ኣብ ጀርመን ዝነብር ሓላዊ ነበር ቢንላደን

ሳሚ ኤ - ፋይል ፎቶ Image copyright Funke Foto Services

ኣብ ሓደ እዋን ንኦሳማ ቢንላደን ሓላዊኡ ዝነበረ ቱኒዝያዊ ውልቀ ሰብ፡ ካብ 1997 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ጀሚሩ ኣብ ጀርመን ይነብር ከምዘሎ ተገሊፁ።

የማናይ ኣማራፂ ውድብ ጀርመን፡ ሳሚ ኤ ብዛዕባ ዝበሃል ውልቀ ሰብ ዘቕረቦ ሕቶ ስዒቡ፡ ምስሊ እዚ ውልቀ ሰብ ብክልላዊ መንግስቲ እታ ሃገር ዕላዊ ኮይኑ።

መራኸብቲ ሓፋሽ ጀርመን ግና፡ ሽምን ውልቀ ሓበሬታን እዚ ውልቀ ሰብ ንምሕላው ከምዘይፀብፀባ ተገሊፁ።

እዚ ውልቀ ሰብ ምስ ኣባላት ጂሃድ ርክብ ከምዘይብሉ ዝኸሓደ እንትኸውን፡ መንግስቲ ጀርመን፡ ነዚ ውልቀ ሰብ ናብ ቱኒዝያ ንምምላስ ሒዝዎ ዝነበረ ትልሚ፡ ስቓይን ምንግልታዕን ከይበፅሖ ብዝብል ከምዝሰረዞ ኣፍሊጡ።

ኦሳማ ቢንላደን ኣልቃይዳ ተባሂሉ ንዝፅዋዕ ጅሃዳዊ ጉጅለ ዝመርሕ ዝነበረ እንትኸውን፡ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2001 ድማ፡ ኣብ ኣሜሪካ ንዝተፈፀመ ግብረ ራዕዳዊ መጥቃዕቲ ተሓታቲ ተብሂሉ ነይሩ።

ኣብ 2011 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ድማ፡ ብፍሉይ ሓይሊ ኣሜሪካ ኣብ ፓኪስታን ተቐቲሉ።

ኣብ ኣሜሪካ ንዝተፈፀመ ግብረ ራዕዳዊ መጥቃዕቲ፡ ተሳተፍቲ ካብ ሞንጎ ዝነበሩ ዘወርቲ ኣየር፡ እቶም ሰለስተ ኣብ ሰሜናዊት ጀርመን ኣብ ትርከብ ሃምቡርግ፡ ኣባል ኣልቃይዳ ነይሮም።

ኣብ 2005 ኣብ ቤት ፍርዲ ግበረ-ራዕዲ ጀርመን፡ ሓደ ምስክር ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እዚ ሳሚ ኤ ዝበሃል ውልቀ ሰብ፡ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2000 ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ናይ ቢንላደን ሓላዊ ኮይኑ ከምዝሰርሐ መስኪሩ።

ዋላ እኳ ኣብቲ እዋን እዚ ተኸሳሲ እንተክሓደ፡ ናይቲ እዋን ዳኛ ዝነበሩ ዱሴልዶርፍ ነቲ ምስክር ኣሚኖሞ እዮም።

ኣብ 2006 እውን ሳሚ ኤ ምስ ኣልቃይዳ ርክብ ኣለዎ ብዝብል ምርመራ ዝተገበረሉ እንትኸውን ክሲ ግና ኣይቀረበሉን።

ሳሚ ኤ፡ ምስ ጀርመናዊት በዓልቲ ገዝኡን ኣርባዕተ ደቁን፡ ኣብ ምዕራባዊት ጀርመን ኣብ ትርከብ ከተማ ቦቹም እዩ ዝነብር።

ግዚያዊ መንበሪ ፍቓድ ብምርካብ፡ ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ቴክኖሎጂ ወሲዱ እዩ።

ዘቕረቦ ሕቶ ዕቑባ ግና ንድሕንነት ጠንቂ እዩ ብዝብል፡ ብሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ተቐባልነት ኣይረኸበን።

በብመዓልቱ ናብ ጣብያ ፖሊስ ብምኻድ ሪፖርት ከምዝገብር እውን ተገሊፁ።

ጂሃድ ዘቐፅሉ ጥርጡራት፡ ኣብ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ከምዝሳቓዩ፡ ሓበሬታ መንግስቲ ጀርመን ይሕብር።

ብምኽንያት እዚ ድማ ቱኒዝያን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ዓረብን፡ ስደተኛታት ንምምላስ፡ ድሕንነት ዘለወን ሃገራት ከምዘይኾና ይግለፅ።