ቀዳማይ ሚንስትር ዶክትር ኣብዪ ምስ ተቓወምቲ ክራኸቡ እዮም

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር አብይ Image copyright ZACHARIAS ABUBEKER

ቀዳማይ ሚንስትር ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ተቓወምቲ ሰልፍታትን ሲቪክ ማሕበራትን ክዝትዩ እዮም። ብዛዕባ ኣብቲ ዘተ ዝሳተፉ ሰባት ግን ሙሉእ ዝርዝር ኣይተገለፀን።

ምስቶም ቀዳማይ ሚንስትር ተራኺቦም ካብ ዝዝትዩ ኣመራርሓ ተቓወምቲ ሰልፍታት ሓደ፡ ምኽትል ኣቦመንበር ፌደራላዊ ኮንግረስ ኦሮሞ ኣይተ በቀለ ገርባ፡ ኣብ ዝጭበጡ ስጉምትታት ክዘራረቡ ከምዝደልዩ ተዛሪቡ።

ብዘይክኡ ዶክተር መራራ'ውን ከምዝተዓደሙ ብስልኪ ምስምዑ ዝተዛረበ ኣይተ በቀለ፡ ካብ ማሕበራዊ ውራይ ብዝሰገረ ትርጉም ዘለዎ ዘተ ክካየድ ከምዘለዎ ንቢቢሲ ገሊፁ።

"ብሰንኪ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ዝፍፀም ቅትለት ደው ክብል ኣለዎ። ከምዚኦም ዝበሉ ስጉምትታት ክውሰዱ'ምበር ኣብ ኣኼባታትን ምስ ሰባትን ዝጠፍእ ግዜ ዋጋ ከምዘለዎ ኣይንኣምንን" ኢሉ።

ቀዳማይ ሚንስትር ዶክተር ኣብዪ ስራሕ ካብ ዝጅምሩ ንደሓር ዘሎ ምንቅስቓሶም ብዝምልከት ኣብ ዘልዓልናሉ ሕቶ "ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናዘርካ ምርግጋዕ ብዝመስል ኣካይዳ ዘይኮነስ፡ ብጭቡጥ ነቲ ህዝቢ ከህድኡ ዝኽእሉ ስጉምትታት ክወስዱ ኣለዎም" ክብል ተዛሪቡ።

ተቓወምቲ ሰልፍታት ፖለቲካ ብሰንኪ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ከምልቦም ተንቀሳቒሶም ህዝቢ ንኽይእክቡ ከምዝገደቦም'ውን ገሊፁ።

ኣብቲ ንሎሚ ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ፡ ንመድረኽ ወኪሉ ዝሳተፍ ፈፃሚ ስራሕ እቲ ግምባር ኣይተ ጎይትኦም ፀጋይ "ዘተ ከምዘሎ ርግፀኛታት ኣይኮንናን፤ እንተኾይኑ ግን ካብቶም ሕቶታትና ሓደ፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ክልል እዛ ሃገር ብፖለቲካ ዝተኣሰሩ ኩሎም ይፈትሑ ዝብል'ዩ" ኢሉ።

ንኹሉ ብማዕረ ዘሳትፍ ባይታ ፖለቲካ ክፍጠር ከምዝግባእን ዝተኣዉ መብፅዓታት ክትግበሩን ሓቢሩ።

ኣቦመንበር ሰልፊ ሰማያዊ ኣይተ የሺዋስ ኣሰፋ ካኣ እቲ ፃውዒት ከምዝበፅሖም፤ ይኹን ዳኣ'ምብር ዝርዝር መረዳእታ ናይቲ መድረኽ ከምዘይፈልጡ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ብተመሳሳሊ ኣደመንበር ውህደት ማሕበራት ደቀኣንስትዮ ኢትዮጵያ ወይዘሮ ሳባ ገብረመድህን እውን ዕድመ ከምዝቐረበለንን ዛዕብኡ ከምዘይፈልጣን ተዛሪበን።

ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ እቲ ዘተ ሎሚ ምሸት ሓሙስ ካብ ሰዓት 12፡00 (6፡00) ጀሚሩ ክካየድ እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት