ፈረንሳ ኣዘራራቢ ረቂቕ ሕጊ ስደተኛታት ከምዘፅደቐት ተገሊፁ

ኢማኑኤል ማክሮን Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ እቲ ሓድሽ ሕጊ ብ228 ድምፂ ድጋፍ፣ 139 ተቓውሞን 24 ድምፀ ተኣቅቦን ፀዲቑ

ሃገራዊ ባይቶ ፈረናሳይ (ፈረንሳ) ንጉዳይ ሓተትቲ ዕቑባ ዘጥብቕ ሓድሽ ረቂቕ ሕጊ ስደተኛታት ኣፅዲቑ።

እቲ ሕጊ ገደብ ግዜ ሓተትቲ ዕቑባ ዘሕፅርን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ተቐይዶም ዝፀንሑሉ ግዜ ዘንውሕን እንትኸውን፤ ብዘይሕጋዊ ስደት ናብታ ሃገር ንዝኣትዉ ድማ ሓደ ዓመት ክእሰሩ ይድንግግ።

ብፕረዚደንት ኣማኑኤል ዝምራሕ ሰልፊ ከምዘፍለጦ፡ እቲ ሕጊ ንከይዲ ሓተትቲ ዕቑባ ዘቀላጥፍ'ዩ።

ይኹን ዳኣ'ምበር ተቓወምትን ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላትን ነቲ ብ228 ድምፂ ድጋፍ፣ 139 ተቓውሞን 24 ድምፀ ተኣቅቦን ዝፀደቐ ሕጊ ቅቡል ኣይገበሩን።

ሂውማን ራይትስ ዎች፡ ምሕፃር ግዜ ሓተትቲ ዕቑባ "እቶም ብዝኸፍአ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ስደተኛታት ነቲ ግዜ ገደብ ከየርክቡሉ ዝገበር" እዩ ብምባል ኣሉታዊ ፅልዋ ከምዝህልዎ ስግኣቱ ገሊፁ።

ዳይሬክተር ኣብ ፈረንሳይ ናይ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት እቲ ትካል ቤንዲክት ጂንሮድ "እቲ ሕጊ ሓለዋ ናይ ምርካብ ዕድል ዘፅብብ ስጉምትታት" ከምዘካተተ ተዛሪቦም።

እቲ ረቂቕ ሕጊ ኣብ ወርሒ ሰነ ናብ ሰኔት (ባይቶ ሚንስትራት) እታ ሃጋር ቀሪቡ ክዝተየሉ እዩ።