ፕሬዚደንት ቡሃሪን ፕረዚደንት ትራምፕን ኣብ ዋሽንግተን ይዝትዩ ኣለዉ

ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሃመዱ ቡሃሪ (ጸጋም) ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሃመዱ ቡሃሪ (ጸጋም) ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ

ኣብ ርእሰ ከተማ ኣሜሪካ ዋሺንግተን ዲሲ ምስ ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝዝትይ ዘሎ ፕሬዚደንት ናይጀርያ ሙሓመድ ቡሃሪ፡ ካብ መራሕቲ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ፡ ብፕሬዚደንት እታ ሃገር ስሩዕ ኣቀባብላ ዝተገበረሉ ፈላሚ ኣፍሪቃዊ መራሒ እዩ።

ትራምፕ፡ "ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ናይጄርያውያን ዝፍፀም ዘሎ ቅትለት ከቢድ እዩ፡ ኣብዚ ጉዳይ ጠንኪርና ክንሰርሓሉ ይግባእ፡ ምኽንያቱ ከምዚ ዓይነት ተግባር ንክፍፀም ስለዘይንፈቅድ" ክብል፡ ንቡሃሪ ኣብ ቅድሚኡ ተዛሪብዎ።

መራሕቲ ክልትኤን ሃገራት ኣብ ክልቲኣዊ ጉዳያት ቁጠባን ድሕነትን ከምዝዝትዩ'ውን ይእመት።

ቅድሚ ሎሚ ፕሬዚደንት ትራምፕ ንሃገራት ኣፍሪቃ 'ረስሓት' ብዛዕባ ዝበሎ ጉዳይ'ውን ክለዓል ይኽእል እዩ ይብሉ ተንተንቲ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ፡ እዚ ወረ እዚ ኣብ ማዕኸናት ዜና ብሰፊሑ ምስተቓልሐ፡ "ኣይበልኩን ሓሶት'ዩ" ክብል ከምዝነጸጎ ይዝከር።

ፕረዚደንት ናይጀርያ ኣብ ሃገሩ ብዘሎ ' ሽበራዊ ጉጅለ' ቦኮሓራም ቅሳነት ከምዝሰኣነ ዝፍለጥ'ዩ። ብምዃኑ ጉዳይ ግብረ ራዕዲ ሓደ ካብ ቀንዲ ኣጀንዳ ክልቲኦም መራሕቲ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ናይጀርያ፡ ኣንጻር ቦኮሓራም እትዋገአሉ ኣስታት 5 ሚኢቲ ሚልዮን ዶላር ዝዋግአን 12 ዘበናውያን ነፈርቲ ኵናት ሸይጣትላ እያ።

Image copyright Boko Haram
ናይ ምስሊ መግለጺ ዕጡቓት ቦኮሓራም

ቁጠባዊ ምትሕብባር ሃገራት ኣሜሪካን ናይጀርያን ንምስፋሕ ፕሬዚደንት ሙሓመድ ቡሃሪ ምስ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዝነጥፉ ሰብ ሃብቲ ኣሜሪካ ክዝቲ ትጽቢት'ሎ።

ፕሬዚደንት ሙሓመድ ቡሃሪ ኣብ 2019 ኣብ ዝካየድ ፕሬዚደንታዊ መረጻ ተዓዋቲ ንምዃን ኣብ ዘኽእልዎ ርእሰ ጉዳያት እውን ምስ ትራምፕ ከውግዕ'ዩ ተባሂሉ'ሎ።

ጎኒ ጎኒ ርክብ ክልቲኦም ፕረዚደንትታት፡ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ናይጀርያ ምስ መራሕቲ ትከላት መጓዓዝያ ኣሜሪካ ከምዝዘራረቡ እውን ተሓቢሩ'ሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት