ሰሜን ኮርያ፡ `ሓቀኛ ዕድል` ንስምምዕ ምጥፋእ ኑክሌር

11 ለካቲት 2013 ካብ ሳትላይት ዝተወሰደ ስእሊ ናእቲ ኣብ ሰሜን ኮርያ ዝርከብ ናቑጣ መፈተኒ ኑክሌር ፑንግየ-ሪ። Image copyright DigitalGlobe
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ሰሜን ኮርያ ዝርከብ ናቑጣ መፈተኒ ኑክሌር ፑንግየ-ሪ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐዮ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕን መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ኣብ ዝራኸብሉ እዋን ስምምዕ ንምግባር `ሓቀኛ ዕድል` ኣሎ ኢሉ። ሰሜን ኮርያ ኑክሌራዊ ኣጽዋራ ንምጥፋእ ሓደ `ዘይምለስ` ስጉምቲ ክትወስድ ኣለዋ ኢሉ ንሱ ምስ ኤ ቢ ሲ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት።

ፖምፐዮ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ከም ሓላፊ ናይ ሲ ኣይ ኤ (ትካል ስለያ ኣሜሪካ) ምስ ሚስተር ኪም ብምስጢር ተራኺቡ ነይሩ፡ እቲ ዝርዝራት ናይ ርክቦም ግን ድሒሩ`ዩ ወጺኡ።

ፕረሲደንት ትራምፕ ንሓውሲ-ደሴት ኮርያ ኑክሌር ኣልቦ ንምግባር ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ክራኸብ ትጽቢት ይግበረሉ።

ሚስተር ፖምፐዮ ኣብ ዘረብኡ፡ ንሰሜን ኮርያ ኑክሌር ኣልቦ ንምግባር ክጻረ ዝኽእል መስርሕ ኣልዒሉ ክዝትይ ከምዘለዎ ፕረሲደንት ትራምፕ ኣነጺሩ ከምዝነገሮ ሓቢሩ። ብዛዕባ`ቶም ብሰሜን ኮርያ ተታሒዞም ዘለዉ ኣሜሪካውያን`ውን ዘትዩ።

ሓድሽ ኣማኻራ ኣብ ጉዳያት ጸጥታ ኣሜሪካ ጆን ቦልተን ብወገኑ እቲ ምስ ሊቢያ ዝተገብረ ኣዕነውቲ ኣጽዋራታ ናይ ምጥፋእ ስምምዕ ምስ ሰሜን ኮርያ ኣብ ዝግበር ስምምዕ ከም መርኣያ ክትጥቀመሉ ከምዝክኣል ንፎክስ ኒውስ ሓቢሩ።

መራሒ ሊቢያ ነበር ሙዓመር ቓዛፊ ብኣምሳያ ምልዓል ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ዝተነብረ ማዕቀብ፡ መደብ ምስራሕ ኣዕነውቲ ኣጽዋራቱ ከዕኑ ኣብ 2003 ምስ ሓያላን ሃገራት ምዕራብ ተሰማሚዑ ነይሩ።

`ርኡያት ዝኾኑ ፍልልያት ኣለዉ። እቲ ናይ ሊቢያ መደብ ኣዝዩ ንእሽቶ`ዩ ነይሩ፡ እንተኾነ ግን እቲ ዝገበርናዮ ውዕል ብመሰረቱ ንሱ`ዩ ነይሩ` ኢሉ ቦልተን።

ኣብ ባይታ እንታይ`ዩ ዝኸውን ዘሎ?

ደቡብ ኮርያ፡ እቲ ኣብ ፑንግየ-ሪ ዝርከብ መፈተኒ ኑክሌር ናይ ሰሜን ኮርያ ክዕጾ`ዩ ኢላ።

ሚስተር ኪም ነቲ `ናይ ኑክሌር ነቑጣ ኣብ ወርሒ ግንቦት ከምዝዓጽዎ ኣፍሊጡ`ሎ` ኢሉ ኣፈኛ ፕረሲደንት ዩን ዮንግ-ቻን።

ክኢላታት ደቡብ ኮርያን ኣሜሪካን ድማ ነቲ ምዕጻው ክዕዘቡ ክዕደሙ`ዮም። ሰሜን ኮርያ ግን ብዛዕባ`ዚ ጉዳይ`ዚ ብግልጺ ዝበለቶ ነገር የለን።

ቻይናውያን ስነ-ፍልጠታውያን ግን እቲ ነቑጣ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ብኸፊል ተረኹሚሹ ክኸውን ይኽእል`ዩ ኢሎም።

ሚስተር ኪምን ፕረሲደንት ደቡብ ኮርያ ሙን ጃይ-ኢንን ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝገበርዎ ታሪኻዊ ርክብ ኣብ ጉዳይ ኑክሌር ኣልቦነት ተሰማሚዖም`ዮም። እቲ ርክብ፡ ናይ ሰሜን ኮርያ ናይ ኣዋርሕ ናይ ቃላት ውግእ ስዒቡ`ዩ ተኻይዱ።

ብዛዕባ`ቲ መፈተኒ ነቑጣ እንታይ ይፍለጥ?

Image copyright KCNA
ናይ ምስሊ መግለጺ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ኣብ ናቑጣ ኑክሌር

እዚ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ጎቦ ተደኲኑ ዝርከብ ነቑጣ እቲ ቀንዲ መሳለጢ ኑክሌር ናይ ሰሜን ኮርያ ምዃኑ ይግመት።

እቶም ፈተነታት ኑክሌር ኣብ ጥቓ ፑንግየ-ሪ ኣብ ትሕቲ ጎቦ ማንታብ ኣብ ዝተሰርሑ ገለርያታት`ዮም ክካየዱ ጸኒሖም።

ካብ 2006 ንነጀው ድማ ሽዱሽተ ፈተነታት ኑክሌር ተኻይዶም።

ድሕሪ`ታ ኣብ መስከረም 2017 ዝተገብረት ናይ መወዳእታ ፈተነ ግን ተኸታተልቲ ድሕረ-ነውጺ ነቲ ነቑጣ ስለዘናወጽዎ ገለ ውሽጣዊ ክፋል ናይቲ ጎቦ ፈሪሱ ክኸውን ይኽእል`ዮ ይብሉ ፈላጣት ራዕዲ መሬት።

መራሒ ሰሜን ኮርያ `(ሰሜን ኮርያውያን) ዘይሰርሑ መሳለጥያታት`ዮ ዝዓጽዉ ዘለዉ ይብሉ። እንተኾነ ግን እቶም መሳለጥያታት ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘለዉ ክትርእይዎም ኢኹም` ከምዝበለ ሚስተር ሙን ብሰንበት ገሊጹ።

እቲ ሓበሬታ ናይ`ቲ ነቑጣ ካብ ምስሊ ሳተላይትን ኣብቲ ቦታ ኣብ ዝርከቡ መሳርሕታትን ብዝተገብረ ምክትታልን`ዩ ተረኺቡ።

ምህናጽ ምትእምማን

ትንታነ ብልኡኽ ቢቢሲ ኣብ ኮርያ ላውራ ቢከር

እዚ ብኪም ጆንግ-ኡን ዝተወስደ ተወሳኺ ኣገዳስን ትእምርታውን ስጉምቲ`ዩ።

ነቲ ናይ ፑንግየ-ሪ ነቑጣ ክዓጽዎ ምዃኑ ድሮ ሓቢሩ ነይሩ`ዩ። ሕጂ ግን ካብ ደቡብ ኮርያን ኣሜሪካን ፈላጣትን ማዕከናት ዜናን ዓዲሙ ግሁድ ክገብሮ ምዃኑ ንሰበ-ስልጣን ደቡብ ኮርያ ሓቢሩ ኣሎ።

ምስ ኣሜሪካ ምትእምማን ክምስረት ተስፋ ከምዘለዎ ድማ ንፕረሲደንት ሙን ሓቢርዎ`ሎ። ደቡብ ኮርያን ኣሜሪካን ንውግእ ሓውሲ-ደሴት ኮርያ ብወግዒ ከምዘኽትም እንተድኣ ገይረንኦ፡ ሃገሩ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ክትውንን ከምዘየድልያ ድማ ገሊጹ።

ኣብታ ኣብ ዶብ ናይ ክልቲኤን ኮርያታት እትርከብ ርክብ ዝተገብረላ ገዛ ክልተ ዝተፈላለየ ጊዜ (ታይም ዞን) ዘርእያ ሰዓታት ኣብ መንደቕ ተንጠልጢለን ምስ ረኣየ ልቡ ከምዝተሰብረ ገሊጹ። ሕጂ ግን እቲ ኣቆጻጽራ ሰዓት ናይ ሰሜን ኮርያ ምስቲ ናይ ደቡብ ኮርያ ሓደ ከምዝኸውን ክገብሮ`ዩ።

ካልእ ዝተገብረ ስምምዕ እንታይ ነይሩ?

ነቲ ኣብ 1953 ኣብ መንጎ ክልቲኤን ኮርያታት ዝተገብረ ተዂሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ኣኽቢርካ፡ ንውግእ ኮርያ ብወግዒ ደው ንምባል፡ ምስ ኣሜሪካን ቻይናን ዘተ ክካየድ ክጽዕቱ ምዃኖም ሚስተር ኪምን ሚስተር ሙንን ሓቢሮም ኣለዉ።

እቲ መብጽዓ ንኑክሌር-ኣልቦነት ግን ብግልጺ ንሰሜን ኮርያ ኑክሌራዊ ምንቅስቃሳ ደው ከተብል ዝጠልብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሓፈሻ `ኑክሌር-ኣልቦ ሓውሲ-ደሴት ኮርያ` እዩ ዝብል።

ተወሳኺ ዛንታ