ዓለም-ለኻዊ መርመርቲ ኣብ ሶርያ መርመራኦምከካይዱ ተፈቒድሎም

ድሕሪ እቲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ Image copyright Reuters

እቲ ዓለም-ለኻዊ ጉጅለ ብቐዳም'ዩ ናብታ ሃገር ኣትዩ፡ ዛጊት ግን ንከተማ ዱማ ክበጽሕ ኣይተፈቕደሉን ጸኒሑ።

እቲ ብ7 ሚያዚያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ንመንግስቲ ሶርያ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ናይ ኣሜሪካ፣ ብሪጣኒያን ፈንሳን ኣስዒቡ'ዩ፣

ሶርያን እታ መሻርኽታ ዝኾነት ሩስያን ዝኾነ ይኹን ቀመማዊ መጥቃዕቲ ከምዘይተኻየደ'የን ዝገልጻ። ሩስያ ድማ እቲ ተፈጺሙ ዝበሃል መጥቃዕቲ "ኣቐዲሙ ዝተዋደደ ነገር'ዩ" ትብሎ።

ሓይልታት ጸረ-ነፈርቲ ሶርያ ነታ ምዕራባዊት ከተማ ሆምስ ዒላማ ንዝገበረ ናይ ተወንጫፊ መጥቃዕቲ ግብረ-መልሲ ከምዝሃቡ ሓደ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሶርያ ብሰሉስ ንግሆ ሓቢሩ። እቶም መጥቃዕቲ ነቲ ኣብ ሻይራት ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ዒላማ ዝገበረ'ዩ ነይሩ ጥራይ ብምባል መን ከምዝተኮሶ ኣይገለጸትን።

ካልእ ምንጪ ሓበሬታ ናይቲ ምስ ኢራን ዝተሓባበር ጉጅለ ዕጡቓት ሕዝቦላ ድማ ሓይልታት ጸረ-ነፈርቲ ሶርያ እቶም ካብ ርእሰ-ከተማ ደማስቆ ንሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ እትርከብ ዱማይር ወተሃደራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ዒላማ ዝገበሩ ተወንጨፍቲ ከምዘፍሸሉ ሓቢሩ።

ሓደ ኣፈኛ ፔንታጎን (ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣሜሪካ) ግን "ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብቲ ቦታ ወትሃደራዊ ምንቅስቓስ ኣሜሪካ የለን" ኢሉ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ሚኒስተር ወፃኢ ጉዳያት ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ኣብ ሶርያ ኢድ ኣእታውነት ሩስያ ከምዘየለ ተዛሪቦም

ኣብ ሶርያ እንታ'ዩ ዘጋጥም ዘሎ?

ሓይልታት ኣሜሪካ፣ ብሪጣኒያን ፈረንሳን ወጋሕታ ቐዳም ዝተወሃሃደ መጥቃዕቲ ብምፍናው ሓያለ ዒላማታት ወቒዖም።

እቲ ስርሒት ግብረ-መልሲ ነቲ እተን ሰለስተ ሃገራት ብመንግስቲ ፕረሲደንት ባሻር ኣልዓሳድ ተፈጺሙን ብደርዘናት ዝቑጸሩ ሰባት ቀቲሉን ዝበልኦ ቀመማዊ መጥቃዕቲ'ዩ።

መርመርቲ ናይቲ ዓለም-ለኻዊ እገዳ ቀመማዊ ኣጽዋር (ኦ ፒ ሲ ዳብሊዩ) ኣብ ከተማ ደማስቆ ኣትዮም ኣለዉ፡ መርመራኦም ክጅምሩ ይጽበዩ ኣለዉ።

ረቡዕ ናብቲ ቦታ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን ድማ መበል 11 መዓልቲ ናይቲ መጥቃዕቲ ክኸውን'ዩ። ነቲ ኣብ መጥቃዕቲ ዝወዓለ ቀመም ንምልላይ ሓመድን ካልእ ኣብ መርመራኦም ዝሕግዞም መርኣያን (ሳምፕል) ክእክቡ ድማ ትጽቢት ይግበረሎም።

ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ኦ ፕ ሲ ዳብሊዩ ግን ሰበ-ስልጣን ሩስያ ድሮ ናብቲ ቦታ በጺሖም ስለዝነበሩ ነቲ መርመራ ንምዕንቃፍ "ኢድ ኣታኣታትዮም ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም" ክብል ስግኣቱ ገሊጹ።

ሚኒስተር ጉዳያን ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ግን ምስ መደብ ሃርድ ቶክ ናይ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረሮ ቃለ-መሕትት "ሩስያ ኢድ ከምዘየእተወት ውሕስነት ክህብ ይኽእል'የ" ኢሉ።

እቲ ኣሜሪካ፣ ብሪጣኒያን ፈረንሳን ኣለና ዝብልኦ ጭብጢ "ኣብ ጸብጻባት ማዕከናት ዜናን ማሕበራዊ ገጻትን ዝተመርኮሰ'ዩ" እቲ ከምኡ ዓይነት ጭብጢ ድማ "ኣቐዲሙ ዝተዋደደ ነገር'ዩ" ድማ ኢሉ።

ላቭሮቭን ካልኦትን እተን ሰልሰተ ሃገራት እቲ ጉጅለ ኦ ፒ ሲ ዳብሊዩ መርመራኡ ቅድሚ ምክያዱ መጥቃዕቲ ምክያደን ድማ ወቒሶመን ኣለዉ።

ኣብ ዱማ እንታይ'ዩ ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ?

እቲ ብ7 ሚያዝያ ተፈጺሙ ዝበሃል ቀመማዊ መጥቃዕቲ ኣብታ ናይ ዕጡቓት ናይ መወዳእታ ዕርዲ ዝነበረት ከተማ ዱማ ናይ ምብራቓዊ ዞባ ጎታ'ዩ ተፈጺሙ ዝበሃል። ሕጂ ንሳ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ሶርያን ሰራዊት ሩስያን ትርከብ።

ክልተ ቀመማዊ ንጥረ-ነገር ዝተመልኡ ቦምባታት ኣብ ናይ ሓያሎ ሰዓታት ፍልልይ'ዮም ኣብ ልዕሊ'ታ ከተማ ተደርብዮም ዝበሃሉ።

ምንጭታትት ሕክምና ሶርያ፡ ኣፎም ዝዓፈሩ፣ ሕብሪ ቆርበቶም ዝተደወነን እቲ ኮርንያ ዝበሃል ክፋል ዓይኖም ዝነደደን ሬሳታት ከምዝተረኽቡ ይሕብሩ።

ምንጭታት ኣሜሪካ ድማ ክሎሪንን ናይ ነርቭ ባእታ ዘለዎም ናይ ደምን ሽንትን መርኣያ (ሳምፕል) ከምዝረኸቡ ይሕብሩ።

እቶም መጥቃዕቲ ነፈርቲ ብኸመይ'ዮም ተፈጺሞም?

ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ብዓርቢ ምሸት ኣብ ዋሺንግተን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ ብሪጣኒያን ፈረንሳን ብምውህሃድ ኣብ ልዕሊ ሶርያ መጥቃዕቲ ክካየድ ትእዛዝ ከምዝሃበ ሓቢሩ።

ዘርብኡ ምስ ወድኤ ድማ፡ ኣብ ደማስቆ ድምጺ ነተጒቲ ከምዝተሰምዐ ብማዕከናት ዜና ተቓሊሑ።

ኣሜሪካ 105 ተወንጨፍቲ ምትኳሶም ክትገልጽ እንከላ፡ ዋላ ሓደ ካብኣቶም ብሓይልታት ምክልኻል ሶርያ ከምዘፈሸለ ትኣምን። መደብ ቀመማዊ ኣጽዋር ሶርያ ድማ ብዓመታት ንድሕሪት ከምዝተጓተተ ገሊጻ።

ሩስያውያን ግን 71 ካብቶም ዝተተኮሱ ተወንጨፍቲ ብጸረ-ተወንጨፍቲ ሶርያ ከምዝፈሸሉ ገሊጾም። መብዛሕትኦም ጸረ-ተወንጨፍቲ ናይ ሶርያ ዝኣረጉ ስረሓት ሕብረት ሶቬት ነበር'ዮም።

ሓደ ካብቶም ዝተሃርሙ ቦታታት እቲ ኣሜሪካ ማእከል መፍረዪ ቀመማውን ባዮሎጊካውን ኣጽዋር'ዩ ነይሩ ዝበለቶ ትካል ባርዘሕ'ዩ። ሶርያ ግን ኣይኮነ ብምባል ትኽሕድ።

እቶም ክልተ ካልኦት ዒላማታት ድማ ኣብ ሂም ሺንሻር ጥቓ ሆምስ ዝርከቡ መፍረዪ ቀመማዊ ኣጽዋር'ዮም ተባሂሎም ዝተጠርተሩ እዮም።

ተወሳኺ ዛንታ