መጥቃዕቲ ኣየር ሶርያ፡ ትራምፕ ሰራዊቱ ካብ ሶርያ ከይስሕብ ኣእሚነዮ ይብል ማክሮን

ኣማኑኤል ማክሮን Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣማኑኤል ማክሮን ኣብ ቴሌቪዥን ኣብ ዝገበሮ ቃለማሕትት ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ተኸላኺሉ

ፕረሲደንት ፈረንሳ ኣማኑኤል ማክሮን ንፕረሲደንት ኣሜሪካ ዶናለድ ትራምፕ ሰራዊቱ ከይስሕብ ከምዘእመኖ ገሊጹ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ኣሜሪካ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ሰራዊታ ካብ ሶርያ ከም ትስሕብ ፕረሲደንት ትራምፕ ገሊጹ ኔሩ።

ዝሓለፈ ቀዳም ኣሜሪካ፤ እንግሊዝን ፈረንሳን (ፈረንሳይን) ከም ግብረመለሲ ናይቲ መንግስቲ ሶርያ ፈጺምዎ ዝበሃል ከሚካላዊ መጠቃዕቲ ኣብ ልዕሊ መንግስታዊ ትካላት እታ ሃገር ሓባራዊ መጥቃዕቲ ኣካይደን።

ፕረሲደንት ማክሮን ብተወሳኺ እቲ ደብዳብ ደረት ክህልዎ ከም ዘእመኖ ገሊጹ።

ኣፈኛ ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ ሳራ ሳንደርስ ብወገና ድሕሪ ርእይቶ ማክሮን፤ ተልእኮ ኣሜሪካ ከምዘይተቐየረን ሰራዊት ኣሜሪካ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናብ ሃገሩ ክምለስ ድሌቱ ፕረሲደንት ትራምፕ ምዃኑ ገሊጻ።

ንሳ ወሲኻ፤ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንዳዕሽ (ኣይኤስኣይኤስ) ምሉእ ብምሉእ ንምድምሳስ ቆሪጻ ከምዝተበገሰት ኣፍሊጣ።

ፕረሲደንት ትራምፕ ብዛዕባቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ኣሜሪካ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ንውሓቱ ዘይፍለጥ እዋን ኣብ ሶርያ ምፅናሕ ኣየድልያን ኢዩ" ኢሉ።

ኣሜሪካ ምስቲ ደሞክራስያዉያን ሓይልታት ሶርያ (ደሓሶ) ተባሂሉ ዝፍለጥ ኪዳን ኩርዳዉያንን ኣዕራብ ሚሊሽያን ዝተሓጋገዝ ኣስታት 2000 ዓቕሚ ሰብ ኣብ ምብራቓዊ ሶርያ ኣለዋ።

ማክሮን እንታይ ኢዩ ኢሉ?

ፕረሲደንት ፈረንሳ (ይ) ኣብቲ ብቐጥታ ኣብ ተሌቪዥን ዝገበሮ ቃለ መሕትት፤ "ቅድሚ ዓሰርተ መዓልታት፤ ፕረሲደንት ትራምፕ 'ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ሰራዊታ ካብ ሶርያ ክትስሕብ ኣለዋ' ኢሉ ኔሩ። ንሕና ግና ኣብኡ ምጽናሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣእሚንናዮ" ኢሉ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረሲደንት ፈረንሳ ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ጥቡቕ ዝምድና ከም ዝመስረተ ይንገር

ምስ ፕረሲደንት ትራምፕ ብቴለፎን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ "ነገራት ኣብ ትዊተር ኣንፈቶም ክስሕቱ ምስ ጀመሩ፤ ነቲ ደብዳብ፤ ከሚካላዊ ኣጽዋር ናብ ዝርከብሉ ቦታታት ጥራይ ክንግድቦ ከምዝግባኣና ኣእሚነዮ" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረሲደንት ትራምፕ ብዛዕባ እቲ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ኣሜሪካ ኣብ ሶርያ ከምዚ ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ነይሩ።

"ሩስያ ይመጹኺ ኣለዉ'ሞ ተዳለዊ። ብጋዝ ጌሩ ህዝቡ ምስ ዝቐትልን ዝሕጎስን ሰብ ክትሻረኹ ኣይግባእን ኢዩ!"

ፕረሲደንት ፈረንሳ ምስ ኣሜሪካዊ መዘንኡ ጥቡቕ ዝምድና ከም ዝመስረተ ይንገር።

ተወሳኺ ዛንታ