ኡጋንዳ ‘ንተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት መዓልታዊ ቀረፅ ክተኽፍል’ ትህቅን

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ማሕበራዊ መራኸቢታት

ኡጋንዳ ኣታዊኣ ክብ ንምባል ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚራ ካብ ተጠቀምቲ ማህበራዊ መራኸብታት መዓልታዊ ቀረፅ ከምእተኽፍል ሚኒስትር ፋይናንስ እታ ሃገር ማትያ ካሰይጃ ንሮይተርስ ተዛሪቦም።

እዚ ውሳነ ከም በዓል ሮዝቤል ካጉሚረ ዝበሉ ተሓለቕቲ መሰል ደቂሰባት ነቂፎምዎ ኣለዉ፤ "ሓሳብካ ናይ ምግላፅ ናፅነት ንምግዳብ ናይ ዝግበር ዘሎ ዓብዪ ፈተነ ሓደ ኣካል እዩ" ብምባል።

ኣብ ስልጣን ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝፀንሐ ፕሬዝደንት ዩዌሪ ሙሰቬኒ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ናብ ሚኒስትር ካሰይጃን ካልኦት ሰብ መዚን ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ ማሕበራዊ መራኸቢታት "ንበለካ ለኽዓካ" ንዝጥቀምሉ ሰባት ቀረፅ ክተኣታቶ ኣለዎ ከምዝበለ ናይ ዩጋንዳ 'ዴይሊ ሞኒተር' ጋዜጣ ፅሒፉ ነይሩ።

"መርበብ ሓበሬታ ንትምህርታዊ፥ መፅናዕታዊ ወይ ሓበሬታ ንምውካስ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ዘውዕሉ ተጠቀምቲ ቀረፅ ክታኣታቶ ትልሚ የብለይን …እዚኣቶም ናፃ ክኾኑ ኣለዎም" ከምዝበለ እውን ተጠቒሱ ነይሩ።

ሮይተርስ ከምዝበሎ ከም ዋትስኣፕ፣ ፌስቡክን ትዊተርን ዝበሉ መራኸቢታት ዝጥቀም ሓድሕድ ተጠቃሚ ሞባይል ቀረፅ ክኸፍል ከምዘለዎ ዝሃቀነ እዩ እቲ ሓዱሽ ትልሚ።

መጠን እቲ ቀረፅ ግልፂ ኣይኮነን፤ ሮይተርስ ከምዝፀብፀቦ ሚኒስትር ካሰይጃ ብመዓልቲ 200 ሽልንግ ዩጋንዳ ወይ ከኣ 0.027 ዶላር'ዩ እንትብሉ፤ ሚኒስትር ዲኤታ ሃገራዊ ትልሚ ዝኾኑ ዴቪድ ባሃቲ ግን 100 ሽልንግ እዩ ምባሎም ዴይሊ ሞኒተር ጠቒሱ።

"ናይዛ ሃገር ድሕንነት ንምሕላውን ካብኡ ድማ መታን ማህበራዊ መራኸቢታት ብዝበለፀ ክትጥቀሙ ቀረብ ኤሌክትሪክ ንምስፋሕ ገንዘብ የድልየና ኣሎ" ብምባል ካሰይጃ ንሮይተርስ ተዛሪቦም።