ኣብ ልጀርያ ሓንቲ ወታሃደራዊት ነፋሪት ብምሕምሻሸ 257 ሰባት ሞይቶም

ምስተሓምሸሰት ዝተቓፀለት ነፋሪት Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት

ኣብ ኣልጀርያ ሓንቲ ወታሃደራዊት ነፋሪት ብምሕምሻሻ 257 ሰባት ከም ዝሞቱ ሰበስልጣን'ታ ሃገር ሓቢሮም።

እታ ነፋሪት ካብ ሓደ ኣብ ጥቓ ርእሰ-ከተማ ኣልጀርስ ዝርከብ ቡፋሪክ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወታሃደራዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ተበጊሳ ናብ በቻር ዝተባህለት ከተማ ክትበርር ምስተበገሰት'ያ ወዲቓ።

ጠንቂ ናይቲ ኣብ ኣልጀርያ እቲ ዝኸፍአ ከም ዝኾነ ዝግለጽ ዘሎ ናይ ኣየር ሓደጋ ዛጊት ከም ዘይተፈልጠን፡ ምጽራይ ይገበር ከም ዘሎን ጸብጻባት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ኣዛዚ ሰራዊት ኣብቲ ቦታ ከምዝበጽሐ ካብ ምኒስትሪ ምክልኻል'ታ ሃገር ዝወጸ ሐበረታ ገሊጹ።

መንግስቲ ኣልጀርያ ናይ 3 መዓልቲ ሃገራዊ ሐዘን ኣዊጁ'ሎ።

መብዛሕትኦም እቶም ተሳፊሮም ዝነበሩ ሰባት ኣባላት ሰራዊትን ስድራቤቶምን ምንባሮም ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ገሊጹ። ዓሰርተ ሰራሕተኛታት ናይታ ነፋሪት'ውን ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ።

ብዘይካ'ዚ ካብታ ኣብ ትሕቲ ሞሮኮ እትርከብ ግዝኣት ስጳኛ ዝነበረት ምዕራብ ሳሃራ ዝኾኑ ተሳፈርቲ'ውን ኣብቲ ሓደጋ ሞይቶም ኣለዉ።

እቲ ንናጽነት ምዕራብ ሳሃራ ዝቃለስን ብኣልጀርያ ዝድገፍን ግንባር ፓሊሳርዮ፡ ደቂ-ኣንስትዮን ቆልዑን ዝርከብዎም 30 ደቂ ምዕራብ ሳሃራ ከም ዝሞቱ ሓቢሩ። ካብዚኣቶም 26 ኣባላት ግንባር ፓሊሳርዮ ምዃኖም ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ገዛኢ ሰልፊ ኣልጀርያ ተዛሪቡ።

እታ Ilyushin Il-76 ዝዓይነታ ነፋሪት ናብ በቻር ዝተባህለ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኣልጀርያ እትርከብ ከተማ ንምብራር'ያ ተበጊሳ። እቲ ብቲንዱፍ ዝጽዋዕ ዞባ፡ ምስ ምዕራብ ሳሃራ ዝዳወብ ምዃኑን፡ መዓስከራት ስደተኛታት ዝርከብሉን፡ ደጀን ግንባር ፓሊሳርዮን ምዃኑ ይፍለጥ።

እቲ ሓደጋ ምሕምሻሽ ነፋሪት ካብ 2014 ንደሓር ኣብ ዓለም ካብ ዘጋጠሙ ናይ ኣየር ሓደጋታት እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ይንገረሉ። ኣብ ሓምለ 2014 ብቑጽሪ በረራ MH17 እትፍለጥ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ማሌዠያ ኣብ ምብራቓዊ ዩክሬን ብምሕምሻሻ 298 ተሳፈርቲ ምሟቶም ይዝከር። እታ ነፋሪት በቲ ካብ መሬት ዝተተኮሰላ ሚሳይል ከም ዝወደቐት'ዩ ዝፍለጥ።

ካብቶም ድሕሪ 2003 ዘጋጠሙ ናይ ኣየር ሓደጋታት'ውን ኣብ መበል ካልኣይ ይስራዕ።

ሰብመዚ ንኣስከሬን ግዳያት ንምፍላጥ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ። ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ከም ዘርእዮ፡ ካብቲ እታ ነፋሪት ዝወደቐትሉ ቦታ ትኪ ከወጽእ የርኢ።

ኣብ ኣልጀርያ፡ እዚ ናይ መጀመርታ ናይ ኣየር ሓደጋ ኣይኮነን።

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ሓንቲ ኣባላት ሰራዊትን ስድራቤታቶምን ኣሳፋሪ እትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ብምሕምሻሻ 77 ሰባት ሞይቶም ነይሮም።

ኣብ ኣልጀርያ ብዘጋጠመ ሐደጋ ወተሃደራዊት ነፋሪት ፡ ሞት አኣስታት 257 ሰባት ከምዘስዓበ ምንጭታት እቲ ከባቢ ገሊጾም።

ብውሑዱ 257 ሰባት ከምዝሞቱ ከግለጽ እንከሎ፡ እቲ ቁጽሪ ግን ክዛይድ ከምዝኽእል ኢዮ ዝሕብር።26 ኣባላት ናይቲ ካብ ሞሮኮ ተነጺሉ ናብ ምዕራብ ሳሃራ ክጽምበር ዝደሊ ብኣልጀርያ ዝድገፍ ግንባር ፖሊሳርዮ፡ ካብቶም ምውታት ከም ዝኾኑ ይንገር።

ተለቪዥን እታ ዓዲ ከምዝሐበረቶ፡ 14 ኣምቡላንሳት ኣብቲ ከባቢ ከምዝተራእያን፡ንዝተጎድኡ ሰባት ናብ ሆስፒታላት የገዓዕዛ ኣለዋ።

እቲ ሐደጋ ነፋሪት፡ ኣብ በውፋሪኪ ዝተባህለ ወተሃደራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ጥቓ ርእስ ከተማ ኣልጀርስ'ዩ ኣጋጢሙ።

ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር መርመራ ክግበር ከምዝኣዘዘን፡ኣብቲ ቦታ ከምዝበጽሕን ካብ ምኒስትሪ ምክልካል ዝወጸ ሐበረታ ገሊጹ።

ቅድሚ ዓርባዕተ ዓመት፡ ወተሃደራትን ስድርኦምን ሒዛ ተጎዓዝ ዝነበረት ከምዝተሐሸሸትን፡ 77 ሰባት ከምዝጠፈፍኡን ይፍለጠ።