ኢትዮጵያን ኤርትራን ብናፅነት ፕረስ ኣብ ድሕሪት ተሰሪዐን

ጋዜጣ ዘንብቡ ሰባት Image copyright Getty Images

ትካል ተሓላቒ ናጽነት ፕረስ፡ ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ፀብፃቡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንፕረስ ብዝህበኦ ናጽነት ኣብ ድሕሪት ሰሪዑወን።

ኣብ ቐርኒ ኣፍሪቃ ዝርከባ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዉን ቑጠባዉን ሕልኽላኽን ዘንጸላለወን ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብተደጋጋሚ ንናጽነት ፕሬስ ብዘለወን ሕግን ኣተገባብራን ዝንቀፋ ሃገራት እየን።

ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብታ ሃገር ዘሎ ድባብ ፖለቲካዊ ንምስፋሕ ብዝብል ተሰኣሲሮም ዝነበሩ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ፈቲሓ'ያ።

እቲ ፀብፃብ እዚ ኩነት ኣብ ግምት ዘእተወ ምኳኑን ዘይምዃኑን ዝተፈልጠ የለን።

ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ወልደገርግስ ገብረህይወት ናይ ኢትዮጵያ ሚድያ፡ መንግስታውን 'ወገናውያን'ን ወይ ድማ 'ፅንፈኛታትን' ብዝብል ኣብ ክልተ ዝተመቐለ ከምዝኾነን የረድእ።

እቶም ወገናውያን ኣብ ፖለቲካ ጥራሕ ዘድሃበ ስራሕቲ ዝሰርሑ ከምዝነበሩ ዝገልፅ ወልደገርግስ "እቶም ናይ መንግስቲ'ውን ንናይ መንግስቲ ረብሓ ጥራሕ ዝቖሙ'ዮም" ኢሉ።

እቲ ዓውዲ ክዓቢ ዘይከኣለሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ንሱ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ብፍለይ እቶም 'ፅንፈኛታት' ክብል ዝገልፆም ናይ ውልቀ ሚድያታት ካብ 1997 ንደሓር እናጠፍኡ ምምፅኦም ብምግልፅ "እቲ ናይ መንግስቲ ግን ምምሕያሽ'ኳ እናተርኣዮ እንተመፀ 'ሜትዶሎጂኡ' ማለት ስነ-ኣገባቡ ግን ኣይቀየረን" ክብል ይዛረብ።

ንናይ መንግስቲ ጉዳያት ብዝጥዕሞ መገዲ ጥራሕ ከምዘቕርብን ነፃ ኮይኑ ናይ ምስራሕ ዕድሉ ከምዘይማዕበለን'ውን ገምጋሙ ይህብ።

ወልደጊወርግስ ኣብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ገለ ውልቀ ሕታማት ዝተፈለየ ርእይቶ ኣለዎ።

"እቶም ሕታማት ክወፁ ማለት ክዕፀዉ ስለዝተገበረ፡ ሚድያ ኢትዮጵያ ተፀቒጡ ክብል ኣይክእልን፤ ክወፁ ዝነበሮም'ዮም" ይብል።

ነዚ ክብል ዝኸኣለሉ ምኽንያት ድማ ዝሰርሕዎ ስራሕ ጥዕና ዘለዎ ከምዘይነበረ የረድእ።

'ኣሳሪ ሕጊ'

ምስ ሽበራን ፕረስን ተታሓሒዙ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሕጊ ኣሳሪ ከምዝኾነ ዝዛረቡ ኣካላት ኣለው።

ወልደጊወርግስ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓሳብ "ሰባት እዝን እዝን ፀገማት ኣሎ ኢሎም ብንፁር ዘርዚሮም ክዛረቡ ኣይርኣኹን፤ ኣየናይ'ዩ እቲ ኣሳሪ ዝበሃል?" ክብል ተመሊሱ ይሓትት።

ኣብ ኢትዮጵያ ንዝረኣዩ ፀገማት ሓደን ቀንድን መበገሲ ሕግታት ግልፂ ዘይምዃኖምን ንትርጉም ዝተቓልዑ ከምዝኾኑን የረድእ።

"ብርግፅ ሰባት ዓንቀፃት ናብ ዝደለይዎ እናተርጎሙ ክኣስሩን ክውግኑን ይኽእሉ" ብምባል፡ እቶም ናብ ግብረ ራዕዲ ኣቲኹም ብዝብል ዝተኣሰሩ ሰባት ኣብ ሓፂር እዋን ክፍትሑ ምርኣይ ነዚ ከምኣብነት የልዕል።

"ሕጊ ፀረ-ግብረ ራዕዲ ብነፃነት ናይ ምዝራብ መሰል ክኽልክል ይጥቀሙሉ ምህላዎም ክንሓስብ ንኽእል ኢና፤ ምኽንያቱ ብዘይኣገባብ'ዮም ይኣስርዎም ዝነበሩ ማለት'ዩ" ይብል።

ኣብ ምትግባር ሕጊ ናፅነት ፕረስ ንዝረኣዩ ክፍተታት ክልተ ምኽንያታት የልዕል።

"እቲ ሓደ ኢትዮጵያ ክተማሓይሾም ዘይከኣለት ኣታሓሕዛ ጋዜጠኛታት፣ ፖለቲከኛታት፣ እሱራትን ምኽባር መሰላትን ክኸውን ከሎ በቲ ካልእ ገፅ ድማ እቲ ሕጊ ተግባራዊ ንምግባር ዘኽእል ነባራዊ ኩነታት ኣብ ግምት ዘይምእታዉ'ዩ" ክብል የረድእ።

እቲ ሕጊ ኣብኣቶምን ኣባናን ናብ ተግባር ክሰጋገር ከሎ ባይትኡ ዝተፈላለየ ከምዝኾነን ከምቲ ንሳቶም ዝደልይዎ ኮይኑ ክርከብ ዘይምኽኣሉን ወሲኹ ይሕብር።

ኣብ ኤርትራ

ብወገን ኤርትራ ንዘሎ ዝደኸመ ናጽነት ፕሬስ (ሕትመት)፡ ኤርትራዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን ተንታኒ ፖለቲካዊ ጉዳያት ዞባ ማእከላይ ምብራቕን ዓብዱራሕማን ኣልሰይድ ኣቡሃሺም መግዛእቲ ከም ምኽንያት የልዕል።

"ብሰንኪ መግዛእቲ ናፅነት ፕረስ ኣይነበረን ኣይፀንሐን፤ ቀፂሉ'ውን ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ናፅነት ንኸይህሉ ምኽንያት ኮይኑ" ዝብል ዓብዱራሕማን፡ ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት እቲ ናፅነት ከምዘይነበረ ይገልፅ።

ንሱ ከምዝብሎ፡ ኣብታ ሃገር ምስዝፀንሐ ውግእ ተኣሳሲሩ ዝመፀ ባህሊ ናይ ውግእን ዓመፅን ኣሎ።

ኣብ ሓራ መሬት'ውን በቲ ሕዚ ሰሎ ስርዓት ክፍፀም ከምዝፀንሐን ብድሕሪ ናፅነት'ውን እቲ ኩነታት ቀፂሉ'ዩ።

ኣብ ኤርትራ ብድሕሪ ቃልሲ ዝተርኣያ ጋዜጣታት ነይረን'የን። እተን ጋዜጣታት ግን ነቲ ናፅነት ጥራሕ ከንፀባርቓ'ምበር ካብኡ ሓሊፈን ህልው ኩነታትን ተቓውሞታትን ከስምዓ፤ ብዛዕባ ህዝባዊ ግምባር ክፅሕፋ ከምዘይከኣላ ይዛረብ።

"ንኣብነት ኣብ ቴስዓታት ንዝነበረ ጭፍለቓን ጭውየትን ዜጋታት ኣየልዕላን ነይረን" ክብል ሓሳቡ ይገልፅ።

ቁሩብ ክፍትና ዝኸኣላ'ኳ እንተነበራ ሽዑ ንሽዑ ስለዝተጨዋ፡ ካብ 2001 ጀሚሩ ኤርትራ ኣብቲ ናይ ፕረስ ናፅነት ድሕሪት ክትስራዕ ከምዝገበራ'ውን የረድእ።

እንታይ'ሞ ይገበር?

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሃዋህዉ መሓዉራዊ ምምሕዳራዉን ፖለቲካዉን ለዉጢ ብምምጻእ ክልወጥ ከምዝኽእል ይገልጽ ዓብዱራሕማን።

"ኣብ ኤርትራ ባህሊ ለዉጢ ብምምጻእ፡ ዝጸንሐ ባህሊ ዉግእን ሰዓት ሕላፍን ብምዉጋድ ሱር በተኽ ዝኾነ ለዉጢ ኣብታ ዓዲ ከድሊ'ዩ። ካብ ግዜ ጥልያን ኣትሒዛ፡ ብወተሃደራዊ ምምሕዳር ትመሓደር ስለዘላ ናብ ስቪላዊ ምምሕዳር ክትሰጋገር እንተኽኢላ ለዉጢ ክመጽእ ይኽእል'ዩ" በሃሊ'ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ንፕረስ ኣወንታዊ አረኣእያ ዘለዎ መንግስቲ እንተዝህሉ ክመሓየሽ ከምዝኽእል ይግለፅ።

"ሓይሊ ጋዜጠኝነት ንልምዓት ሃገር ወሳኒ'ዩ ኢሉ ዝኣምን መንግስቲ እንተዝህልወና ነይሩ ዘሎ ጽዕንቶ ክንኪ ነይሩ'ዩ" ዝብል ወልደጀወርግስ፡ ነዚ ኣማራጺ ዘይብሉ መሳርሒ ዝተዉሃበ ቖላሕታን ኣፍልጦን ትሑት ከምዝኾነ'ዩ ዝገልጽ።

ስለዝኾነ ድማ፡ ናጽነቱ ዝተሓለወሉ ስራሕቲ ሚዲያ ሕትመት ክህሉ ዝኽእል፡ ካብ ኣተሓሳስባ ምልክን ሸለልተኝነትን ዝተናገፈ ምሕደራ ክህሉ እንተኽኢሉ'ዩ በሃልቲ'ዮም።

ተወሳኺ ዛንታ