ፕዮንግያንግ ምስ ኣመሪካ ብኒኩሌር ፕሮግራም ክትዘራረብ ድሉውነታ ሓቢራ

ትራምፕን ፕዮንዢያንግ ኣብ ግንቦት ክራኸቡ እዮም ተባሂሉ Image copyright AFP/Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ትራምፕን ፕዮንዢያንግ ኣብ ግንቦት ክራኸቡ እዮም ተባሂሉ -ሰሜን ኮርያ ግን ብወግዒ ኣየረጋገጸቶን

ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዝራኸብሉ እዋን ብዛዕባ መጻኢ ኒኩሌራዊ መደባታ ክትዝቲ ቅርብቲ ምዃና ሓቢሮም።

ይኹን እምበር ብዛዕባ ምድላው እቲ ኣኼባ ኮነ እቲ ምስጢራዊ ቀጥታዊ ዝርርብን ዝካየደሉ ቦታን ከምዘይተጠቕሰ ምምሕዳር ትራምፕ ሓቢሩ። ሰበ ስልጣን ጸጥታ ሰሜን ኮርያን ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካነ ኣብ ሳልሰይቲ ሃገር ከምዝራኸቡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰሜን ኮርያ ውሕስነታ እንተተረጋጊጹላ ኒኩሌራዊ መደባታ ከምእተቃርጾ ሓቢራ

እቲ ትጽቢት ዘይተገብሮ ኣኼባ ኣብ ግንቦት ክካየድ ትጽቢት ይግበሮ። ኣብቲ ትጽቢት ዝግበረሉ እዋን እንተተራኺቦም መራሕቲ ክለቲአን ሃገራት ንመጀመርታ ግዜ ዝራኸቡሉ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ክኸውን እዩ።

ሰሜን ኮርያ ኒኩሌራዊ መደባታ ከምእተቋርጾ ንንደቡብ ኮርያ ሓቢራታ እኳ እንተኾነት ብዛዕባ እቲ መጻኢ መደብ ንኣመሪካ ከተረጋግጸላ ግን ንምጀመርታኣ እዩ።