'ንካፒታሊዝም ቦታ የብልናን'፡ ዲያዝ-ካነል

ሚገል ዲያዝ-ካነል ሓዱሽ ፕረዚደንት ኵባ Image copyright AFP

ሚገል ዲያዝ-ካነል ሓዱሽ ፕረዚደንት ኵባ ኮይኑ ኣብ 2006 ካብ ሓዉ ፊደል ስልጣን ንዝተረከበ ራዉል ካስትሮ ተኪኡ ቃለ መሓላ ፈጺሙ።

ካብ 1959 ኣትሒዙ ብካስትሮ ተታዚሑ ዝነበረ መንግስትነት ኵባ እንትልወጥ ንፈለማ እዋን'ዩ።

ሚገል ዲያዝ-ካነል ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ምኽትል ፕረዚደንት ኮይኑ ኣገልጊሉ'ዩ። ድሕሪ እቲ ንናጽነት ዝተኻየደ ቓልሲ'ኳ እንተተወለደ፡ ናይ ቐረባ መሓዛ ራዉል ካስትሮ ብምባሩ መሰረታዊ ለዉጢ ከምጽእ'ዩ ተባሂሉ ግና ኣይግመትን።

ኣብ እዋን በዓለ ስሜቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ካፒታሊዝም ክምለስ ንዝጽዕሩ ኣካላት ቦታ የብልናን" ኢሉ።

ካስትሮ፡ ከም መራሒ ፓርቲ ኮምዩኒስት ኵባ ኣብ መሪሕነታዊ ዉሳነታት እቲ ፕረዚደንት ኢዱ ክሓዉስ ይኽእል'ዩ ተባሂሉ ይግመት።

ሓዱሽ ፕረዚደንት ኲባ ሚገል ዲያዝ-ካነል "ወያነ ኲባ ቐጻልነቱ ምርግጋጽ ናተይ ወሳኒ ልኡኽ'ዩ" ክብል ተዛሪቡ'ዩ። ጉዳይ ወጻኢ እታ ሃገር "ኣይልወጥን" እንተኾነ፡ "ኣድላዪ ለዉጢታት" ብህዝቢ'ዮም ዝዉሰኑ'ዉን ኢሉ።

Image copyright AFP

ወሰንቲ ለዉጢታት እዋን ራዉል ካስትሮ

2008፡ ሚሊዮን ሄክታር መሬት ንዉልቀ ሓረስቶት ክዉሃብ'ዩ ዝብል ሓዱሽ ስትራቴጂ ሕርሻ ዕላዊ ኮይኑ።

2010፡ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት እታ ሃገር ኣናኣሽቱ ናይ ዉልቀ ትካላት ንግዲ ከንቀሳቕሱ፡ መንግስቲ ዝመርሖም ድማ ክንክዩ ተገይሩ

2011፡ ዜጋታት ኲባ ገዛ ክዕድጉን ክሸጡን ምፍቃድ

2013፡ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ተበጻሒ ክኸዉን፡ ፈላሞት ናይ ናጻ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ቦታታት ምኽፋት

2014፡ ኣሜሪካን ኲባን ዝነበረን ዲፕሎማሲያዊ ጸገም ፈቲሐን

እቲ ሓዱሽ ፕረዚደንት፡ ምስ መሓዛ ቑጠባ እታ ሃገር ዝኾነት ቬንዙዌላ ዘጋጠመ ምንጋዕ ቑጠባ ክፈትሕን፡ ሃገራት ደሴታት ካሪቢያን ምስ ኣብ ትሕቲ ፕረዚደንታዊ መሪሕነት ዶናልድ ትራምፕ ዘላ ኣሜሪካ ክህልወን ዝግባእ ርክብ ክመምን ትጽቢት ይግበር።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ