ደቡብ ኣፍሪቃውያን ደቀኣንስትዮ ውዕሊ ኒኩሌር ክቋረፅ ብምግባረን ንሽልማት 'ጎልድማን' በቒዐን

ሊክ ማክደይድን ማኮማ ሌካላካላንን Image copyright Gerald Petersen/ Goldman Environmental Prize
ናይ ምስሊ መግለጺ ሊክ ማክደይድን ማኮማ ሌካላካላንን ከምዝብልኦ "መንግስቲ ንዜጋታቱ ልክዕ ከም በጊዕ ይቖፅሮ"

ክልተ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ብቢልዯን ዶላራት ዝግመት ምስጢራዊ ውዕሊ ኒኩለር ክቋረፅ ብምግባረን ዝዓበየ ሽልማት ከባቢ ኣየር ('ኢንቫይሮንመንት ፕራይዝ') ተሸሊመን።

ሊክ ማክደይድን ማኮማ ሌካላካላንን፡ ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ትካላት ኒኩሌራዊ ሓይሊ ንምህናፅ ምስ ሩስያ ዝተገበረ ሕቡእ ስምምዕ፡ ክሳብ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪበን ንሓሙሽተ ዓመታት ሞጊተን።

መራሒ ደቡብ ኣፍሪቃ ጃኮብ ዙማ፡ ብ2014 ምስ መራሒ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ነቲ 76 ቢልዮን ዝግመት ስምምዕ ኣካይዶም ነይሮም።

ቤት ፍርዲ ግን ሕጋውነት ዘይብሉን ንሕገ-ምግስቲ ዘይተኸተለን ትልሚ ክብል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወሲኑ'ዩ።

ምስ ፓርላማ እታ ሃገር ግቡእ ዘተን ምርድዳእን ከይተገበረ ዝተትሓዘ መደብ እተን ደቂ ኣንስትዮ ንዘቕረብኦ መቃወሚ ሓሳብ'ውን ቅቡል ገይሩ።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ፑምዛ ፊህላኒ፡ እቲ ስምምዕ ኒኩሌር ሰፊሕ ነቐፌታ ከምዝገጠሞን ተቓውሞ ተፀዊዑ ከምዝነበረን ገሊፃ።

ንሚንስትር ፋይናንስ ህላንህላ ኔነ ሓዊሱ ካልኦት ሰበስልጣናት እታ ሃገር፡ ነዚ ዘፈፅም ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ከምዘየለ ብምግላፅ ተቓዊሞም ምንባሮም ይዝከር።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ስልጣኖም ዝተመለሱ ኔነ፡ በቲ እዋን ነቲ ስምምዕ ቅቡል ብዘይምግባሮም ብጃኮብ ዙማ ካብ ስልጣኖም ተኣልዮም እዮም።

ሊክ ማክደይድ "መንግስቲ ንዜጋታቱ ዝደለዮ ነገር ከምዝፍፅሙሉ ኣባጊዕ'ዩ ዝቖፅሮም" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ዓመታዊ ሽልማት 'ጎልድማን ኢንቫይሮንመንት ፕራይዝ'፡ ኣብ ሓለዋ ከባቢ ብትብዓት ንዝቃለሱ ዝወሃብ ሽልማት'ዩ

ኣብ ናይዚ ዓመት ሽልማት ድማ ካብ ኮሎምቢያ፣ ፈረንሳይ፣ ፊሊፕንስ፣ ቬትናምን ኣሜሪካን'ውን ዝተዓወቱ ኣለው።