ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዓለም-ለኻ ሕብረት ፌደሬሽናት ኣትሌቲክስ ዘውፅኦ ሕጊ "ንስርዓት ኣፓርታይድ ዘዘኻኽር'ዩ" ኢላ

ካስተር ሰምንያ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ኣትሌት ካስተር ሰመንያ፡ ቻምፕዮን 800 ሜትሮ (ዓለምን ኮመንዌልዝን)

ኣመራርሓ ኣትሌቲክስ ዓለም፡ ኣብ ደቀኣንስትዮ ኣትሌታት ክህሉ ዝግብኦ መጠን ቴስተስትሮን (ባህሪ ወዲተባዕታይ ዝዕቅብ ሆርሞን) ኣመልኪቱ ዘውፅኦ ሕጊ ምስ ስርዓት ኣፓርታይድ-ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝዳረግ ተገሊፁ።

እቲ ሓድሽ ሕጊ ዝለዓለ መጠን ቴስተስትሮን ኣብ ሰብነተን ዘለወን ደቀኣንስትዮ ኣትሌታት፡ ምስ ደቀተባዕትዮ ተሰሊፈን ክወዳደራ ወይ ድማ ንዕኡ ዝንኪ መድሓኒት ክወስዳ የገድድ።

ብ800 ሜትሮ ሻምፒዮን ኦሎምፒክ ዝኾነት ደቡብ ኣፍሪካዊት ኣትሌት ካስተር ሰመንያ ድማ በዚ ሕጊ ትቕየድ።

ንሃገራ ዝመርሕ ሰልፊ ኣፍሪካን ናሽናል ኮንግረስ (ኤኤንሲ) ነቲ ውሳነ "ቅሉዕ ዘርኣውነት" ክብል ገሊፅዎ።

መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ነቲ ዝተገበረ ለውጢ ሕጊ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዓለማ-ለኸ ቤት ፍርዲ ስፖርት (Court of Arbitration for Sport) ቀሪቡ ክሙግቶ ትፅቢት ይግበር።

ዓለም-ለኻ ሕብረት ፌደሬሽናት ኣትሌቲክስ (ኣይ ኤ ኤ ኤፍ) ግን ነቲ ሕጊ ዘውፅአ፡ እተን ዝለዓለ መጠን ቴስተስትሮን ዘለውን ደቀኣንስወትዮ ብልጫ ከይወስዳ ብዝብል ከምዝኾነ ኣፍሊጡ'ሎ።

እቲ ሕብረት ብወሃቢ ቃል ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ "እቲ ሕጊ ዘርኣውን ፆታውን ኣይኮነን" ክብል ሓቢሩ።

ስርዓት ኣፓርታይድ፡ ውሑዳት ፀዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃ ልዕልንኦም ንምርግጋፅ ዝፈጠርዎ ዘርኣዊነት ዝዓብለሎ ስርዓት ክኸውን ከሎ፡ ካብ 1948-1991 ፀኒሑ።

እቲ ሕጊ ካብ 400 ሜትሮ ክሳብ ሓደ ማይል ርሕቀት ኣብ ዝወዳደራ'ዩ ተግበራዊ ክኸውን።

ሰልፊ ኤ ኤንሲ ሕጊ ዓለም-ለኻ ሕብረት ፌደሬሽናት ኣትሌቲክስ ንደቡብ ኣፍሪቃዊት ኣትሌት ካስተር ሰመንያ "ንምንፃል ብኣመራርሕ ስፖርት ዝተሃቀነ" ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።

እታ ጓል 20 ኣትሌት መረጋገፂ ፆታ ምርመራ ንኽተካይድ ተሓቲታ ዝነበረት ኮይና፡ ንውፅኢት ምርመራኣ ብዝምልከት ግን ብዕሊ ዝተውሃበ መግለፂ ኣይነበረን።

Image copyright Twitter
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰመንያ ነቲ ዝወፀ ሕጊ ኣመልኪታ ኣብ ትዊተራ ዝፀሓፈቶ

እቲ ሆርሞን ብዝለዓለ መጠን ዘለወን ኣትሌታት ውድድር ቅድሚ ምክያዱ ሽድሽተ ወርሒ ነቲ መድሓኒት ብምውሳድ መጠኑ ክንክያ ኣለወን።

ሰልፊ ኤኤንሲ "ነዚ ዘይፍትሓውነትን ቅሉዕ ዘርኣውነትን መንግስቲ ንኽቃለሶ ንፅውዕ" ኢሉ።

"ኣፍቀርቲ ስፖርት'ውን ነዚ ፀረ-ስፖርት ዝኾነን፡ ንኣትሌታት ካብ ተሳትፎ ዝእግድ ጥራሕ ዘይኮነስ ንሰብኣዊ መሰላቶም ዝፃረር ሕጊ ብትሪ ክትቃወምዎ ንፅውዕ" ክብል ኣፍሊጡ።

ኣትሌት ካስተር ሰመንያ'ውን እቲ ሕጊ ምስወፀ "ንዓይ ከምዘይፈተኹምኒ 97 ሚኢታዊት'ኳ ርግፀኛ እንተኾንኩ፡ ኣነ ገን 100 ሚኢታዊ ኣይግድሰንን" ክትብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ትዊተር ፅሒፋ።