መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ኣይሁድ ሃይማኖታዊ ቆቢዕ ከይገብሩ መተሓሳሰቢ ተዋሂቡ

ኪፓ ዝጠምጠመ መንእሰይ Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ፅባሕ ረቡዕ "በርለን ዊርስ ኪፓ" ዝብል ምርኢት ኣብ ርእሰ ከተማ ጀርመን ክካየድ ኣዩ

መራሒ ማሕበር ኣይሁድ ኣብ ጀርመን ብሰንኪ ዘጓንፉ ዘለዉ ፀረ-ሴማዊ ዓሌታዊ ጥቕዓታት ሃይማኖታዊ ቆቢዕ (ኪፓ) ካብ ምግባር ንኽዕቀቡ ኣፍሊጦም።

ፕረዚደንት ማእኸላዊ ቤት ምኽሪ ኣይሁድ ጀርመን ፡ ዮሴፍ ሹስተር ብፍላይ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት እታ ዓዲ ተወለድቲ ኣይሁድ ጥቡቕ ጥንቃቐ ንክገብሩ ንመንግስታዊ ራድዮ በርሊን ገሊፆም።

እዚ መተሓሳሰቢ ዝተውሃበ "በርሊን ዊርስ ኪፓ" ብዝብል ፅባሕ ረቡዕ ኣብ ርእሰ ከተማ ጀርመን ዝካየድ 'ምርኢት ምሕዝነት' ኣቐዲሙ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሃይማኖታዊ ቆቢዕ ኣይሁድ (ኪፓ) ዝገበሩ ክልተ መናእሰይ ጥቕዓት በፂሑዎም እዩ።

እቶም ጥቕዓት ዝፈፀሙ ውልቀ ሰባት ፀረ- ሴማዊ ዝኾነ ዓሌታዊ ፀርፊ ዓው ኢሎም እናጨርሑ ከምዝነበሩ ዘርኢ መረዳእታ ምስሊ( ቪድዮ) ድማ ተቐሪፁ ተረኺቡ።

ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ውዳበ ማሕበራት ተወለድቲ ኣይሁድ፥ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝኣመሰሉ ህዝባዊ ማእኸላት ከምዚ ዓይነት ፀረ-ሴማውያን ዓሌታዊ ፀርፍታት ይዕዘቡ ከምዝፀንሑ ኣዘኻኺሮምም።

ቻንስለር አንገላ ማርክል ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ነቲ ተርእዮ ካሊእ ዓይነት ጠንቂ "ፀረ-ሴማዊነት" ብምባል ኮኒነን።

እተን መራሒት ጀርመን፡ ንእስራኤል ቻነል 10ቲቪ ኣብ ዝተዛረበኦ፥ እቲ ስግኣት ካብ ኣኽረርቲ ጉጅለ የመናውያን ጥራሕ ዝነቅል ዘይኮነስ፥ ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከቡ ጉጅለታት ሙስሊም ስደተኛታት'ውን ተመሳሰሊ ስግኣት ከምዘሎ ሓቢረን።

ሓላፊ እቲ ማሕበር እንታይ እዮም ዝብሉ ዘለዉ?

ዮሴፍ ሹስተር "ዓሌታዊ ፀረ-ሴማውያን አተሓሳስባ ንምቅላስ እቲ ቀንዲ መገዲ ዝተፈለየ ቀለምካ ገሊፅካ ምርኣይ'ኳ ትኽክል እንተኾነ፥ ብፍላይ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ጀርመን 'ኪፓህ' ጠምጢምካ ምኻድ ግን ኣይመክርን" ኢሎም።

ይኹን'ምበር ጀርመናውያን እዚ ፀረ ሴማውያን ዓሌታዊነት፡ ተቓዊሞም ጠጠው ክብሉ ዘይኽእሉ እንተኾይኖም፥ "ጀርመን ዝሃነፀቶ ዲሞክራሲ ኣብ ሓደጋ'ዩ ዘሎ" ኢሎም።

"እዚ ጉዳይ ብዛዕባ ፀረ-ሴማዊነት ጥራሕ ኣይኮነን። ዘርኣዊነት'ውን ፤ ፅልኢት ውን እዩ። እዚ ዘንፀላለወ ሓደጋ ጠጠው ንምባል ግልፂ ምልክት ክተርእዩ ይግባእ" ክብሉ ድማ ኣተሓሳሲቦም።

ሹስተር እዚ ከምዚይ ዓይነት ርእይተኦም፥ ኣብ በርሊን ዝርከብ እቲ ቪድዮ ዘቃለዐ ውዳበ ማሕበር ኣይሁድ ንዲመክራሲን ፀረ 'ኣንቲ-ሴመቲዝም'ን ብዛዕባ አጠቓቕማ ሃይማኖታዊ ቆቢዕ 'ኪፓህ' ምስ ዝሓዞ ቅዋም ዝፃባእ'ዩ ተባሂሉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት