ኩዌት ኣብ ልዕሊ ኣምባሳደር ፊሊፒንስ ንዝወሰደቶ ስጎምቲ ፊሊፒኒውያን ይቃወሙ ኣለዉ

ኣምባሳደር ፊሊፒኒስ ኣብ ኩዌት ሬናቶ ፔድሮ ቪላ ኣብ ከተማ ኩዌት ንጋዜጠኛታት መግለፂ እንትህቡ (ሚያዝያ 21 2018) Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣምባሳደር ፊሊፒኒስ ኣብ ኩዌት ሬናቶ ፔድሮ ቪላ

ኣብ ልዕሊ ፊሊፒናውያን ናይ ገዛ ዝሰርሕተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ዝፍፀም ግፍዒ ስዒቡ ኣብ ሞንጎ ፊሊፒኒን ኩዌትን፡ ወጥሪ ኣብ ዝዓሰለሉ እዋን፡ ኩዌት ንኣምባሳደር ፊሊፒኒስ ኣባሪራ።

መንግስቲ ፊሊፒን ንተግባር ኩዌት መብርሂ ከምዝደሊይ ድማ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ኩዌት ትሰርሕ ዝነበረት ናይ ገዛ ሰራሕተኛ ብዘስካሕክሕ ኩነታት ምስተቐትለት፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ሞንገአን ዝተፈጠረ ምስሕሓብ ንክፍታሕ እናፈተና መፂአን ነይረን።

ይኹን 'ምበር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ፊሊፒንስ፡ ብቖፀርተን ጥቕዓት ንዝበፅሓን ፊሊፒናውያን ሰራሕተኛታት እንትሕግዝ ቪድዮ ተርኣዩ።

ነዚ ተግባር ዝረኣየት ኩዌት፡ "ሕጊ እታ ሃገር ጥሒሱ'' ብምባል ኣምባሳደር ፊሊፒኒስ ካብታ ሃገር ንክወፅእ ኣዚዛ።

በቲ ኤምባሲ ዝተቖፀራ ኣርባዕተ ፊሊፒኒውያን ብፖሊስ ኩዌት ተኣሲረን ዝነበራ እንትኾና፡ ሰለስተ ዲፕሎማሰኛታት ድማ ብዋሕስ ከምዝተፈትሑ መንግስቲ ፊሊፒኒስ ይገልፅ።

260 ሽሕ ፊሊፒኒውያን ኣብ ኩዌት ዝሰርሑ እንትኾኑ ካብዚ እተን ክልተ ኢድ ኣብ ገዛ ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ እየን።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ፊሊፒኒስ፡ ኣብ ኩዌት ዝርከብ ኤምባሲኡ፡ ኣብ ገዛ ንዝሰርሓ ፊሊፒናውያን እንተድሕን ዘርኢ ቪድዮ ዕላዊ ገይሩ እዩ።

ካብ ሞንጎ እዞም ምስልታት እቲ ሓደ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ካብ ሓደ ህንፃ ብምህዳም፡ ከድሕና ናብ ዝተዳለወ መኪና እንትትኣትው የርእይ።

ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ድማ፡ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኩዌት፡ ኣብ ሃገሩ ንዝነበሩ ኣምባሳደር ፊሊፒኒስ ሬናቶ ፔድሮ ቪላ ፐርሶና ኖን ግራታ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ካብታ ሃገር ንክወፅኡ ኣዚዙ።

"ኣባላት ኤምባኢ ፊሊፒኒስን ካልኦትን" ፊሊፒናውያን ሰራሕተኛታት ገዛ ብቅሉዕ ኣዘዋዊሮም ብምባል፡ ሕጊ እታ ሃገርን ዓለም ለኻዊ ሕግታት ዲፕሎማስን ጥሒሶም ክትብል ትኸስስ።

እዚ ጉዳይ ናብ ሕጊ ከምትወስዶ ድማ ኩዌት ኣፍሊጣ።

መንግስቲ ፊሊፒኒስ እውን ዋላ እኳ ንኩዌት ይቕረታ እንተሓተተ፡ ኤምባሲ ነዚ ክትግብር ዝኸአለ ኣብ ጭንቂ ዝርከባ ፊሊፒናውያን ሰራሕተኛታት ገዛ ንከድሕነን ስልኪ ስለዝተደወሎ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ፊሊፒኒስ፡ ኣብ ማኒላ ንዝርከብ ኣምባሳደር ኬዌት ብስጉምቲ እታ ሃገር ከምዝደንገፁን ከምዘይተሓጎሱን ደብዳበ ፅሒፎም ነይሮም።

እቶም ሚኒስትር፡ ኣምባሳደር ኩዌት ሳላሕ ኣሕመድ ኣልቲዋይክህ ነዚ ተግባር ንክቃወሙ ዋላ እኳ እንተፀውዑ፡ እቲ ኤምባሲ ግና ምርመራታት ከምዘካይድ ገሊፅሎም።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ምውት ኣካል ፊሊፒኒሳዊት ጆሃና ዲማፍሊስ፡ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ደሃይ ምስጠፍአ እዩ ኣብ ፍሪጅ ዝተረኸበ

ከም ኣገላልፃ እቶም ሚኒስትር እቶም ኣምባሳደር፡ ብመንግስቲ ኩዌት ዝተኣሰሩ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ፊሊፒኒስ ከምዝፍትሑ ቃል ኣቲወምሎም እዮም።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ እቶም ኣምባሳደር

  • ኣብ መዕቖቢ ዝርከቡ ልዕሊ 800 ፊሊፒናውያን ናብ ሃገሮም ንክምለሱ ከተሓባብር
  • ግዘ ሕድሳት ዝሓለፎ ቪዛ ሒዞም ብምርካቦም ዝተኣሰሩ ፊሊፒናውያን ሰብኣውነት ብዘለዎ መንገዲ ጉዳዮም ክረአ
  • ሰብኣዊ ግህሰት ዝተፈፆሞም ፊሊፒናውያን ፍትሒ ከምዝረኽቡ ኣምባሳደር ኩዌት ቃላ ኣትዮም እዮም

ኣስከሬን ፊሊፒናዊት ጆሃና ዴማፍሊስ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ደሃይ ምጥፋእ፡ ኣብ ፍሪጅ ካብ ዝርከብ ንደሓር፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ፕረዚደንት ፊሊፒኒስ ሮድሪጎ ዱተርቴ፡ ኣብ ኬዌት ዝሰርሑ ፊሊፒናውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ፃውዒት ምቕራቦም ይዝከር።

ጆሃና ብኣስራሕታ ሊባኖሳዊ ናደር ኢሳም ሓሰንን ብበዓልቲ ገዝኡ ሶርያዊት ሞናን እያ ብዘስካሕክሕ ኩነታት ዝተቀተለት።

በዚ ድማ ብሞት ንክቕፅዑ ዝተወሰነ እንትኸውን፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናደር ኣሳፍ ኣብ ሊባኖስ፡ ሞና ድማ ኣብ ሶርያ ተኣሲሮም ይርከቡ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት