ቶሮንቶ፡ ዓሰርተ እግረኛታት ብመኪና ተቐቲሎም፡ 15 ቆሲሎም

ፖሊስ ንተጠርጣሪ እናመርመረ'ዩ Image copyright Getty Images

ሓደ ሰብኣይ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ናይ ካናዳ ሓንቲ ናይ ጽዕነት መኪና እናዘወረ ኣብ ጽርግያ ንዝነበሩ እኩባት ሰባት ጠኒኑ ብምእታው 10 ሰባት ቀቲሉ ካልኦት 15 ድማ ኣቑሲሉ።

እቲ ጥርጡር ወዲ 25 ዓመት ዝኾነ ኣሌክ ሚናሲያን ዝተባህለ ምዃኑ ፖሊስ ሓቢሮም። ድሕሪ ናይ ነዊሕ እዋን ምስ ፖሊስ ምፍጣጥ፡ ሓደ ሰብኣይ ሓያሎ ጎደናታት ካብቲ ሓደጋ ዝተፈጸመሉ ጎደና ርሒቑ ተታሒዙ።

ብሓለፍቲ መንገዲ ዝተቐድሑ ናይ ቪድዮ ምስልታት፡ እቲ መራሕ መኪና ሒዝዎ ንዝነበረ ግዛዕ ናብ ኣባላት ፖሊስ ከወጣውጥ የርእዩ፡ ንሳቶም ድማ ኣብ ባይታ ክድርብዮ ክሕብርዎ ይስምዑ። ጸኒሑ ግን እቲ ሰብኣይ ብዘይ ገለ ቶኽሲ ተታሒዙ።

ኣዛዚ ፖሊስ ቶሮንቶ ማርክ ሳውንደርስ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ፍጻመ ኮነ ኢልካ ዝተገብረ ይመስል፡ መበገሲኡ ግን ዛጊት ኣይተፈልጠን ኢሉ። ነቲ ነባሪ ናይ ሪችሞንድ ሂል ናይ ቶሮንቶ ዝኾነ ኣሌክ ሚናሲያን ቅድሚ ሕጂ ከምዘይፈልጥዎ ድማ ሓቢሩ።

ሚኒስተር ድሕነት ህዝቢ ራልፍ ጉደይል ድማ ነቲ ፍጻመ `ዘሰንብድ መጥቃዕቲ` ክብል ገሊጽዎ።

ኣብ ጎደና ዮንጅ ናይ ቪድዮ ድኳን ዝውንን ሬዛ ሃሸሚ ኣብ ስግር ናይቲ ጎደና ኣውያት ከምዝሰምዐ ንቢቢሲ ሓቢሩ። እታ ጻዕዳ ናይ ክራይ መኪና ድማ ደጋጊማ ናብ መንገዲ እግረኛታት (ማርቻፔዲ) ብምድያብ ሰባት ሃሪማ ኢሉ።

እቲ ራይደር ሲስተም ዝተባህለ መኪና ዘካሪ ትካል፡ ሓንቲ ካብ መካይኑ ኣብቲ ፍጻመ ከምዝተሳተፈት ድሕሪ ምእማን፡ ኣብ ዝግበር መርመራ ምስ ሰበ-ስልጣን ክተሓባበር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ፍጻመ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ/ኤርትራ ሰዓት 8፡30 ናይ ምሸት`ዩ ኣብ ጎደና ዮንጅ ናይ ከተማ ቶሮንቶ ኣጋጢሙ። እቲ ገበን ዝተፈጸመሉ ቦታ ክሳብ ክልተ ኪሎሜተር ናይ`ቲ ጎደና`ዩ ተዘርጊሑ።

ሚኒስተራት ጉዳይ ወጻኢ ካናዳ፣ ኣሜሪካ፣ ብሪጣኒያ፣ ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ጣንያንን ጃፓንን ድማ 30 ኪሎሜተር ካብቲ ሓደጋ ዝተፈጸመሉ ቦታ ርሒቖም ኣኼባ ናይ ጉጅለ ሸውዓተ የካይዱ ነይሮም።

ኣፈኛ ፖሊስ ቶሮንቶ ጀኒፈርጂት ሲዱ እታ መኪና ብፖሊስ`ያ ደው ከምትብል ተገይራ ክትብል ንሲ ቢ ኤስ ኒውስ ሓቢራ።

ነበርቲ ኣብ ራዕዲ

ትንታነ ብልኡኽ ቢቢሲ ኣብ ቶሮንቶ ጀሲካ መርፊ

ፖሊስ፡ እቲ መርመራ ዝተሓላለኸ ክኸውን`ዩ ኢሎም።

ሰባት ኣብ ብዙሕ ቦታታት`ዮም ተሃሪሞም። ኣብ ሓንቲ መስቀለኛ መንገዲ ፍርስራስን ሓንቲ ጫማን ሞት ናይ ሓደ ሰብ ይሕብር።

ሒደት ሰዓታት ድሕሪ`ቲ ፍጻመ፡ እቲ ቦታ ጸጥ ኢሉ ይርከብ፡ ፖሊስ ድማ ነቲ ብሰኑይ ኣብ ሓደ ሰፊሕ ጎደና ኣብ እዋን ናይ ምሳሕ ሰዓት ዝተፈጸመ ነገር ብደቂቕ ክምርምሩዎ ጀሚሮም ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጃስቲን ትሩዶ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ `ኩሉ ኣድህቦና ብዛዕባ`ቶም ግዳያት ናይቲ ኣብ ጎደናታት ዮንጅን ፊንችን ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ፍጻመ`ዩ ዘሎ` ኢሉ።

Image copyright CTV

`ንኹሎም ኣብቲ ቦታ ቀዲሞም ተረኺቦም ሓገዞም ዘበርከቱ ድማ ኤመስግኖም፡ ነቲ ኩነታት ድማ ብቐረባ ንክታተሎ ኣለና` ኢሉ።

እቲ መራሒ መኪና `ኣብ ቅድሚኡ ንዝጸንሖ ይሃርም ነይሩ` ኢሉ ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ንሲቲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ።

`ሰባት፣ ፋየር ሃይድራንትስ (መጥፋእቲ ሓዊ ዝጥቀምሉ መፈልፈሊማይ)፣ ሳጹናት መልእኽቲ ጠሓሒስዎም`ዩ ከይዱ` ኢሉ እቲ ደድሕሪ`ታ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመላ መኪና እዝውር ነይረ ዝበለ ስሙ ዘይተረቑሐ ሰብኣይ።

እታ ናይ መጥቃዕቲ መኪና ጉዕዞኣ እናቐጸለት እንከላ፡ ጥሩምባ መኪናይ ተጠቒመ ንእግረኛታት ኤጠንቅቕ ነይረ ድማ ኢሉ።

`ብውሑዱ ሽዱሽተ ወይ ሸውዓተ ዝኾኑ ሰባት ክህረሙ ወይ ክቕተሉ እንከለዉ ርእየ` ኢሉ።

ከንቲባ ከተማ ቶሮንቶ ጆን ቶሪ `መን ምዃንናን ንኣናባብራን ዘይውክል` `ኣዝዩ ዘሕዝን ፍጻመ`ዩ` ክብል ገሊጽዎ። `ኩሉ ፖሊስ ኣብ መርመራኦም ዝደልይዎ ሓገዝና ድማ ከነወፊ ኢና` ድማ ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት፡ ኣሜሪካን ኤውሮጳን እናገደደ ዝመጸ ናይ መኪና መጥቃዕቲ ኣጋጢሙወን`ዩ። ዓሚ ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ናይ ኣሜሪካ ሓደ ሰብኣይ ሸሞንተ ሰባት ብመኪና ገጭዩ ከምዝቐተለ ይዝከር።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት