ቀዳመይቲ ሚንስትር እንግሊዝ ተሬዛ መይ፡ ካቢነኣ ኣብ ዛዕባ ሶርያ ክውሰን ሓቲተን

ተሬዛ መይ Image copyright Getty Images

እቶም ምኒስተራት ነቲ ብመንግስቲ ኣሜሪካን ተሓባበርታን ወተሃደራዊ ስጉምቲ ኪውሰድ ዝቐረበ ሓሳባት ኪድግፉ ትጽቢታት ኣሎ።

ቴሬዛ መይ ናይ ባይቶ ፈቓድ ከይሓተት ኣንጻር ስርዓት ኣሳድ ናይ ሶርያ ስጉምቲ ክትወስድ ምድላዋት ትገብር ከምዘላ ገለ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እተን ናይ ኪዳን ሃገራት ከምቲ ኣብ ዶማ ዝተፈጸመ ቀመማዊ መጥቃዕቲ ዳግም ከይድገም ኢዩ ድልየተን።

ዋላ'ኳ ስርዓት ፕሬዚደንት ባሻር ኣል-ኣሳድ ነቲ ኣብ ሶርያ ዝተኻየደ ቀመማዊ መጥቃዕቲ ኣይፈጸምኩን ይበል፡ ኩሉ ምልክታት ግና ተሓታቲ ከምዝኾነ ኢዩ ዘርኢ ኢላ ቴሬዛ መይ።

እንተድኣ ካቢኔ ናይ መንግስቲ እንግሊዝ ተሳትፎ ኣብቲ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ኣጽዲቑ፡ ሓይልታት መንግስቲ እንግሊዝ ኣብቲ ኣንጻር ናይ ሶርያ ዒላማታት ክካየድ ዝኾነ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ኣብቲ ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብዚ ቀረባ ክካየድ ኢዩ ዝበሎ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ክካፈሉ ኢዮም ማለት ኢዩ።

ኣፈኛ ዋይት ሃውስ [ቤተ መንግስቲ] ኣሜሪካ፡ ሳራ ሳንደርስ ብሮቡዕ ዝሃበቶ መግለጺ ካብቲ ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣቐዲሙ ሩስያን ተሓባበርታን ንናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ "ኪዳለዋ" ሂብዎም ዝነበረ መጠንቀቕታ ዝተፈልየ ኢዩ ነይሩ።

"ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብ ጠረጴዝኡ ብርክት ዝበሉ ኣማራጺታት ከምዘለዎን፡ ስጋብ ሕጂ ግና ንጹር ዝኾነ ክንወስዶ ዝኾና ስጉምቲ ኣይመደብናን ዘሎና" ኢላ ሳራ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃበቶ መብርሂ።

ቴሬዛ መይ ስጋብ ንኣባላት ባይቶ ስጋብ ትውከስ፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ ዝኾነ ስጉምቲ ከይወስድ ክትሓቶ ነግ-ፈረግ ትብል ከምዘላ ቢቢሲ ካብ እሙናት ምንጭታት ሓበሬታ ረኺቡ።

ኣባላት ባይቶ ድሕሪ ናይ ፋሲጋ ዕረፍቲ ዝመጽእ ሰኑይ ኢዮም ናብ ባይቶ ዝምለሱ።

ዋላ'ኳ ቴሬዛ መይ ስጋብ ሕጂ ብንጹር ንናይ ኣሳድ መንግስቲ እንተዘይወቐሰት፡ እቲ ስርዓት ተሓታቲ ኮይኑ እንተተረኺቡ "ግና" ኣንጻሩ ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ ኢላ።

ካቢኔ ነታ ቀዳመይቲ ምኒስተር ክድግፉ ትጽቢት ዝግበረሎም እኳ እንተኾኑ፡ ቴሬዛ መይ ግና ብዘይ ናይ ባይቶ ደገፍ ስጉምቲ ክትወስድ ድልየት ከምዘለዋ ይግመት ኢሉ ጀምስ ላንዴል ናይ ቢቢሲ ናይ ፖለቲካ ጉዳያት ጋዜጠኛ።

ንባይቶ ከየማኸረት ስጉምቲ እንተወሲዳ ግና፡ ንገለ ኣባላት ባይቶ እንተላይ ንመራሒ ሰልፊ ዕዮ ጀረሚ ኮርባይን፡ እቲ ፈለማ ባይቶ ክትውከስ ኣለዋ ኢሉ ዝኣምን፡ ከሕርቕ ኢዩ ኢሉ ጀምስ ላንዴል።

ጀረሚ ኮርባይን፡ መራሒ ሰልፊ ዕዮ፡ ደብዳብ ነቲ ኣብ ሶርያ ዘሎ ኩነታት ዝያዳ ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ከዕርጎ ኢዩ ክብል ኣጠንቂቑ።

ቴሬዛ መይ ነቲ ኣብ ሶርያ ተፈጺሙ ዝተባህለ ቀመማዊ መጥቃዕቲ "ሰብኣዊ መቕዘፍቲ" ስለዝኾነ "ብዝኾነ መንገዲ ክብዳህ ኣለዎ" ድማ ኢላ።

ቴሬዛ መይ ብዛዕባ'ቲ ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብ ትዊት ንሩስያን ተሓባባሪታ ሶርያን ንናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ "ክዳለው" ዝሃቦም መጠንቅቕታ ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበትን።

ናይ ቢቢሲ ጋዜጠኛ ጀምስ ላንዴል ኣብ ዝሃቦ ትንታነ - እቲ ባይታ ንኲናት ዝተዳለወ ይመስል ኢሉ።

እንተኾነ ምኒስትሪ ምክልኻል ብዛዕባ'ቲ ሳብማሪናት ናብ ቀላይ ሜዲተራንያን ተንቀሳቒሰን ከምዘለዋ ግና ዝኾነ መግለጺ ካብምሃብ ተቖጢቡ። ከምኡ ክትገብር ግና ትጽቢታት ኣሎ።