ኣውስራልያ፡ ሕማም መንሸሮ ኣለኒ እላ ዝሐሰወት ኣብ ቀይዲ ተእቱ

ሃና ዲኒክሰን Image copyright Facebook
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣውስራልያ ሕማም መንሸሮ ኣለኒ እላ ዝሐሰወት ሃና ዲኒክሰን ቤት ፍርዲ ቀሪባ

ሃና ዲክሰን ዝተባህለት ጓል 24ተ ዓመት፡ ንስድርኣ ናይ ሕክምና ሰልዲ የድልየኒ ብምባል 31 ሽሕ ዶላር ብሐገዝ ተቀቢላ።

ስድራኣ፡ ካብ ኣዕሩኽቶምን ካልኦት ደለይቲ ጽቡቅን ሐገዝ ገንዘብ ከምዝቀበሉን፡ሃና ዲክሰን ከኣ ነቲ ብሐገዝ ዝተቀበለቶ ገንዘብ፡ ንዙረትን ኣብ ማሕበራዊ ሂወታን ከምዘጥፈኣቶን ንቤት ፍርዲ ተገሊጹ።

እቲ ዳኛ ነቲ ምጥፍፋእ ዘሕኒክ ክብል ገሊጽዎ።

እታ ተኸሳሲት ብወገና፡ ብምትላል፡ ንብረት ካልኦት ከምዝተቀበለትን፡ ገበነኛ ብምዃን ከምዝተኣመነትን እቲ ቤት ወሲኹ ኣረዲኡ።

እቲ ዳኛ ነቲ ፍርዲ ክሕልፍ እንከሎ፡ "ንውሽጣዊ ባህሪ ደቂ ሰባት ዘሰንብድን፡ድልየት ናይ ምሕጋዝን፡ ማሕበራዊ እምነት ህዝቢ ዝግህስን" ብምባል ገሊጽዎ።

ዲከንሳን ካብ ሕክምና ናይ ክንክን ሕማም መንሽሮ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ሓደ ሰብ ዓሰርተ ሽሕ ዶላር ከምዝለገሰላ ንቤት ፍርዲ ተሓቢሩ። ከምኡውን ካልእ ሰብ ኣብ ኣርባዕተ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ገንዘብ ለጊስሉ።

እቲ ውዲት ናይ ምትላል ሓደ ወሃቢ ሐገዝ፡ ምስ ፖሊስ ኮይኑ ስእሊ ናይ ዲከንሳን ኣብ ፋይስቡክ ድሕሪ ምርኣዩ ብዘሕደሮ ጥርጥር ኢዩ ተጋሂዱ።

ጠበቓ ናይ ዲከንሳን ዝኾነት በቨሊ ሊንዚ፡ ክስስቲ በቲ ዝገበረቶ ምትላል ሕይወታ ስለዘመሓየሸትሉ ክትእሰር የብላን ትብል።

ንሳ ደጊማ ምስቲ ዝሓለፈ ዓመት ናይ ኣውስትራልያ ህብብቲ ወይዘሮ በላ ጊብሶን፡ ንናይ ሓንጎል መንሽሮ ክፍውስ ይኽእል ብምባል ዝዘርግሓቶን ናይ 410, 000 ዶላር መቕጻዕቲ ዘስዓበላን ናይ ሓሶት ወረ ተወዳድሮ።

ጠበቓ ናይ እታ ክስስቲ ወይዘሮ ሊንዚ፡ ገበን ናይ ክስስት ጉድኣቱ ካብ ናይ ጊብሰን ዝፈኾሰ ኢዩ ትብል።

እንተ ኾነ ግን ኣቶ ስታቫጂ፡ እቲ ፍጻመታት ብቀጥታ ክወዳደር ከምዘይኽእልን፡ ቤት ፍርዲ ድማ ንኻልኦት ካብ ከምዚ ዝዓይነቱ ዘይሕጋዊ ተግባራት ክኽልከሉ ከተባብዕ ከምዘለዎን ሓቢሩ።

ወይዘሮ ሊንዚ ክሱስ ይግባይ ክብል ተኽእሎ ከምዘሎ ኣመልኪታ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ