ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሶርያ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ከይተካይድ ሩስያ ኣጠንቂቓታ

ኣብ ጥቓ ከተማ ዱማ ዝተኣከቡ ወተሃደራት ሰራዊት ሶርያ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ጥቓ ከተማ ዱማ ዝተኣከቡ ወተሃደራት ሰራዊት ሶርያ

"ካብቲ ኣብዚ ኣዋን ከተካይድዎ ወጢንክምዎ ዘለኹም መደባት ክትቁጠቡ ዳግም ይማሕጽነኩም" ኢሉ ቫዚል ኔቤንዚያ፡ ኣምባሳደር መንግስቲ ሩስያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት።

ብምቕጻል ቫዚል መንግስቲ ኣሜሪካ ነቲ ዝኾነ "እትወስዶ ዘይሕጋዊ ወተሃደራዊ ዕንደራ ሓልፍነት ክትወስድ" ምዃና ኣጠንቂቑ።

እንተኾነ፡ መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ኣንጻር'ቶም ኣብ ናይ ዱማ መጥቃዕቲ ኢድ ዝነበሮም ብሓባር ክሰርሑ ተሰማሚዖም ኢዮም።

ዝኾነ እነካይዶ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ናይ መንግስቲ ሶርያ ናይ ቀመማዊ ትካላት ዝዓለመ ኢዩ ክኸውን ኢሉ ፕሬዚደንት ፈረንሳ ኤማኑኤል ማክሮን።

መንግስቲ ሩስያ ድሕሪ'ቲ ኣብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ጸጥታ ባይቶ ኣኼባ ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብ ሶርያ ተፈጺሙ ዝተባህለ ናይ ቀመማዊ መጥቃዕቲ ሓድሽ መርመራ ክካየድ ቀሪቡ ዝነበረ እማመ ድሕሪ ምውዳቑ ኢዩ እቲ መጠንቀቕታ ዝተዋህበ።

መንግስቲ ሩስያ ኣንጻር'ቲ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝቐረበ ንድፊ ውሳነ ከተድምጽ ኮላ፡ ቻይና ድማ ድምጺ ተዓቅቦ ጌይራ። እቲ ብመንግስቲ ሩስያ ዝቐረበ እማመ ድማ ብዙሕ ደገፍ ብዘይምርካቡ ወዲቑ።

እቲ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝቐረበ እማመ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ተቓወምቲ ዝቆጻጸርዎ ከተማ ዶማ፡ ምብራቓዊ ዞባ ጎታ መንግስቲ ፕሬዚደንት ሶርያ ባሻር ኣል-ኣሳድ ናይ ሶርያ ኣካይድዎ ዝብሃል ቀመማዊ መጥቃዕቲ ነጻ ዝኾነ መረመራ ክካየድ ኢዩ ዝጠልብ ነይሩ።

እታ ካብ መንግስቲ ሩስያ ወተሃደራዊ ደገፍ እትረክብ መንግስቲ ሶርያ ግና ኣብቲ ተኻይዱ ዝብሃል ቀመማዊ መጥቃዕቲ ዝኾነ ኢድ ከምዘይብላ ገሊጻ።

ሓደ ጉጅለ ኣንጻር ቀመማዊ ኣጽዋር ዝነጥፍ ውድብ ኣብዚ ቀረባ ናብ ሶርያ ብምኻድ ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብ ዶማ ተኻይዱ ዝብሃል ቀመማዊ መጥቃዕቲ መርመራ ከካይድ ኢዩ ይብሃል።

እንተኾነ እቲ ውድብ መን ነቲ መጥቃዕቲ ፈጽምዎ ኣይከጻርይን ኢዩ።

እቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣኼባ ሓደ ካብተን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ሩስያን ኣሜሪካ ኣብ ኣዝዩ ኣካታዕን ተሪር ቃላት ዝተለዋወጣሉ ህሞት ኢዩ ነይሩ።

ኣምባሳደር ኔቤንዚያ መንግስቲ ኣሜሪካ ነቲ "ውሳነ ዘበገሰቶ" ነቲ ክትውስዶ ዝወጠነቶ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ "መመኽነይታ" ንኽኾና ኢዩ ኢሉ።

"ኣብ ድርኩኺት ናይ ሓደ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ክንኣቱ ኢና" ኢሉ ኔቤንዚያ።

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኒኪ ሄሊ ድማ እቲ ዝተዋህበ ድምጺ "ላግጫ" ኢዩ ኢላ።

ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ክህሉ ዲዩ?

ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ "ሓያል" ግብረ መልሲ ክህብ ቃል ክኣቱ ከሎ፡ ብዙሓት ወተሓደራዊ ኣማራጺታት ከምዘለዎ'ውን ገሊጹ።

ኣብ ጉዳይ ሶርያ ንምድሃብ ክብል ቀዳማይ ዑደቱ ናብ ላቲን ኣሜሪካ ሰሪዙ። ምኒስተር ምክልኻል ጀምስ ማቲስ'ውን ኩሉ ናይ ዑደት መደባቱ ሰሪዝዎ ኣሎ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኒኪ ሃለይ (ፀጋም) ን ቫስሊ ነብንዚያን (የማን)

ናይ ፕሬዚደንት ትራምፕ ናይ ላቲን ኣሜሪካ ዑደቱ ምስራዝ እቲ ናይ መንግስቲ ኣሜሪካ ግብረ-መለሲ ካብ ናይ ኣየር ንመጥቃዕቲ ዝዓበየ ወተሃደራዊ ስርሒት ክኸውን ከምዝኽእል የተንብህ ኢላ ባርባራ ፕሌት፡ ናይ ቢቢሲ ጋዜጠኛ ኣብ ዋሺንግቶን።

ዝሓለፈ ሚያዝያ፡ ኣብቲ ተቓወምቲ ዝቆጻጸርዎ ከተማ፡ ልዕሊ 80 ሰባት ብሳሪን ዝተባህለ ናይ ነርቭ ጋዝ መጥቃዕቲ ምስተቐትሉ፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ ካብ ኣብ ቀክላይ ሜዲተራንያን ዝርከብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ መደበር ሓይሊ ኣየር ሶርያ ብርክት ዝበላ ናይ ክሩዝ ሚሳይል መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ይዝከር። እዚ ድማ ቀዳማይ ወተሃደራዊ ስጉምቲ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣንጻር ሓይልታት ፕሬዚደንት ኣሳድ ኢዩ ነይሩ።

ድሕሪ'ቲ ናይ ቀዳም ፍጻመ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ምስ መንግስታት እንግሊዝን ፈረንሳን ብዛዕባ ዝተወሃሃደ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ሃገራት ምዕራብ ክትዘራረብ ጸኒሓ።

ድሮ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ዶናልድ ኩክ ዝተባህለ ዓቢ ናይ ኲናት መርከብ ኣብ ቀላይ ሜዲቴራንያን ኣስፊራ ኣላ።

ብቐዳም እንታይ ኣጓኒፉ?

ናይ ሶርያ ተቓወምትን ሂወት ዝድሕኑ ሰራሕተኛታትን ሓይልታት መንግስቲ ሶርያ ኣብ ዶማ፡ ምብራቓዊ ከተማ ጎታ፡ ጥቓ ርእሰ ኸተማ ደማስቆስ ቀመማዊ ንጥረ-ነገር ዝተመልአ ቦምባ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ገሊጾም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ