ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣሕመድ ሳሕ ኣብ ኣፍጋኒስታትን ብዝተፀመ መጥቃዕቲ ተቐቲሉ

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣሕመድ ሳሕ
ናይ ምስሊ መግለጺ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣሕመድ ሳሕ ስሙይ ጋዜጠኛ ነይሩ

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣሕመድ ሳሕ፡ ኣብ ምዕራባዊ ኣፍጋን ኣውራጃ ኮስት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ተቐቲሉ።

ወዲ 29 ኣሕመድ ኣብ ኣፍጋን ኣብ ዝርከብ ቢቢሲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ሪፖተርተር ኮይኑ ሰሪሑ።

ዳይረክተር ቢቢሲ ወርልድ ሰርቪስ ጀሚ ኣንገስ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ "ክቡርን ስሙይን" ጋዜጠኛ ክብል ገሊፅዎ።

"ንመሓዙትን ስድራን ኣሕመድ ከምኡ'ውን ንኹሎም ኣባላት ቢቢሲ ኣፍጋን ልባዊ ምፅንዕናዕ ይምነ" ኢሉ።

ንስድርኡ ንምሕጋዝ ድማ ብዝካኣል ይስራሕ ምህላዉ ተዛሪቡ።

ፖሊስ ኣውራጃ ኮስት ንቢቢሲ ኣፍጋን ከምዝሓበሮ፡ ሳሕ መንነቱ ካብ ዘይተፈለጥ ዕጡቕ ብዝተተኮሰ ጥይት'ዩ ተቐቲሉ። ፖሊስ ምርመራ የካይድ ምህላው'ውን ሓቢሩ።

ኣሕመድ ሳሕ፡ እቲ መጥቃዕቲ ክፍፀም ከሎ ኣብ ብሽክሌትኡ ከምዝነበረ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ተዛሪቦም። ናብ ሆስፒታል'ኳ እንተተወሰደ ህይወቱ ምትራፍ ኣይተኽኣለን።

ኣብ ኣፍጋኒስታን ሎሚ ሰኑይ ጥራሕ ብዉሕድ ካልኦት ክልተ ከበድቲ መጥቃዕትታት ተፈፂሞም።

ኣብ ርእሰ ከተማ ካቡል ብዝተፈፀሙ ክልተ መጥቃዕትታት ነታጒ፡ ንሸሞንተ ጋዜጠኛታትን ኣርባዕተ ኣባላት ፖሊስን ሓዊሱ፡ ብዉሑድ 25 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሚንስትር ሃገራዊ ጉዳያት ናጂብ ዳኒሽ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ኣብ ዞባ ካንዳሃር ብዝተፈፀመ ዓርሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ 11 መጥቃዕቲ ተቐቲሎም፤ ብዙሓት ቆሲሎም።