ቅንያት ኣፍሪካ ብስእልታት:- 6-12 ሚያዝያ 2018

ካብ ኣፍሪካን ኣብ ካልእ ዓለም ካብ ዝነብሩ ኣፍሪካውያንን ዝተረኸቡ ብሉፃት ስእልታት ናይዚ ቅነ።

ፈረሰኛታት ኣብ ኣምቦ ኢትዮጵያ - ሮቡዕ 11 ሚያዝያ 2018 Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብታ ሓያሎ ተቓውሞ ክተተኣናግድ ዝፀንሐት ክልል ኦሮሚያ ሓዱሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ንምቕባል ሮቡዕ ኣብ ዝተገበረ ሰልፊ ፈረሰኛታት እውን ተሳቲፎም።
ሓዱሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ንምቕባል ሮቡዕ 11 ሚያዝያ 2018 ካብ ኣዲስ ኣበባ 120 ኪሎሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣምቦ ህዝቢ ተኣኪቡ። Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ከተማ ኣምቦ ሓዱሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ መፂኡ ዘረባ ክሳብ ዝገብር ብትዕግስቲ ዝፅበዪ ኢትዮጵያውያን ...
ክለምንቲን መኩግኒ ኑምቢሲ 9 ሚያዝያ 2018 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ውድድር ምልዓል 90 ኪሎግራም ክብደት። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ካሜሮናዊት ክለምንቲን መኩግኒ ኑምቢሲ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝካየድ ውድድር ኮመንወልዝ ሶኑይ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ውድድር ምልዓል 90 ኪሎግራም ክብደት ንደረጃ ነሓስ እንትትወዳደር...
ግሬስ ሌጎተ 12 ሚያዝያ 2018 ኣብ ጎልድ ኮስት ኣብ ዝተኻየደ ህርመታዊ ውድድር ኣካላዊ ምትዕፅፃፍ ንፍፃመ ብውልቀ ተወዳዲራ። Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ሓሙስ ኣብ ዝተኻየደ ህርመታዊ ውድድር ኣካላዊ ምትዕፅፃፍ ደቡብ ኣፍሪካዊት ግሬስ ሌጎተ ክትተዓፃፀፍ ትረኣይ። ቆጵሮስ፣ ካናዳን ማሊዥያን ሜዳሊያ ወሲደን ስዒረንኣ ...
ቦትስዋናዊ ኣይዛክ ማክዋላ(C) 10 ሚያዝያ 2018 ኣብ ጎልድ ኮስት ስቴድየም ካራራ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ደቂ ተባዕትዮ 400 ሜትሮ ቅድድም እንትዕወት በዚ መገዲ ሓጎሱ ገሊፁ። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ቦትስዋናዊ ኣይዛክ ማክዋላ ሰሉስ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ደቂ ተባዕትዮ 400 ሜትሮ ቅድድም እንትዕወት፤ ሕጉስ ነይሩ።
ኣብ ሰሜናዊ ሞሮኮ ኣብ ዝርከብ በረኻ ሰሃራ 10 ሚያዝያ 2018 ተቐዳደምቲ ማራቶን ተሳቲፎም። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ፤ ኣብ ሞሮኮ በረኻ ሰሃራ ኣቛሪፅካ ኣብ ዝግበር ናይ ሹዱሽተ-መዓልቲ ቅድድም ማራቶን ዝተሳተፉ ተቐዳደምቲ ብኸምዚ ይሕምበቡ ነይሮም።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤተክርስትያን ቅድስተ ስላሴ ካቴድራል ዝተረኸቡ ኢትዮጵያውያን ቀዳም 7 ሚያዝያ 2018 ጥዋፍ ሒዞም ይረኣዩ። Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ናይ ኦርቶዶክሳውያን በዓል ፋሲካ ካልኦት ኣብያተ ክርስትያናት ፋሲካ ምስ ኣብዐሉ ድሕሪ ሓደ ሰሙን እዩ ዝውዕል። ኣብዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ቀዳም ብኸምዚ ኣብዒሎምዎ።
ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ጥቓ ከተማ ሞንግብዋሉ ኣብ ዝርከብ ጣብያ ኳዕቲ ወርቂ ዝሰርሕ መንእሰይ 7 ሚያዝያ 2018 ከቢድ ሸኽሚ ፀይሩ ይረኣይ። Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ እትርከብ ሞንግብዋሉ ኣብ ኳዕቲ ወርቂ ዝሰርሕ መንእሰይ ከቢድ ሸኽሚ ፀይሩ ይረኣይ...
ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ግዝኣት ኢቱሪ ኣብ ዝርከብ መዓስከር እትነብር ኣብ ገፃ በሰላ ዘለዋ ህፃን፤ 9 ሚያዝያ 2018። Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ፤ ብዕጡቓት መጥቃዕቲ ዝበፅሓ ጓል ክልተ-ዓመት-ህፃን ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ሰባት ኣብ ዘዕቆቡሉ መዓስከር ትነብር። ናይ ዓይኒ ምስክር ከምዝብሎ ኣዲኣ ተቐቲላ ሓፍታ ድማ ኢዳ ተቆሪፃ እያ።
ኣብ ሪፓብሊክ ማእኸላይ ኣፍሪካ፤ መብዛሕቲኦም ፒኬ5 ተብሂሉ ካብ ዝፍለጥ መንደር ዝመፁ ሰልፈኛታት 11 ሚያዝያ 2018 ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ፅሕፈት ልኡኽ ዓቃቢ ሰላም ውድብ ሕቡራት መንግስታት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ዝገበርሉ እዋን እዛ ጓል ኣንስተይቲ ተቃውሞኣ ክትገልፅ ትረኣይ። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ሪፓብሊክ ማእኸላይ ኣፍሪካ፤ ሰልፈኛታት እቶም ዝተቐተሉ ሰባት ንፁሃት ሲቪላት እዮም ብምባል ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ፅሕፈት ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ሬሳ ናይ 17 ሰባት ኣብ ዝዘርግሕሉ እዋን እዛ ጓል ኣንስተይቲ ተቃውሞኣ ክትገልፅ ትረኣይ።

Pictures from AFP, Getty Images and Reuters

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ

ኣብ ገደና ቢቢሲ