሰን ጆሴፍ ካብ ኤድሙንተን ኣልበርታ

- ወዲ 21 ዓመት ሎጋን ቦለት ካብ ለትብሪጅ ኣልበርታ

- ወዲ 18 ዓመት ሎጋን ሃንተር ካብ ቅዱስ ኣልበርት ኣልበርታ

- ወዲ 21 ዓመት ስቴፍን ዋክ ካብ ኣልበርት ኣልበርታ

- ወዲ 18 ዓመት ዣቪ ላበል ካብ ሳስካቱን ሳስካችዋን።

ሞቶም ዝተረጋገጸ ኣባላት ጋንታ ድማ እዞም ዝስዕቡ'ዮም፡

- ወዲ 18 ዓመት ብሮዲ ሂንዝ ካብ ሳስካችዋን

- ወዲ 59 ዓመት ግለን ዶርክሰን ካብ ካሮት ሪቨር ሳስካችዋን

- ወዲ 29 ዓመት ታይለር ቢበር ካብ ሃምቦልት ሳስካችዋን።

ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተለጠፉ ስእልታት ብዙሓት ካብቶም ዝቖሰሉ ኣባላት ጋንታ ኣብ ሆስፒታል ነንሕድሕዶም በእዳዎም ተተሓሒዞም የርእዩ።

ኣቦ ናይ ሓደ ኣባል ጋንታ ዝኾነ፡ ቶም ስትራሽኒኪ ዝተባህለ ሰብኣይ ወዱ ርያን ከቢድ ናይ ሕቖ ማህረምቲ ከምዘጋጠሞን እግሩ ደንዚዙ ዝኾነ ስምዒት ከምዘይብሉ ገሊጹ።

"ብቐጻሊ ብዛዕባ ሃለዋት ደቂ ጋንትኡን ኣሰልጠንቱን ይሓትት" ኢሉ ኣቡኡ ኣብ ኤየርድሪ ኣልበርታ ኣብ ዝርከብ ገዝኡ ኮይኑ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።

"እንድዒ፡ ኣይፈለጥኩን ዝወደይ ጥራይ'የ ዝብሎ" ድማ ኢሉ።

ብዛዕባ'ቲ ሓደጋ እንታይ ይፍለጥ?

እታ ኣውቶቡስን እታ ተሳሓቢትን ኣብ ቲስደይል ኣብ ዝርከብ ዓቢ ጎደና (ሃይወይ) እየን ተጋጭየን። እታ ጋንታ ንግጥም ናብ ኒፓዊን ትጓዓዝ ነይራ። እቲ ሓደጋ ኣብ ሓደ መስቀላዊ መንገዲ ከምዘጋጠመ ካብ ኣየር ዝተሳእሉ ስእልታት ኣርእዮም።

መራሒ ናይታ ተሳሓቢት ከምዘይተጎድአን ሰበስልጣን መርመራኦም ክሳብ ዝውድኡ ድማ ነጻ ከምዝተለቀን ፖሊስ ገሊጾም።

ሓደ ካብ ወለዲ ስፖርተኛታት ዝኾነ ማይልስ ሹምላንስኪ ነቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ "መቕዘፍቲ'ዩ" ኢሉ ገሊጽዎ ንሳስካቱን ስታር ፊኒክስ ኣብ ዘሃቦ መግለጺ።

ከንቲባ ሃምቦልት ሮብ ምወንች ድማ እቲ ማሕበረ-ሰብ ናብ ንቡር ክምለስ ዓመታት ክወስደሉ'ዩ ኢሉ።

"ኩሉ ጊዜ ኣብ መላእ ካናዳ ጋንታታት ኣብ እዋን ክረምቲ (በረድ ዝበዝሃሉ እዋን) ብእውቶቡስ ክጓዓዛ ንርኢ። ወለዲ ይኹኑ ደገፍቲ ጋንታ ድማ ወትሩ ብዛዕባ ከጋጥም ዝኽእል ነገር ይሓስቡ" ኢሉ ንሱ።

"ኣብ ከምዚ ህሞት እንታይ ክግበር ከምዘለዎ ዝገልጽ መምርሒ ድማ የለን" ድማ ኢሉ።

ሓላፊ ሃዋርያዊ ቤተክርስቲያን ኒፓዊን ፓስተር ጆርዳን ጋስቢ ብዛዕባ'ቲ ሓደጋ ምስ ሰመዕአ ቀልጢፉ ንሓዘንቲ ቤተክርስቲያኑ ከምዝኸፈተሎም ንቢቢሲ ነጊሩ።

"እቲ ዝኸፍአ ክፋል ናይ'ቲ ለይቲ፡ ወለዲ ወዶም ብህይወት ኣሎ ድዩ የለን ክፈልጡ እናበኸየዩ ክጽበዩ ክትርእይ እንከለኻ'ዩ" ኢሉ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ሃገራዊት ጋንታ ሆኪይ ቅድሚ ጸወታ ምጅማሮም ብሞት ንዝተፈልዩዎም መጻውቶም እናዘከሩ

መን'ዩ ሓዘኑ ገሊጹ?

ሃገር ብምልእታ ኣብ ጎኒ'ታ 6,000 ነበርቲ ዘለውዋ ሃምቦልት ኮይና "ኣብ ስንባደን ሓዘንን" እያ ዘላ ኢሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ትሩዶ።

"እታ ሰራውራ ዳርጋ ናብ ኩለን ዓበይትን ንኣሽቱን ከተማታት ካናዳ ዝዝርጋሕ ሃገራዊት ጋንታና ጥምርቲ'ያ" ኢሉ ንሱ።

ንፕረሲደንት ኣሜሪካ ዶናል ትራምፕ ሓዊሳክ ድማ ካብ ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ድማ ናይ ሓዘን መግለጺ ተላኢኽሉ'ሎ።

ሃምቦልት ብሮንኮስ ፕረሲደንት ኬቪን ጋሪንገር እታ ክለብ በቲ ዘሕዝን ፍጻመ "ልባ ተሰቢሩን ፈጺማ ተኾምቲራን'ያ" ኢሉ።

ካናዳ ቅድሚ ሕጂ'ውን ተመሳሰልቲ ሓደጋታት ኣጋጢሙዋ'ዩ።

ኣብ 1986 ተጻወቲ ናይ ስዊፍቲ ካረንት ብሮንኮስ ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበር ኣውቶቡስ ምስ እኩም ጸሊም በረድ ተጋጭያ ኣርባዕተ ተጻወትቲ ሞይቶም ነይሮም።

ካብ 1987 ጀሚሩ ነቶም ሽዑ ዝሞቱ መንእሰያት ንምዝካር ማልያታት ናይቲ ምዕራባዊ ቃርሳ ሊግ መልክዕ ስየ ዘለዎ ልጋብ ክህልዎ ተወሲኑ።

ተወሳኺ ዛንታ