ሕብረት ኤውሮጳ ንተመዛበልቲ ሞያለ ሓገዝ ገንዘብ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ

ተመዛበልቲ ሞያለ Image copyright BRIAN ONGORO

ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያ ኣብ ሞያለ ብዝፈፀምዎ መቕተልቲ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ ኬንያ ንዘዕቆቡ ኢትዮጵያውያን ሓገዝ ገንዘብ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

እዚ ሓገዝ ሓደ ሚኢቲ ሽሕ ዩሮ ድማ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኬንያ ነቶም ተመዛበልቲ መሰረታዊ ናይ ጥዕና አገልግሎታትን ቀረብ ናውቲ ምድሓን ህይወትን ንምብፃሕ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ንምድጋፍ ከምዝውዕል ናይዚ ዞባ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ ሓገዝ ሕብረት ኤውሮጳ ፒተር በርገስ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

እዚ ሓገዝ ነቲ ዘሎ ጠለብ 'ብኽፋል ክሽፍን እዩ' ብዝብል ዝተውሃበ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፤ "ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ ሞያለ ተረኺቡ ነቲ ኹነታት ዘፅንዕ ጉጅለ ክህልወና እዩ። ናይቲ ጉጅለ ኣባላት ዝተዓዘብዎ መሰረት ጌይርና ድማ ተወሳኺ ሓገዝ ገንዘብ እንተድኣ ዘድሊ ኾይኑ ክንሪኦ ኢና" ኢሎም።

እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ሰለስተ ማእኸላት ኣዕቒቦም ንዘለዉ ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ብቐጥታ ከምዝረብሕ እቲ ሕብረት ወሲኹ ገሊፁ።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያ ኣብ ሞያለ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰባት ብዝኸፈቶ መጥቃዕቲ ልዕሊ ዓሰርተ ሰባት ድሕሪ ምሟቶም ንሂወቶም ዝሰግኡ ነበርቲ እታ ከተማ ናብ ኬንያ ምህዳሞም ዝዝከር እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ መጥቃዕቲ ብጌጋ ዝተፈፀመ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ዝሃደሙ ነበርቲ ናብ ዓዶም ክምለሱ ፃውዒት ዋላኳ እንተቕረበ ሕዚ 'ውን 'ንሂወትና ንሰግእ ኢና' ዝበሉ ነበርቲ ኣብ መዕቆቢ መዓልትታት ይቆፅር ኣለዉ።

ሕዚ እውን እንተኾነ ተወሳኺ ሓገዝ ከምዘድሊ ትካላት ረድኤት ይገልፁ። ተወካሊ ወርልድ ቪዥን ዝተብሃለ ትካል ረድኤት 'እዞም ኣብ መዕቆቢ ዘለዉ ሰባት መግቢ ዘቕርበሎም የለን፤ ማይ የድልዮም፤ ሕክምና የድልዮም፤ ህፃናት፣ ደቂ ኣንስትዮን ኣደታትን ሓለዋ ይደልዩ፤ ሕዚ እውን ጠለብ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣሎ እዩ'' ይብሉ።

እዞም ግዝያዊ መዕቆብታት ኣብ ሓፂር እዋን ስለዝፈርሱ ዑቕባ ክሓቱ ዝደልዩ ሰባት ናብ መዓስከር ስደተኛታት ዝኣትዉሉ ከይዲ ከሳልጡ፤ ብወልንተኦም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝደልዩ እንተሃልዮም ድማ ምድላው ክገብሩ በሰብ መዚ እቲ ኸባቢ ከምዝተሓበረሎም እቶም ተወካሊ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።