ዝኽሪ ዊኒ ማዲኪዜላ ማንዴላ

ንደቡብ ኣፍሪካዊት ተቓላሲት ኣንፃር ኣፓርታይድ ዊኒ ማንዴላ ኣብ ዝተዳለወ ዝኽሪ ብኣሽሓት ዝግመቱ ሰባት ተኣኻኺቦም። ዊኒ ማንዴላ ንቀዳማይ ፀሊም ደቡብ ኣፍሪካዊ ፕረዚደንት ኔልሰን ማንዴላ በዓልቲ ቤቶም ነይረን።

ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪካ ዴቪድ ማቡዛ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪካ ዴቪድ ማቡዛ፡ ዊኒ "ኣንፃር ዓሌታዊ ልዕልና፣ ኣፈላላይ መደብን ፆታዊ ፀቕጥታትን" ክምዝተቓለሰት ተዛሪቦም።
ደቂ ማንዴላ፡ ዛኒን (ካብ ፀጋም ካልአይቲ) ዚንዲዚን (ካብ ፀጋም ሳልሴእቲ) Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ደቂ ማንዴላ፡ ዛኒን ዚንዲዚን ኣብቲ ዝኽሪ ተረኺበን ነይረን። ፖለቲካዊ ተቓዋሚ ማንጎስቱ ቡተለዚ ወለዶም ክሳቐዩ ከለው እናርኣዩ ዘሕለፍዎ ግዜ ቁልዕነት ከምዘይርሳዕ ተዛሪቦም።
ንዝኽሪ ዊኒ ኣብ ስታድየም ኦርላንዶ ዝተኣከቡ ደቡብ ኣፍሪቃውያን Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ እቶም ኣብ ዝኽራ ዝተኣከቡ ናይ ክብሪ ሰላምታ ክህቡ ከለው፡ ዘረባ ዘስምዑ ድማ ማእሰርትን ፅምዋን ንዊኒ ከምበርክኽዋ ከምዘይከኣሉ ኣዘኻኺሮም
ብዙሓት ሰባት ንሰልፊ ኣፍሪካን ናሽናል ኮንግረስ ዝውክሉ ሕብርታት ኣብ ኣካላቶም ተለኽዮም ነይሮም Image copyright REUTERS
ናይ ምስሊ መግለጺ ብዙሓት ሰባት ንሰልፊ ኣፍሪካን ናሽናል ኮንግረስ ዝውክሉ ሕብርታት ኣብ ኣካላቶም ተለኽዮም ነይሮም
ደቡብ ኣፍሪካውያን ተምሃሮ ኣብ ዝኽሪ ዊኒ ማንዴላ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ተምሃሮ'ውን ኣብ ዝኽሪ ዊኒ ማንዴላ ተረኺቦም
ምስሊ ዊኒ ዘለዎም ካናቲራታት ዝተኸደኑ ሰባት Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ገለገሊኦም ምስሊ ዊኒ ምንዴላ ዘለዎ ካናቲራ ('ቲ-ሸርት') ተኸዲኖም ነይሮም፤ ንዊኒ ዝዝክሩን ዝንእዱን ፅሑፋት ድማ ኣብቶም ካናቲራታት ይረኣዩ
ሓዘንተኛታት ኣብ ስታድየም ኦርላንዶ Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ስርዓተ ቀበሪ ዊኒ ማንዴላ 14 ኤፕሪል 2018 ክካየድ'ዩ

መሰል ቅዳሕ ኩሎም ስእልታት ዝተሓለወ'ዩ