"ሓደ ዓመት ወሲኸ እየ ንናጽነት ድምጸይ ሂበ"

ኣደታት ኤርትራ ብዝተኻየደ ህዝበ ውሳነ ሓጎሰን እንትትገልፃ Image copyright ALEXANDER JOE

ቅድሚ 25 ዓመታት፡ ካብ 23-25 ሚያዝያ ኣብ ዝነበረ ግዜ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናይ ኣስታት 50 ዓመታት ፖለቲካውን ብረታዊ ተጋድሎኡ፡ ኣብ ጸሊም ኣፍሪቃ ዝዓበየን ዝሓየለን ሰራዊት ደርግ ስዒሩ ናጽነቱ ኣረጋጊጹ።

ነቲ ብብረት ዘረጋገጾ ናጽነት ሕጋዊ ክዳን ንምልባስ ከኣ ሕቡራት ሃገራት ዝምእክሎን ዳርጋ ኩሎም ዞባውያን ውድባት ብተዓዛብነት ዝሳተፉዎን ረፈረንዱም ኣካይዱ 99.8% እወ ንናጽነት ብምድማጽ ብወግዒ ኣባል ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ።

እዚ ታሪኻዊ ክውንነት እዚ 25 ዓመቱ ኮይኑዎስ ህዝቢ ብደሙን መስዋእቱን ንዘረጋገጻ ናጽነት ይዝክራ ኣሎ።

ይኹን እምበር ድሕሪ ናጽነት፡ እቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ዝተዋህበ፡ " ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት፡ ብቕዋምን ቅዋማዊ ስርዓትን ዝግዛእን ዝምእዘዝን፡ ብዴሞክራሲያዊ ህዝባዊ ምርጫ እተሓርየ ሕብረ ሰልፋዊ ስርዓት ክትምስርት እያ" ዝተባህለ መብጽዓ ተጠሊሙ።

እቲ ንሰለስተ ዓመታት ዝወሰደ፡ ብርትዓዊ ህዝባዊ ተሳትፎን ዘተን ዝተጻሕፈ፡ ብሃገራዊ ባይቶ ዝጸደቐ ህዝባዊ ቅዋም ተጎስዩ፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ተዓንቂፉ።

ናጽነት ሕትመትን ዘረባን፡ ኣኼባን ምንቅስቓስን፡ እምነትን ኣምልኾን ምስተጋህሰ፡ ናጽነት ደኣ እንታይ እዩ ትርጉማ ኢሉ ዘማርር ኣይተሳእነን።

ግን ዋላ እውን ብምሕደራ መንግስቲ ኤርትራ ብዙሕ ዘማርር ዝተወጸዐ ወገን ብዙሕ ህዝቢ እንተሎ፡ መንግስታት ሓለፍትን ተተካእትን እዮም ሃገርን ህዝብን ግን ዘልኣለማውያን እዮም ብምባል፡ " ናጽነትን ልዑላውነት ሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክኣቱ ኣይግባእን"ይብል ኣቶ ኤልያስ ሃብተስላሰ ምሁር ሕግን ምርግጋእ ጎንጽን።

"ትሕቲ ዕድመ ነይረ"

ንናጽነት ካብ ዝነበራ ልዑል ባህጊ ኣብ ዕድመኣ ሓደ ዓመት ወሲኻ ኣብ ሱዳን ድምጻ ዝሃበት ኣብ ስዊዘርላንድ እተነብር ወ/ሮ ርግዓት ሓድሽ፡

"ብመግዛእቲ ተገፊዕና ንሱዳን ምስተሰደድና እውን እንተኾነ ብቐጻሊ ከማና ብግፍዒ ዝስደዱ ሰባት ኣብ ገዛና ይኣትዉ ስለዝነበሩ ምረት መግዛእቲ ምሳና እዩ ነይሩ፤ እቲ ህይወት ብቐጻሊ ኢና ንነብሮ ነይርና፤ ስለዚ እየ ከኣ ሓንቲ ዓመት ወሲኸ ኣድሚጸ። ነቲ ዝሃብኩዎ ድምጺ ከኣ ኣዝየ እየ ዝኾርዓሉ" ትብል፡ ንሳን ስድራኣን ነቲ ህዝበ ውሳነ ብሙሉእ ልቦም ከምዝደገፉዎ ብምዝክር።

ካልእ ሽሞም ክግለፅ ዘይደለዩ ኣቦ ድማ፡ "ናጽነት መላእ ህዝቢ ዝተቓለሰሉ ብምዃኑ፡ ንናጽነት ድምጸይ ብምሃበይን ኣካል እቲ ታሪኽ ብምዃነይ ኩርዓት ይስመዓኒ" ብምባል

ሕጂ ኣብታ ሃገር ብዘሎ ሃዋህው "ፍረ ናጽነት ኣይረኣናን - ናጽነት ደኣ እንታይ እዩ ትርጉማ!" ዝብሉ'ኳ እንተኾኑ ንናፅነት ኤርትራ ድምፆም ምሃቦም ግን ፈጺሙ ከምዘየጣዕሶም ሓቢሮም።

Image copyright ALEXANDER JOE

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ፡ መምህር ፖለቲካል ሳይንስ ዶክተር ያእቆብ ኣርሳኖ፡ እቲ ህዝበ ውሳነ፡ እኹል ምድላው ዘይተገብሮ ንህዝቢ ዘየሳተፈ፡ ውሳነ ክልተ ሓያላት ውድባት ምንባሩ ይገልጽ።

"እቲ ከይዲ፡ ንህዝቢ ዘየሳተፈን ክልቲአን ሃገራት ብሓባር ክመሓደራሉ ዘኽእል መማረፂ ስርዓት እንታይ ክኸውን ከምዝግባእ ዘተ ዘይተገበረሉ፡ ናይ ተዓወትቲ ውሳነ እዩ ዝመስል" ይብሉ።

ምሁር ሕጊ ኣቶ ኤልያስ ሃብተስላሰ ግን፡ "ህዝቢ ኤርትራ ፈደራላዊ መሰላቱ ተጋሂሱ ብሓይሊ ስለዝተጎብጠን ስለዝተገፍዐን ን30 ዓመታት ተቓሊሱ፡ ንደርግ ስዒሩ ዘረጋገጾ ናጽነት ብሓይለይ ብቕልጽመይ እየ ኣምጺአዮ ከይበለ፡ ሕቡራት ሃገራት ብዝምእክሉዎ ህዝባዊ ረፈረንዱም ሕጋዊ ክዳን ዘልበሶ ንዘልኣለም ዘይገሃስ ሕጋዊ ፍጻሜ እዩ። በቲ ክግበር ዝግበኦ ዝነበረ ሕጋዊ መስርሕ ብኣፍልጦን ተሳትፎን ሕቡራት ሃገራትን ከኣ እዩ ተገይሩ" ይብል።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብር ኣካቢ ኮሚተ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣቶ ይስሃቅ ዮሴፍ ከኣ፡ ዋላ'ኳ እቲ ህዝበ ውሳነ እኹል ቅድመ ምድላው እንተዘይተገብሮ ፡

ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ዘማእኸለ ከምዘይነበረ ብምሕባር፡ "እቲ ህዝቢ ምስ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ክነጻጸር እንከሎ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ስምዒት ንድሕሪት ምምላስ ዝከኣል ኣይነበረን" ይብሉ።

ኣብቲ እዋን ኣብ ህወሓት፡ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ዝነበራ ወይዘሮ ኣረጋሽ ኣዳነ፡ እቲ ህዝበ ውሳነ ቀፃሊ ረብሓታት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዘይነበረ ብምእማን " እቲ ህዝበ ውሳነ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ዝነበረ ርኢቶን ድሌትን ህዝብን መሰረት ገይሩ ዝተኻየደ ኣይነበረን" ይብላ።

ኣቶ ኤልያስ ግን፡ ብቐዳምነት ህወሓትን ህዝባዊ ግንባርን ተሓባቢሮም እዮም ንደርግ ስዒሮሙዎ። እቲ ሽዑ ኣብ ኢትዮጵያ መንግስቲ ዘቖመ ስርዓት ከኣ ንመሰል ርእሰ ውሳነ ህዝቢ ኤርትራ ደጊፉዎን ተቐቢሉዎን እዩ።

ድሕሪ ረፈረንዱም ከኣ ክሳብ ክልቲኦም ሓይልታት ብዶባት ብዝምኽነ ጉዳይ ዝጋጨዉ ክሳብ ብደረጃ ሚኒስተራት ኣብ ዝጋባእ ሓበራዊ ስሩዕ ወግዓዊ ኣኼባታት፡ ኣብ ንግድ፡ ኣገልግሎት ወደባት፡ ምክልኻል ከይተረፈ ዝምስገን ምትሕብባር ከምዝነበሮም ክዝከር ይግባእ።

ወይዘሮ ርግኣት ሓዲሽ ከኣ ኣብዚ እዋን እዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሕማቕ ኩነታት እኳ እንተሎ፡ መድርኽ ብረታዊ ቃልስን ናጽነትን ከም ሓደ መድርኽ ከምእትርእዮን እቲ ካልኣይ መድረኽ ምርግጋጽ ሓርነትን ሰብኣዊ መሰላትን ከኣ ኩሉ ዝምልከቶ ዜጋ ክሰርሓሉን ክጽዕረሉን ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ ትገልጽ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ