ግምት ውፅኢታት ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ ብጋርዝ ክሩክስ

ማንቸስተር ዩናይትድ - ኣርሰናል Image copyright BBC Sport

ኣርሰን ዌንገር ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ካብታ ጋንታ ክሰናበቱ እንተዳኣ ኮይኖም፡ ምስታ ብጆሴ ሞሪንሆ እትስልጥን ጋንታ ንመወዳእታ ግዜ ይራኸቡ ኣለዉ ማለት'ዩ።

ኣብቲ ዝዓበየ ግጥም እዚ ሰሙን መን ክትዕወት ትኸውን?

ተንታኒ ኩዕሶ እግሪ ቢቢሲ ማርክ ላውረንሰን ኣብዚን ካልኦትን ፀዋታታት ግምት ሂቡ'ሎ።

ግምታት ላውሮ

ቀዳም

ሊቨርፑል - ስቶክ

Image copyright BBC Sport

ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል የርገን ክሎፕ፡ ምስ ስቶክ ኣብ ዝህልዎም ፀወታ፡ ደገፍቲ ልክዕ ከምቲ ምስ ሮማ ኣብ ዝተገበረ ፀዋታ ዝነበርዎ ክድግፉ ሓቲቶም ኣለው።

ተፃወትቲ እታ ጋንታ'ውን ኣብ ፅቡቕ ብቕዓት ከምዘለው ገሊፁ።

ንስቶክ፡ ተዓዊትካ ምውፃእ ማለት ኣገዳሲ'ዩ። ይኹን ዳኣ'ምበር ምስ ሊቨርፑል ኣብ ዝገበርዎም ፀዋታታት ፅቡቕ ናይ ዓወት ታሪኽ የብሎምን።

ግምት ላውሮ: 2-0

በርንለይ - ብራይተን

Image copyright BBC Sport

ብራይተን 36 ነጥቢ ብምእካብ ካብ ሓደጋ ምውራድ ብሸውዓተ ነጥቢ ርሒቓ ትርከብ። ተወሳኺ ነጥቢ'ኳ እንተዘይረኸቡ ዘስግኦም ነገር ኣይክህሉን።

ካብ ፕሪምየርሊግ ከይወረዱ ክፀንሑ ዘኽእሎም ነጥቢ ኣኪቦም'ዮም።

በርንለይ ብብራይተን ክትፅገም'ያ ኢለ ኣይግምትን። ኣብ ሻብዓይ ደረጃ ኮይኖም ንኽውድኡን ናብ ሊግ ኣውሮፓ ክሓልፉን ኣብቶም ኣርባዕተ ቀፀልቲ ፀዋታታት ኣርባዕተ ነጥቢ ክረኽቡ ኣለዎም።

ግምት ላውሮ: 2-0

ክርስታል ፓላስ - ለይስተር

Image copyright BBC Sport

ሌይስተር ሲቲ ኣብዚ ዓመት ኣዕጋቢ ዝበሃል ውፅኢት'ኳ ክተመዝግብ እንተዘይካኣለት፡ ንዘይምውራዳ ግን ኣረጋጊፃ'ያ።

ኣብ ውሑስ ኩነታት ዘይትርከብ ክርስታል ፓላስ፡ ዋላ ሓንቲ ነጥቢ ምርካብ ብጣዕሚ የገድሳ።

ገግምት ላውሮ: 1-1

ሃደርስፊልድ - ኤቨርተን

Image copyright BBC Sport

ደገፍቲ ኤቨርተን ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ኣሰልጣኒ ጋንትኦም ሳም ኣላርዳይስ እንታይ ከምዝውሰኖ ንምርኣይ ኣብ ትፅቢት ይርከቡ።

ሃደርስፊልድ'ውን ካብቲ ሊግ ከይወረደት ንምፅናሕ ሓደ ነጥቢ ምርካብ የድልያ። ብምዃኑ ድማ እዚ ፀዋታ ነታ ጋንታ ናይዚ ዓመት ዓብዪ ግጥሞም ክኸውን'ዩ።

ግምት ላውሮ: 1-0

ኒውካስል - ዌስትብሮም

Image copyright BBC Sport

ኒውካስል ስዕረት ኣጋጢምዎም ነይሩ፤ ኣብቲ ኣብ ሜድኦም ዝገብርዎ ፀዋታ ግን ኣይክድገምን። ሻምናይ ኮይኖም ዝውድኡሉ ዕድል'ውን ክህልዉ ይኽእል'ዩ።

እዚ ፀዋታ ድማ ወሳናይ ፀዋታ'ዩ።

ግምት ላውሮ: 2-0

ሳውዝ ኣምተን - በርንማውዝ

Image copyright BBC Sport

ሳውዝኣምተን ኣብ ድሕሪት ምስ ዘለዋ ተሰሪዓ ኣብ ከቢድ ፈተና ትርከብ።

በርንማውዝ፡ ይሕመቕ ይፀብቕ ብተመሳሳሊ ኣካይዳ ነዊሕ ተጓዒዛ'ላ።

እዚ ፀዋታ ንሳውዝኣምተን ናይዚ ዓመት ዓብዪ ፀዋታ'ዩ። ዝህብዎ ግብረ-መልሲ ኣብ ሜዳ ዝረኣይ ይኸውን።

ግምት ላውሮ: 2-1

ስዋንዚ - ቸልሲ

Image copyright BBC Sport

ሳውዝኣምተን ንብርንማውዝ ክትስዓራ እንተኾይና ካብ ስዋንዚ ብሓደ ነጥቢ ጥራሕ'ያ ክትድሕር።

ስዋንዚ፡ ካብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ፀዋታታት ኣብ ሰለስተ ጥራሕ ብማዕረ ስለዝተፈላለዩ ኣብ ስግኣት ይርከቡ።

ናብ ዓወት ክምለሱ ትፅቢት ኣይገብርን።

ቸልሲ'ውን ኣብዚ ዓመት ፅቡቕ ኣይነበሩን፤ ይኹን ዳኣ'ምበር ናብ ፀዋታ ፍፃመ ኤፍ ኤ ካፕ ብምብፃሕ ብቕዓቶም ከርእዩ ኪኢሎም'ዮም።

ግምት ላውሮ: 0-2

ሰንበት

ዌስት ሃም - ማንቸስተር ሲቲ

Image copyright BBC Sport

ዌስትሃም ምስ ኣርሰናል ኣብ ዝነበራ ፀዋታ ከቢድ ስዕረት ኣጋጢምዋ'ዩ። ሕዚ'ውን ተመሳሳሊ ስዕረት ከየጋጥሞም ክጥንቀቑ ኣለዎም።

ነቲ ዋንጫ ከምዝዓተረት ዘረጋገፅ ማንቸስተር ሲቲ፡ ነቲ ፀዋታ ኣቕሊላ ኣይክትሪኦን። ክብረወሰናት ከመዝግቡ ይደልዩ'ዮም።

ዌስትሃም ድማ ደው ክተብሎም ትፅቢት የብለይን።

ግምት ላውሮ: 0-2

ማንቸስተር ዩናይትድ - ኣርሰናል

Image copyright BBC Sport

ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኮይና ነቲ ሊግ ክትውድእ ኣብ ዘተኣማምን ኩነታት ትርከብ።

ብድሕሪ'ዚ ምስ ብራይተን፣ ዌስትሃምን ዋትፎርድን ዝገብርዎም ፀዋታታት ከምዝዕወቱ ጥርጥር የለን።

ዌንገር፡ ኣብ ልዕሊ ዩናይትድ ዓወት ከመዝግብ ይኸውን'ዶ? ዝከኣል ኣይኮነን።

ግምት ላውሮ: 2-0

ሰኑይ

ቶተንሃም - ዋትፎርድ

Image copyright BBC Sport

ሃሪኬን ኣብ ፅቡቕ ብቕዓት ዘሎ ኣይመስልን።

ዋትፎርድ ናብ ውሑስ ደረጃ ዝደየቡ ይመስሉ፤ ብዘለዎም 38 ነጥቢ'ውን ኣብ ስግኣት ክኣትው ኣይክእሉን።

ሰኑይ ምሸት ግን ዝቐንዖም ኣይመስለንን፤ ስፐርስ ክትዕወት'ያ።

ግምት ላውሮ: 2-0

ተመሳሳሊ ዛዕባታት