እስራኤል ኣሲራቶም ዝፀንሐት ኣፍሪካውያን ስደተኛታት ፈቲሓ

ተቓውሞ ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ እስራኤል Image copyright AFP

መንግስቲ እስራኤል እቲ ብቤት ፍርዲ ናይ መወዳእታ ጸብጻቡ ከቕርብ ዝተውሃቦ ግዜ ብምእካሉ ፡ ብመሰረት ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል 207 ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ካብ ማእሰርቲ ፈቲሑ።

መንግስቲ እስራኤል ክሳብ ሕጂ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ናይ ምስዳዶም መደብ ኣብ ምዝታይ'ዩ ዘሎ።

ሓንቲ ካብተን ንሕቶ እስራኤል ብኣወንታ ዝተቐበላ ኡጋንዳ'ያ። ዝሓለፈ ዓርቢ መንግስቲ ዩጋንዳ 500 ስደተኛታት ክቕበል ከምዝኽእል ኣፍሊጡ ነይሩ'ዩ።

ላዕለዋይ ቤትፍርዲ እስራኤል ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ናታንያሁ ፡ ክሳብ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝነበረ ግዜ ንስደተኛታት ናይ ምስጓግ ንዝክተሎ ስምምዕ ኣነጺሩ ከቕርብ ፡ ስምምዑ ክሳብ ዘየቕረበ እቶም ኣብ ሳሃሮንዩም ተእሲሮም ዘለዉ ክፍትሑ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ብይኑ ምህላፉ ይገልጽ።

ነዚ ስዒቡ ውሃቢ ቃል ጉዳይ ስደተኛታት እስራኤል እቶም እሱራት ከምዝተፈትሑ ቕድሚ ሰዓታት መግለጺ ኣውጺኡ'ሎ።

ንተሓጋጋዚ ተሓላቒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ኣቶ ኣማንኤል የማነ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ ፡ መንግስቲ እስራኤል ምስ ኡጋንዳ ግሁድ ዝኾነ ስምምዕ ናብ ቤት ፍርዲ ከቕርብ ስለዘይከኣለ እቶም ኣብ ሳህሮኒም ዝነብሩ ክልቀቑ ክኢሎም፤ እንተኾነ ንወርሒ ወርቐቶም ከሐድሱ ዝኸዱ ብመንግስቲ እስራኤል ክሕደሰሎም ኣይከኣለን ስለዚ ጉዳይ ገና'ዩ ዘሎ ይብል።

ንሽዱሽተ ዓመታት ኣብ እስራኤል ዝተቐመጠ ኤርትራዊ መርሃዊ ምስጋነ ንኩነታት እቲ ማእሰርትን ምኽንያት መእሰሪኡን "ወረቐተይ ምስ ወደቐን ናብ ሆሎት ክመጽእ ተነግረኒ ብኡ ኣቢለ ናብ ቤት ማእሰርቲ ሳህሮኒም ተወሲደ ንሰለስተ ወርሒ ተኣሲረ" ይብል።

ብምቕጻል ናብ ሩዋንዳ ወይ ኡጋንዳ ብሓይሊ ኣይጥረዝን'የ ስለ ዝበልኩ'የ እዚ ኩሉ ኣደራዕ ወሪዱኒ ፡ ሕጂ'ውን ወላ ደኣ እፈታሕ 'ምበር ገና ናብ 7 ከተማታት ክኣቱ ከም ዘይፍቀዶ ይነግር።

ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ናታንያሁ ንጉዳይ 37000 ስደተኛታት ዝምልከት ምስ ውድብ ስደተኛታት ዓለም ዝኣተዎ ውዕል ምስራዙ ዝዝከር'ዩ።