ግድባት ኬንያ ብሰንኪ ከቢድ ዝናብ ሓደጋ ውሕጅ ኣስዒቦም

ኣብ ከባብታት ናግረማራን መሩን ዘጋጠመ ሓያል ውሑጅ Image copyright @KenyaRedCross
ናይ ምስሊ መግለጺ ብርክት ዝበሉ መንበሪ ኣባይቲ ብውሑጅ ብምዕልቕላቖም ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኬንያውያን ገዛ ኣልቦ ኮይኖም።

ክልተ ግድባት ኬንያ፡ ብዘጋጠመ ሓያል ዝናብ፡ ብምምልኦምን ውሑጅ ብምፍጣሮምን፡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኬንያውያን ንክመዛበሉ፡ ምኽንያት ከምዝኾኑ፡ ትካል ቀይሕ መስቀል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ሓላፊ ቀይሕ መስቀል ኬንያ ኣባስ ጉለት፡ ብምኽንያት ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ውሑጅ፡ ኣብ ምብራቕን ማእኸላይን ክልላት ኬንያ ዝነብሩ ሰባት፡ ናብ በሪኽ ከባቢ ንክወፅኡ ኣተሓሳሲቦም።

በዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ውሑጅ 200 ሽሕ ኬንያውያን ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉን፡ መብዛሕትኦም ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ክፍቲ ቦታታትን ከምዘፅለሉ ድማ ተዛሪቦም።

ድማ ብሰንኪ እቲ ውሕጅ ህይወቶም ዝሰኣኑ ከምዘለዉ ድማ መራኸብቲ ሓፋሽ ኬንያ ፀብፂቦም።

ብርክት ዝበሉ ፅርግያታት ኬንያ በቲ ውሑጅ ኣብ ክልተ ዝተገምዑ እንትኾኑ፡ ምግህማስ መሬት እውን ኣጋጢሙ።

እዞም ማሲንጋን ካምቡሩን ዝተብሃሉ ክልተ ግድባት፡ ካብ 'ማውንት ኬንያ' ብዝመፅአ ውሑጅ እዮም ተዕለቕሊቖም።

ብርክት ዝበሉ ሰባት ነዚ ኣብ ኬንያ ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ውሑጅ ዝገልፁ ስእልታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ይለዋወጡ ኣለዉ።

ካብ ሞንጎ እዞም ስእልታት፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኬንያ 'ታና ሪቨር' 50 ሽሕ ኬንያውያን ንክመዛበሉ ምኽንያት ኣብ ዝኾነ ውሑጅ፡ ሰራሕተኛ ቀይሕ መስቀል፡ ንሓደ ሽማግለ ኣቦ፡ ካብቲ ውሑጅ ሓንጊሩ እንተውፅኦም ዘርኢ ምስሊ፡ እቲ ኩነታት ክንደየናይ ከቢድ ምዃኑ ካብ ሞንጎ ዘርእዩ ስእልታት ሓደ እዩ።

እዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኬንያ ዝወቅዕ ዘሎ ዝናብ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኡሁሩ ኬንያታ፡ ዝነበሮም ጉዕዞ ንክስርዙ ኣገዲድዎም።

ብቴሌቬዥን እታ ሃገር ብዘመናዊ ሰብ ኣልቦ ካሜራ (ድሮን) ዝተስኣለ ምስሊ ከምዝሕብሮ፡ ዓበይቲ ፅርግያታት በቲ ውሑጅ ዓንዮም እዮም።

እዚ ስእሊ፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኬንያ ዝተገምዐ መንገዲ እንትኸውን፡ ሓደ መዓልቲ ንኣፍሪቃ ኣብ ክልተ ክከፍላ ከምዝኽእል እዩ ዝግለፅ።

እዚ ስእሊ፡ ፖሊስ ብውሑጅ ኣብ ዝተዕለቕለቐ መንገዲ ኮይኑ፡ ቁፅፅር ትራፊክ እንትገብር ዘርእይ እዩ።

እዚ ድማ ኣብ ሰሜን ምብራቕ እታ ሃገር ኣብ ከተማ ጋሪሳ ዘጋጠመ ውሑጅ እንትኸውን፡ ሩባ 'ታና' መጠኑ ወሲኹ ብሓይሊ እንትውሕጅ የርእይ።

ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኬንያውያን ድማ ተመዛቢሎም።

ብርክት ዝበሉ ኬንያውያን ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያታት፡ ስእልታት ውሑጅ ብምልውዋጥ ከመይ ጥንቃቐ ክገብሩ ከምዝግበኦምን መንግስቲ ህፁፅ መፍትሒ ንከናድን ይዝትዩ ኣለዉ።

እዚ ዘጋጠመ ውሑጅ፡ ሞተረኛታት ሕጊ ትራፊክ ንከኽብሩ ዘገደደ ኣጋጣሚ እዩ ብምባል ናእድኦም ዝገለፁ ሓደ ሓደ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያታት እውን ኣይተስኣኑን።