13 ጋዜጠኛታት ቱርኪ ብገበን ግብረ-ራዕዲ እስራት ተፈሪዱዎም

ሰልፈኛታት ናይ ኣኪን ኣታላይ ስእሊ ሒዞም፥ መጋቢት 2018 Image copyright AFP

እቶም እስራት ዝተፈረዶም ጋዜጠኛታት "ኩምህርየት" እናተብሃለ ዝፅዋዕ ናይ ተቓዋሞ ጋዜጣ ሰራሕተኛታት እዮም ነይሮም። እቲ ጋዜጣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ቱርኪ ተሪር ናይ ተቓውሞ ቅዋም ሒዙ እዩ ዝሰርሕ ነይሩ።

ካብኣቶም እቶም ሰለስተ ቤት ፍርዲ እታ ዓዲ ካብ ገበን ነፃ ኮይኖም ስለዝረኸቦም ተለቒቖም ነይሮም።

እቶም ዝተረፉ ጥርጡራት ድማ ካብ ገበን'ኳ ነፃ እንተተብሃሉ ኣብ ዝኾነ ግዜ ክለዓል ዝኽእል ይግባኝ ተሓቲቱዎም ፀኒሑ።

እቶም ጋዜጠኛታት ምስቲ ከም አቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2016 ዝፈሸለ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ተኣሳሰሩ እዮም ኣብ ቀይዲ ውዒሎም።

ሰበ ስልጣን ቱርኪ እቶም ጋዜጠኛታት ኩምህሪት ምስቶም ገበነኛታት ግብረ- ራዕዲ ኢሉ ዝሰየሞም ጉጅለታት ፖለቲካን ውልቀሰባትን ርክብ ኣለዎም ዝብል ክሲ'ዩ መስሪቱሎም።

ካብ መንጎ ፈተነ-ዕልዋ መንግስቲ አዋዲዶም ዝተብሃሉ ውድብ ሸቃሎ ኩርዲስታን፥ ግንባር ህዝባዊ ነፃነት (ሶሻሊስት) ከምኡድማ ፈቱላህ ጉለን ዝተብሃሉ መራሒ ሃይማኖት ይርከቡዎም።

ሚስተር ጉለን ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ አመሪካ ዕቑባ ሓቲቶም ዝነብሩ ክኾኑ ከለው፥ መንግስቲ አመሪካ ተሓለሊፎም ንክህወሃቡ ካብ መንግስቲ ቱርኪ ንዝቐረበሉ ሕቶ ነፂጉ።

እቲ ፈተነ ዕልዋ-መንግስቲ ምፍሻሉ ስዒቡ ካብ ጋዜጠኛታት፣ ፖሊስ፣ ሰራዊት፣ መንግስቲ ሰራሕተኛታትን መምህራንን 50 ሺሕ ዝኾኑ ኣብ ቀይዲ ውዒሎም። 150 ሺሕ ዝኾኑ ድማ ካብ ስረሖም ተኣጊዶም ነይሮም።

Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ቱርኪ ዝተውሃበ ብይን ተቓውሞ ኣልዒሉ

ካብቶም ሕዚ ዝተፈረዶም 13 ጋዜጠኛታትን ሰብ ዋና ትካላት መድያን ናይታ ሃገር ቀንዲ ፀሓፍቲ ዝበሃሉ ይርከቡዎም።

ብ1924 ዝተመስረተ ኩምህሪት ኣብቲ ብመንግስቲ ጥቡቕ አተሓሕዛ ኣብ ዝገበረሉ ዓዲ፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኢርዶጋን ተሪር ቅዋም ሒዙ ዝቃለስ ዝነበረ ምዃኑ ይዝረብ።

ንኣብነት ኣካየዲ ስራሕ እቲ ጋዜጣ ኣኪን ኣታላይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ 500 መዓልታት ዝፀንሐ እንትኸውን ሸውዓተ ዓመት ተፈሪዱዎ።

እዚ ብይን ስዒቡ እቲ ጋዜጣ ኣብ ርእሰ ኣንቀፁ፥ "ጭቆና ይኾኖ!"፤ ፀኒሑ ድማ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ "ኣብ ታሪኽ ክትሓፍሩ ኢኹም" ዝብሉ ፅሑፋት ሒዙ ወፂኡ።

ፕረዚደንት ኢሮዶጋን ሚድያ ብምዕምፃፅ ብሰፊሑ ዝንቀፉ እዮም።

ብፍላይ እዚ ብይን ዓለም ለኸ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ቱርኪ ተቓውሞ ክለዓል ገይሩ እዩ።

ሲፒጀይ እቲ ብይን ተቓዊሙ እቶም ዝተፈረዶም ጋዜጠኛታት ብህፁፅ ነፃ ክልቀቑ ኣተሓሳሲቡ።