ዙምባብዌ ኣብ ኣድማ ዝተሳተፉ ኣሻሓት ነርስታት ሰጒጓ

ነርስታት ዙምባብዌ Image copyright AFP

መንግስቲ ዙምባብዌ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ንኣድማ ዝወፁ 10 ሺሕ ነርስታት ካብ ስራሕ ኣባሪሩ። እዚ ናይ ሰራሕተኛታት ዘይምርግጋእ ንምዉጋድ ዝተገበረ ጻዕሪ ከምዝኾነ ድማ ይግለጽ።

ምኽትል ፕረዚደንት ኮንስታንቲኖ ቺወንጋ፡ እቶም ነርስታት መሃይኦም ብ17 ሚሊዮን ዶላር ብምዕባይ ናብ ስራሕ ክምለሱ ዝቐረበሎም ሕቶ ከምዝነጸጉዎ ገሊጹ።

"ህይወት ንምድሓን" ናብ ስራሕ ክምለሱ ዘይምኽኣሎም ኣትሪሮም ወቒሶም።

እንተኾነ ግና እዚ ዉጽእ ዝበለ ስጉምቲ፡ እቶም ነርስታት ናብ ሰርሖም ንምምላስ ዝተገበረ ሜላ ከምዝኾነ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ብተደጋጋሚ ዝካየዱ ዓመጻት ሰብ ሙያ ሕክምና ጠጠዉ ብምባል ዓዉዲ ጥዕና ምምሕያሽ ንፕረዚደንት ኤመርሰን ምንጋግዋ ከቢድ ፈተና ኮይኑዎ'ዩ።

"ብጠለብ ተሓከምትን ምድሓን ነብስን ኣብቲ ዓመጽ ዝተሳተፉ ነርስታት ካብ ስራሕ ክእገዱ መንግስቲ ወሲኑ" ኢሉ ምኽትል ፕረዚደንት ዙምባብዌ ኮንስታንቲኖ ቺወንጋ።

ስራሕ ዘይረኸቡን ጥሮታ ዝወጹን ነርስታት ድማ ነቶም ዝተሰጎጉ ንምትካእ ክቑጸሩ'ዮም ክብል ገሊጹ።

ማሕበር ነርስታት እታ ሃገር ብወገኑ፡ እቲ ስጉምቲ ነቲ ዓመጽ ጠጠዉ ከብሎ ኣይኽኣለን ኢሉ።

'ኣደ ኣብ ዝሑል መሬት ሓሪሳ'

ተሞክሮ ሓንቲ ነርስ፡

"ናብዚ ሙያ እንትኣቱ ዝሰርሖ እናፈተኹዎ'ዩ ነይሩ። ኩነታት ክመሓየሹ'ዮም ኢለ ድማ መዋልዳን ክኸዉን ዓቕመይ ኣዕብየ።

በብመዓልቱ ምስ ሕርሲ ኢና ግዜና ነሕልፎ። ኣደ ኣብ መሬት ክተዋልድ ዓርስኻ ትረኽቦ። ነፍሰ ጹር ኣደ ወሊዳ፡ ዉላዳ ሒዛ ኣብ ቖራር መሬት ክትድቅስ ትርኢ። እቲ ህጻን ድማ ብምኽንያት ጸገም ስርዓት ምትንፋስ ኣብ ዉሽጢ ክልተ መዓልቲ ይመዉት።"

ንሕና ኢና እዚ ኹሉ ጸገማት እናርኣና ንዉዕል፡ ኣዝዩ እዩ ዘስግእን ዝጎድኣካን።

ኹላትና ከኣ ካብ ስራሕ ይሰጉና ስለዘለዉ እንጠርዐሉ ኣካል የለን። ንሕና እቲ ስግኣት ክስማዕ ኣብ እንገብረሉ እዋን ኩሉ ነገር ፖለቲካዊ ትርጉም'ዮም ዝህቡዎ ዘለዉ።

ኣብ ማእኸላዊ ሆስፒታል ሃራሬ ዘሎ ኩነታት ክርኢ ዝመጹ ሰባት እንተሃልዮም፡ ብጣዕሚ'ዩ ዘሕዝን። ደረጅኡ ዘይሓለወ ኣገልግሎት ክዉሃብ ኢኻ ትዕዘብ።

ንቢቢሲ ፎከስ ኣፍሪካ ተሞክሮኣ ዘካፈለት ነርስ ዝበለቶ'ዩ።