ሩዋንዳ፡ ግዳያት ጃምላዊ ጨፍጫፍ ዝተቐብረሎም ጋህስታት ተረኺቦም

ናይ ዝተቐትሉ ሰባት ሽክና ርእሲ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብቲ ጃምላዊ ቅትለት 800 ሺሕ ሃሊቁ

ኣብ 1994 ኣብ ሩዋንዳ ብዝተኻየደ ጽንታ ወዲሰብ ተቐቲሎም ዝተቐብርሉ ኣርባዕተ ጋህስታት ተረኺቡ።

እቲ ጋህስታት ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ኪጋሊ ኣብ ትርከብ ወረዳ ጋሳቦ ክኸውን ከሎ፡ ካብተን ጋህስታት ኣስታት 200 ኣስከሬን ተዃዒቶም ከምዝወጹ ተፈሊጡ።

ኣብቲ ጅምላ ቅተለት ዝተኻየደሉ እዋን፡ ኣስታት 3000 ነበርቲ እታ ወረዳ ሃለዋቶም ጠፊኡ።

ሕጂ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ እዘን ዝተረኽባ ጋህስታት ኣስከሬን ናይቶም ሽዑ ዝጠፍኡ ሰባት ሒዘን ክኾና ይኽእላ ኢሎም ይግምቱ።

ኣብቲ ጽንታ ዝተኻየደሉ እዋን ኣስታት 800,000 ሰባት - ዓሌት ቱሲን ልዙባት ዓሌት ሁቱን - ኣብ ውሽጢ 100 መዓልታት ብዓሌት ሁቱ ብጃምላ ተቐቲሎም።

እተን ጋህስታት ሓደ ሰሙን ድሕሪ መበል 24 ዓመት ዝኽሪ እቲ ጃምላዊ ቅትለት ምክያድ እየን ተረኺበን።

ሓንቲ ሰበይቲ ኣብቲ ጋህስታት ሰባት ክቕበሩ ሪኤ ድሕሪ ምባላ ድማ፡ ገለ ብወለንታ ዝነጥፉ ሰባት ኣብቲ ከባቢ ነቲ ዳህሳስ የካይዱ ኣለው።

እቶም ብጃምላ ዝተቕትሉ ሰባት ዝተቐብሩለን ጋህስታት ኣብ ትሕቲ ገለ ገዛውቲ ስለዝነበረ፡ ነተን ገዛውቲ ምፍራስ ናይ ግድን ኢዩ ኮይኑ።

ድሕሪ እተን ኣርባዕተ ጋህስታት ምርካብ፡ እቲ መስርሕ ይቕጽል ከምዘሎ፡ ቲኦጂን ካባጋምቢረ፡ ብዓል ስልጣን ናይቲ ቢቡካ ዝፍለጥ ግብረሰናይ ማሕበር፡ ንኒውስ ደይ ሩዋንዳ ጋዜጣ ሓቢሩ።

ብዙሓት ነቲ ቅትለት ዝፈጸሙ ሰባት ፍርዶም ድሕሪ ምውዳእ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም እዮም።

እቲ ምርካብ ናይተን ጋሕስታት፡ ስለምንታይ እቶም ብዛዕባ እተን ጋህስታት ዝፈልጡ ሰባት ስጋብ ሕጂ ዘይሓበሩ ዝብል ሕቶታት ኣብ ናይታ ሃገር ናይ ዜና ማዕከናት ኣልዒሉ ከምዘሎ ቶሚ ኦላዲፖ፡ ናይ ቢቢሲ ናይ ኣፍሪቃ ናይ ጸጥታ ጋዜጠኛ ሓቢሩ።

ሓምሻይ ጋህሲ የናድዩ ከምዘለውን፡ ገለ ካብቶም በቲ ጃምላዊ ቅትለት ዝተወንጀሉ ሰባት ``ናይቶም ፍትዋትና ዝተቐብርሉ ጋህስታት ኣብ ምምልካት ብዙሕ ምትሕብባር ኣየርኣዩን`` ኢሉ ካባጋምቢራ።

ገለ ስድራ ቤታት ኣብቲ ዝተረኽበ ጋህስታት ኣስከሬን ናይቶም ዝፈትውዎም ግዳያት እቲ ጽንታ የናድዩ ነይሮም።

``ክልቲኦም ወለደይ ኣብዘን ጋህስታት ተቐቢሮም ከምዘለው ርግጸኛ ኢየ። ሕጂ ኣብዚ ዘለኹ ድማ ኣብቲ ዝጠፍእሉ እዋን ዝተኸደንዎ ክዳን ብምልላይ ኣስከሬኖም ንምርካብ ኢዩ`` ኢላ ካብቲ ጽንታ ዝተረፈት ኢዛቤላ ኡዊማና ምስ ኒውስ ደይ ኣብዝገበረቶ ቃለ-መሕተት።

``መታን ንቡር ናይ ቀብሪ ስነስርዓት ኪገብረሎም፡ ኣብዚ ክህልው ተስፋ ይገብር`` ድማ ኢላ ኢዛቤላ።

ኣብዚ ሃገር ገና ብሕጂ ዝረከቡ ብዙሓት ጋህስታት ኣለው ኢሉ ፕሩደንት ጋዜጠኛ ቢቢሲ ከባቢ ዓበይቲ ቀላያት።

ድሕሪ ፕሬዚደንት ሩዋንዳ ሃቢሬማናን ናይ ቡሩንዲ መዘንኡ ሳይፕሪን ንታሪያሚራ ዝነበረዋ ነፋሪቲ ተኲሶም ድሕሪ ምውዳቖም ኢዩ እቲ ጃምላዊ ቅትለት ብ6 ሚያዝያ 1994 ዝተጀመረ።

ካብታ ነፋሪት ዝኾነ ሰብ ኣይሰረረን።

ጥሩፋት ቀቢላ ሁቱ፡ ቅድሚ እቲ ብስርዓት ዝተዋደደ ጃምላዊ ቅትለት ምጅማሮም፡ ነቶም ዕጡቓት ኣባላት ሓርበኛዊ ግንባር ሩዋንዳ ዝኾኑ ቀቢላ ቱሲ ኢዮም ነቲ መጥቃዕቲ ብምጅማሮም ዝውንጅልዎም።