ካቢነ ብሪጣኒያ ኣብ "ኣድላይነት ስጉምቲ" ኣብ ልዕሊ ሶርያ ተሰማሚዑ

ኣሜሪካ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2017 ኣብ ልዕሊ መዋፈሪ ነፈርቲ ውግእ ሶርያ ሚሳይላት ተኲሳ ነይራ Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣሜሪካ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2017 ኣብ ልዕሊ መዋፈሪ ነፈርቲ ውግእ ሶርያ ሚሳይላት ተኲሳ ነይራ

እቲ ኣኼባ ሚኒስተራት ነቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ ስነ-ቀመማዊ መጥቃዕቲ፡ ስርዓት ባሻር ኣልዓሳድ ከምዝፈጸሞ "ልዕል ተኽእሎ" ኣሎ ኢሉ። ምጥቃም ቀመማዊ ኣጽቃር "ከይተበደሀ ክሕለፍ የብሉን" ብምባል ድማ ተሰማሚዖም።

ሚኒስተር ትራንስፖርት ጆ ጆንሰን ግን "ሕጂ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ዝተበጽሐ ስምምዕ ግን የለን" ኢሉ።

ኣብቲ መግለጺ ናይ ዳውኒን ስትሪት፡ ዝርዝር ተሳትፎ ብሪጣኒያ ኣብ ልዕሊ ሶርያ ክውሰድ ዝኽእል ወተሃደራዊ ስጉምቲ ኣይተዋህበን።

"ብዛዕባ ክውሰድ ዘለዎ ዓይነት ስጉምቲ ዝተበጽሐ ውሳነ ከምዘየለ ከስምረሉ እደሊ" ኢሉ ኣብ መደብ ኴሽን ታይም (እዋን ሕቶ) ናይ ቢቢሲ ቀሪቡ ቃለ-መሕትት ዝሃበ ሚኒስተር ጆንሰን።

ኣብቲ ኣብ ልዕሊ'ታ ብዕጡቓት ተታሒዛ ዝነበረት ከተማ ዱማ ናይ ዞባ ምብራቓዊ ጎታ ተፈጺሙ ዝተባህለ መርዛም ደብዳብ፡ ቆልዑ ዝርከብዎም ብደርዘናት ዝቑጸሩ ሰባት በቲ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትሉ ምንጭታት ሕክምና ሓቢሮም።

ፕረሲደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕን ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣኒያ ተሬዛ መይን ብሓሙስ ምሸት ብስልኪ ድሕሪ ምዝርራቦም ፕረሲደንት ባሻር ኣልዓሳድ ናይ ሶርያ "ሓደገኛ ጠባያት ምጥቃም ቀመማዊ ኣጽዋር ኣማዕቢሉ ከምዘሎ" ተሰማሚዖም።

"ብዛዕባ'ቲ ክውሰድ ዘለዎ ዓለም-ለኻዊ ግብረ-መልሲ ጠቢቖም ብሓባር ክሰርሑ ከምዘለዎም ድማ ተሰማሚዖም" ኢሉ መግለጺ ዳውኒን ስትሪት።

ፕረሲደንት ትራምፕ ምስ ፕረሲደንት ፈረንሳ ኣማኑኤል ማክሮን ብዛዕባ ክውሰድ ዘለዎ ስጉምቲ ክዘራረብ'ውን ትጽቢት ይግበረሉ። ዋይት ሃውስ (ቤተ-መንግስቲ ኣሜሪካ) ግን "ዝተበጽሐ ናይ መወዳእታ ውሳነ የለን" ኢሉ።

ብሪጣኒያ ናይ ምድጋፍ ተራ ዘይኮነ፡ ምስ ኣሜሪካን ፈረንሳን ሓባራ ሓቀኛ ዝኾነ ውሁድ ስጉምቲ ክውሰድ ትውጥን ከምዘላ'ዩ ዝእመን ኢላ ናይ ቢቢሲ ኣዳላዊት መደብ ፖለቲካ ላውራ ኮንስበርግ። እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ናይ ፓርላማ ፍቓድ ከይሓተተት ስጉምቲ ክትወስድ ተዳልያ ከምዘላ ምንጭታት ይሕብሩ።

ተቓወምቲ ሰልፍታትን ገለ ዓቃባውያን ኣባላት ፓርላማ ግን ፓርላማ ኣቐዲሙ ከድምጽ ኣለዎ ይብሉ።

"ተወሳኺ ደብዳብ፣ ተወሳኺ ምቕታል፣ ተወሳኺ ውግእ ህይወት ኣየድሕንን'ዩ፡ እኳ ደአ ተወሳኺ ሞት የስዕብን ነቲ ውግእ ናብ ካልእ ቦታ የልሕሞን'ምበር" ኢሉ መራሒ ሰልፊ ዕዮ ጀረሚ ኮቢን።

"ኩሉ'ቲ ሓበሬታታት" መንግስቲ ዓሳድ በቲ ተፈጺሙ ዝበሃል መጥቃዕቲ ብሓላፍነት ከምዝሕተት'ዩ ዘመልክት ኢላ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ተሬዛ መይ።

ኣብ'ቲ ናይ ሓሙስ ኣኼባ ሚኒስተራት፡ ተሬዛ መይ እቲ መጥቃዕቲ "ዘሰንብድን ኣረሜናውን" እዩ ድሕሪ ምባል፡ "ንኹልና ዘሻቕል ተወሳኺ መርኣያ ምብሕጓግ ዓለም-ለኻዊ ሕጊ ንእገዳ ቀመማዊ ኣጽዋር ድማ'ዩ" ኢላ።

እቶም ዲፕሎማስያዊ ዝርርባት ግን ናይ ምጽባይ ጸወታ እናመሰሉ ይኸዱ ኣለዉ።

ዋይት ሃውስ ናይ መወዳእታ ውሳነ ገና ኣይተወስደን ዘሎ ይብል።

መርትዖታት ይእከቡ ኣለዉ። ሰበ-ስልጣን ኣሜሪካ ኣብ ዝተገብረ ናይ ደምን ስንትን መርመራ ክሎሪንን ናይ ነርቭ ባእታን ኣብ'ቲ መጥቃዕቲ ኣብ ጥቕሚ ከምዝወዓሉ ዘርእይ ሓበሬታ ከምዝረኸቡ ይፍለጥ።

ሚእቲ ብሚእቲ ርግጸኛታት ከምዘይኮኑ ግን ብብሕቲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ይዛረቡ።

Image copyright PA/Getty
ናይ ምስሊ መግለጺ ተሬዛ መይን ዶናልድ ትራምፕን ትማሊ ሓሙስ ብስልኪ ተዘራሪቦም

ሩስያ ሕነ ክትፈዲ ምዃና ድሕሪ ምፍካራን ምስ ኣሜሪካ ኣብ ግጭት ናይ ምእታው ሓደጋ ከምዘሎን ድሕሪ ምጥንቃቓ፡ ጎኒ ንጎኒ ናይ'ቲ ዝውሰድ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ሰፊሕ ስትራቴጂ ክምዕብል ከምዘለዎ ጸቕጢ ኣሎ።

"እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዓለም-ለኻዊ ግብረ-መልሲ ምስ መሻርኽቲ ሃገራት ኣሜሪካን ፈረንሳን ኮይና ንምትሕብባር ክትሰርሕ ከምዘለዋ ካቢነ ተሰማሚዑ" ኢሉ'ቲ መግለጺ ናይ ዶውኒን ስትሪት።

ክሳብ 2017 ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ናይ ተሬዛ መይ ዝነበረ ሰር ማርክ ሊያል ግራንት "ዝእመን ውጥን" ናይ ሰራዊት ኣሜሪካ እንተሃልዩ፡ እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ምስ ኣሜሪካ ሓቢራ ክትሰርሕ ምመዓድኩዋ ኢሉ።

"ስርዓት ዓሳድ ቀመማዊ ኣጽዋር ብምጥቃሙ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ቀይሕ መስመር ተጣሒሱ ኣሎ። ንሕና ብሪጣናውያን ድማ ነዚ ኣብ ሕጊ ዝተመርኮሰ ዓለም-ለኻዊ ትእዛዝ ናይ ምክልኻል ሓያል ጥቕሚ ኣለና" ኢሉ ንመደብ ኒውስ ናይት ናይ ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መሕትት።

"ኣሜሪካውያን ኣብ ክንዳና ኮይኖም ክገብሩልና ጥራይ ክንጽበ የብልናን፡ ካብ'ቲ ናቶም ዘይንእስ ጥቕምሚ ኣለና" ድማ ኢሉ።

ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ናይታ ንስርዓት ዓሳድ ወተሃደራዊ ሓገዝ እትህብ ሩስያ ንመጥቃዕቲ ኣሜሪካ ግብረ-መልሲ ከምዝህቡ ኣተንቂቖም ኣለዉ።

ንሩስያ ንምጥንቃቕ፡ መጥቃዕቲ ሚሳይል "ናብ ሶርያ የምርሕ ኣሎ" ክብል ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ብሰሉስ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ፕረሲደንት ትራምፕ ብሓሙስ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ተወሳኺ ጽሑፍ ድማ "ኣብ ኣዝዩ ሓጺር እዋን ኣብ ልዕሊ ሶርያ ዝውሰድ መጥቃዕቲ ክህሉ'ዩ ወይ ከአ ፈጺሙ ዘይክህሉ'ውን ይኽእል'ዩ" ኢሉ።

ኣባላት ፓርላማ ብሪጣኒያ ጽባሕ ሰኑይ ካብ ናይ ፋሲካ ዕረፍቶም ክምለሱ'ዮም፡ ድሮ ድማ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ዝውሰድ ስጉምቲ ምድማጽ ናይ ፓርላማ ክህሉ ኣለዎን የብሉን ኣብ መንጎ ዝብሉ ኣባላት ማስሕሓብ ተፈጢሩ'ሎ።

ኣባል ፓርላማ ናይ ዓቃባዊ ሰልፊ ዝኾነን ወተሃደር ነበርን ጆኒ መርሰር ቀዳመይቲ ሚኒስተር መይ ዝኾነ ይኹን ዝውሰድ ስጉምቲ ናይ ምጥባቕ (ምምጓት)ን "ነዛ ሃገር ኣብ ጎና ናይ ምስላፍን" "ሓላፍነት" ኣለዋ ኢሉ።

እንተኾነ ግን ሓይልታት ጸጥታ ኩሉ ዘለዎም ሓበሬታ ኣብ ፓርላማ መጺኦም ክነዝሕዎ ምጽባይ ግን "ምሁራዊ/ፍልጠታዊ ጥፍሽና"ዩ ኢሉ።

መራሒ ሰልፊ ሊበራል ሰር ቪንስ ኬብል ድማ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምድጋፍ ኣይነጸገን፡ እንተኽዕነ ግን ፓርላማ እወታኡ ክህብ ኣለዎ ኢሉ።