ፌስቡከ መለለዪ ገጽ ሰብ ብምጥቃሙ ክሲ ገጢሙዎ

ፌስቡክ ብሰንኪ እቲ ገጽ ሰብ ዘለሊ (facial recognition) ቴክኖሎጂ ናብ ሕጊ ክቐርብ ከም ዝግባእ ሓደ ናይ ካሊፎርኒያ ዳይና ኣፋፍኖት ሂቡ።
እቲ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ፡ ፌስቡክ ብዘይ ፍቓድ ተጠቀምቲ ውልቃዊ ሓበሬታ ስለዝኣከበ ምኳኑ ይገልጽ።
እዚ ምስቲ ንስእልታት ናይ ፌስቡክ የዕሩኽትካ ክትፀርሕ (ታግ ንኽትገብር) ዘተንብሃልካ ቴክኖሎጂ ዝተሓሓዝ ክኽውን ከሎ፤ ንሕጊ ናይ ግዝኣት ኢሊኖይዝ (ሓንቲ ግዝኣት አመሪካ) ዝጥሕስ ምዃኑ እቲ ክሲ ይገልጽ።
ፌስቡክ ብወገኑ እዚ ጭብጢ ዘይብሉ ከምዝኾነን ኣትሪሩ ከም ዝቓለሶን ኣፍሊጡ ኣሎ።
ኣሜሪካዊ ዳይና ጀምስ ዶናቶ እቲ ክሲ ንፌስቡክ ብሕጊ ዘሕትት ምዃኑ ወሲኑ።
እዚ ነቶም ድሕሪ 7 ሰነ 2011ዓ.ም ነዚ ቴክኖሎጂ ኣብ ፌስቡክ ክጥቀሙ ዝጀመሩ ነበርቲ ኢሊኖይዝ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝምልከት ምኳኑ ውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ይገልጽ።
እቲ ክሲ ቅቡል ምስ ዝኸውን ኣብዚ ዝተጠቕሰ ጉጅለ ዝርከቡ ሰባት ናይ ካሕሳ መሰል ክሕለዎም እዩ።
መለለዪ ገጽ ሰብ እንታይ ኢዩ ዝገብር?
ፌስቡክ ኣብ 2011 ገጽ ታግ ክትገብር ዝሓትት ቴከኖሎጂ ኣተኣታትዩ'ዩ።
እቲ ቴክኖሎጂ በቲ ኣቐዲሙ ዝኣከቦ ሓበሬታ ተጠቒሙ ኣብቲ ትጽዕኖ ስእልታት በዓል መን ከም ዘለዉ ይሕብረካ።
ፌስቡክ ኣብቲ ናይ ሓገዝ ትውከሰሉ ገጻቱ እቲ ቴክኖሎጂ ካብ ዝተፈላለየ እቲ ሰብ ታግ ዝኾነሉ ስእልታት ሓበሬታ ከም ዝእክብ ይገለጽ።
"ቅድሚ ሕጂ ታግ ኮይነካ ተዘይነበርካ ወይ ካብ ኩሉ ስእልታት ናትካ ንርእስኻ ኣንታግ (untagg) ምስ ትገብር እቲ ምሳና ዘሎ ሓበሬታ ጨሪሱ ይድምሰስ" ይብል እቲ ትካል።
እዚ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ዘይሰርሕ ክኸዉን ከሎ፤ ኣብ ናይ ዉልቕኻ 'ዉን ከም ዘይሰርሕ ክትገብሮ ዝከኣል እዩ።