ማይክ ፔምፔዮ፡ ዳይሬክተር ሲኣይኤ ምስ ሰሜን ኮርያ ምሽጢራዊ ርክባት ኣካይዱ

ማይክ ፔምፖየፐ (ጸጋም), ጂም ጆንግ ኣንን ዶናልድ ትራምፕን Image copyright Reuters

ዳይሬክተር ማእኸል ስለያ ኣሜሪካ (ሲ.ኣይ.ኤ) ማይክ ፖምፔዮ ናብ ርእሰ ከተማ ሰሜን ኮርያ ፒዮንጊያንግ ተጉዒዙ ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኣን ብምሽጥር ተራኺቡ ይብል መራኸቢ ሓፋሽ ኣሜሪካ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ኣብ ዝነበረ በዓል ፋሲካ ተገይሩ ዝተብሃለ እዚ ምሽጢራዊ ዑደት፤ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ንክራኸቡ ንምድላዉ ዝዓለመ'ዩ ክብል ሽሙ ዘይተገለጸ ሓላፊ መንግስቲ ኣሜሪካ ገሊጹ።

ቅድም ኢሉ ትራምፕ ምስ ሰሜን ኮርያ ቀጥታዊ ዘተ ንምክያድ ክራኸቡ ከምዝደልዩ ገሊጹ'ዩ።

እንተኾነ ግና እዚ ሃንደበታዊ ርክብ፡ ካብ 2000 ናብዚ ንፈለማ አዋን ዝራኸባሉ ዓብዪ ናይ ኣሜሪካ ጉዕዞ ክኸዉን'ዩ።

"ዓበይቲ ዝበሃሉ ርክባት ነይሮምና'ዮም" ክብል ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ፍሎሪዳ ቀዳማይ ሚኒስትር ጃፓን ሺንዞ ኣቤ ኣብ ዝተቐበለሉ እዋን'ውን ተዛሪቡ'ዩ።

እቲ ፕረዚደንት ወሲኹ፡ ካብ 1950-53 ዝነበረ ኵናት ኮርያ ኣብቂዑ ዉዕሊ ሰላም ክፍጸም ክልቲኤን ኮርያ ጀሚረንኦ ንዘለዋ ከይዲ ዘተ "ምርቓት" ሂቡ።

ደቡብ ኮርያ'ዉን እንተኾነት እቲ ጎንጺ ብቀጥታዊ መገዲ ክፍታሕ ከምእትደሊ ምልክት ኣርእያ'ያ።

ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ሙን ጃይ ኢንን ኪምን ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ክራኸቡ መደብ ኣለዎም።

Image copyright AFP

እንታይ'ዩ እቲ ምሽጥራዊ ርክብ?

ሓዱሽ ዳይሬክተር ሲ.ኣይ.ኤ ሕጹይ ትራምፕ፡ ናብ ሰሜን ኮርያ ተጉዒዙ ምስ ኪም ጆንግ ኣን ምርኻቡ ዝጸብጸበ ዋሽንግተን ፖስት'ዩ።

ክሳብ ሕዚ ብዕሊ ዝፍለጥ እቲ ዳይሬክተር ኣብ ቀረባ ክካየድ ተተሊሙ ንዘሎ ክልትኣዊ ዘተ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ንምትላም ዝዓለመ'ዩ።

ክልቲኤን ሃገራት ካብ 2000 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ እዚ ዝበሃል ዲፕሎማሲያዊ ርክብ'ኳ እንተዘይሃለወን፡ ምስ ሰሜን ኮርያ ንምልዛብ ዘኽእል ዑደት ግና ብዲፕሎማት ኣሜሪካ ክካየድ ጸኒሑ'ዩ።

ካብዚ ግዜ ኣትሒዙ ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ነበር ማደለኔ ኣልብራይት ምስ ፋዘር ኣቡቡ ንኪም፡ ኪም ጆንግ ኢል ካብ ዝራኸቡ ነዘ ምብጻሕ ዳይሬክተር ሲኣይኤ እቲ ዝለዓለ ዑደት ኣሜሪካ'ዩ።

ኣብ 2014፡ ሓላፊ ሃገራዊ ደሕንነት ዝነበረ ጀምስ ክላፐር እሱራት ዜጋታት ኣሜሪካ ክፍትሑ ምሽጥራዊ ዑደት ናብ ሰሜን ኮርያ ኣካይዱ'ኳ እንተነበረ ምስ መራሒ እታ ሃገር ግና ከይተራኸበ'ዩ ተመሊሱ።