ሃውስ ሪዞሉሽን (HR) 128 ብዝብል ዝፍለጥ ሰነድ ብዝለዓለ ድምፂ ኣባላት ኮንግረስ ኣሜሪካ ቅቡል ኮይኑ

ቤተ መንግሰቲ ኣሜረካ Image copyright Getty Images

እቲ ሰነድ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንቢርዎ ዘሎ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ከልዕል፣ ኣካላት ፀጥታ ካብ ዓቀኑ ዝሓለፈ ሓይሊ ምጥቃም ደው ከብሉ፣ ሕገመንግስታዊ መሰሎም ብምጥቃሞም ንማእሰርቲ ዝተሳጥሑ ተቓወምቲ፣ ጋዜጠኛታትን ተሓለቕትን ክፍትሑ ዝፅውዕ እዩ።

ብኻልእ ወገን ድማ ተቓወምቲ ኣብ እዋን ሰልፍታት ካብ ጎነፅ ክዕቀቡ፡ ኩሎም ዕጡቓት ውዳበታት ድማ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለዎም ጎነፅ ጠጠው ብምባል ናብ ሰላማዊ ዘተ ክኣትው ይፅውዕ።

ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ዝኾና ዲና ቲቱስ እቲ ሰነድ ብልዑል ድምፂ ተቀባልነት ድሕሪ ምርካቡ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ክኽበሩ ንምድጋፍን ንኹሉ ዝሓቁፍ ምሕደራ ክህሉ ንምትብባዕን እቲ ሰነድ ቅቡል ከምዝተገበረ ይገልፃ።

"ሰባት ሰላማዊ ብዝኾነ መገዲ ተቃውሞኦም ናይ ምግላፅ መሰሎም ክኽበረሎም ምድጋፈይ ክቕፅለሉ እየ ሰባት ኣብ መላእ ዓለም ሓለዋ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ክህልዎም እውን ክሰርሕ እየ" ኢለን።

ሴናተር ግዝኣት ኦክላሃማ ጂን ኢንሆፍ፡ እቲ ውሳነ ክሓልፍ ሓደ ሰዓት ኣብ ዝተረፎ ናብቶም ወሰንቲ ኣብ ዝለኣኽዎ መልእክቲ እቲ ረቂቕ ከይፀድቕ ሓቲቶም ነይሮም።

"ሓድሽ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዝኣተውዎ ቃል ተግባራዊ ንኽገብሩ ጣልቃ ብዘይምእታው ክንሕግዞም ይግባእ" ኢሎም። ምፅዳቕ እቲ ረቂቕ ግን ኣሉታዊ ውፅኢት ስለዘስዕብ ንኸይፀድቕ ሓቲቶም።

ኣብ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ካሳ ተክለብርሃን ብወገኖም፡ እቲ ረቂቕ ከይፀድቕ ኣብ ዝፀሓፍዎ ደብዳበ ንርክብ ክልትኤን ሃገራት ከምዝጎድእ ገሊፆም እዮም። "ዘይግቡእን እዋኑ ዘይሓለወን" ክብሉ'ውን ነቒፎም።

እዚ ሰነድ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ንክኽበር ዝደፍእ ምዃኑን ረቂቕ እቲ ሰነድ ድማ ብዝተፈላለዩ ኣባላት ኮንግረስ ከምዝተዳለወን ተቀማጥነቱ ኣብ ኣሜሪካ ዝገበረ ሲቪክ ካውንስል ኢትዮ አሜሪካ ናይ ዝበሃል ውዳበ በዓል ሞያ ርክብ ህዝቢ ኣይተ ኣምሳሉ ካሳው ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

እዚ ሰነድ ኣስታት 108 ብዝኾኑ ኣባላት ሪፓብሊካንን ዲሞክራት ፓርትን ዝድገፍ ምዃኑ ዝገልፁ አይተ አምሳሉ፡ ሓዱሽ ሕጊ ዝሐወሰ ካብ ወትሩ ዝተፈለየ ሕጊ እዩ ይብልዎ።

ረቐቅ እዚ ሰነድ ኣብ ምድላው ተወካሊ ኮሎራዶ ማይክ ኮፍማንን ካልኦት ኣባላት ኮንግረስን ዝተሳተፉ እንትኾን፡ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ብዓለምለኸ ዘይሻራዊ ትካላት ክፃረ ዝደፍእ እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት