እስራኤል ናይ ኢራን መደብ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ዘርእዩ ሰነዳት ረኺበ ትብል

ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ኔታንያሁ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ኔታንያሁ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐዮ እቲ እስራኤል ረኺበዮ እትብሎ ዘላ ናይ ኢራን ናይ ኑክሌር መደባት ዘቃልዕ ልዑል ምስጢራዊ ሰነዳት፡ ኢራን ብዛዕባ`ቲ ጉዳይ ከምዝሓሰወት`ዩ ዘርኢ ኢሉ። እቲ ተረኺቡ ዘሎ ሰነዳት እቲ ኣብ መንጎ ኢራንን ካልኦት ሽዱሽተ ሃገራትን ኣብ 2015 ዝተኸተመ ናይ ኑክሌር ውዕል ኣብ ጽቡቕ እምነት ዝተመርኮሰ ከምዘይኮነ የመልክት ኢሉ ንሱ።

ፕረሲደንት ትራምፕ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ነቲ ውዕል ናይ ምርሕራሕ ድሌቱ ከርኢ ጸኒሑ`ዩ፡ ኣብ ዝመጽእ ሳምንታት ድማ ውሳነ ክህብ`ዩ።

ኢራን ግን እቶም ሰነዳት `ቅርጺ ለዊጦም ዝመጹ ጠቐነታት` እዮም ክትብል ገሊጻቶም ኣላ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ናታንያሁ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ኣሽሓት `ምስጢራውያን ናይ ኑክሌር ሰነዳት` ክብል ዝገለጾም ሰነዳት ኢራን ብሕቡእ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ንምስራሕ መደብ ከምዘለዋ`ዮም ዘረጋግጹ ኢሉ። እዚ ድማ ኣንጻር`ቲ ኢራን ብኣምሳያ ኣብ ልዕሊኣ ተነቢሩ ዝነበረ ማዕቀብ ንምልዓል ናይ ኑክሌር መደባ ንምዕጋት ኣብ 2015 ዝተኸተመ ውዕል`ዩ።

ኢራን ግን ኑክሌራዊ ጸዓት ጥራይ ክትሃንጽ ከምትደሊ`ያ ትገልጽ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ናታንያሁ ግን ኢራን ክሳብ 2003 `ፕሮጀክት ዓማድ` ዝብል ናይ ሚስጢር ስም ዝተዋህቦ ሕቡእ ናይ ኑክሌራዊ ኣጽዋር መደብ ነይርዋ ክብል ጠቂንዋ። ፕሮጀክት ኣሕመድ ምስተዓጽወ`ውን እንተኾነ ኢራን ኣፍልጦ ኑክሌራዊ ኣጽዋራት ምምዕባል ቀጺላ`ያ ኢሉ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ጃቫድ ዛሪፍ ድማ እቲ ተግባር ናይ ናታንያሁ፡ ትራምፕ ኣሜሪካ ኣብቲ ናይ 2015 ናይ ኑክሌር ውዕል ክትጸንዕ ድያ ኣይትጸንዕን ኢሉ ንዝወስዶ ውሳነ ንምጽላው ኢልካ ዝተኣልመ `ቆልዓዊ` ስራሕ እዩ ኢሉ።

እቲ ኣብ ልዕሊ`ቲ ኣብ እዋን ፕረሲደንትነት ኦባማ ዝተገብረ ውዕል ሕጉስ ከምዘይኮነ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ዝጸንሐ ትራምፕ፡ ነቲ ብናትንያሁ ዝቐረበ መግለጺ ብኸፊል ከምዝረኣዮ ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ ኩነታት `ቅቡል ኣይኮነን` ኢሉ። ነቲ ውዕል ከጽድቖ ድዩ ኣይከጽድቖን ድማ ንዕለት 12 ግንቦት ወይ`ውን ቅድሚኡ ውሳነ ክህብ ምዃኑ ሓቢሩ`ሎ።

ካብ ዋይት ሃውስ (ቤተ-መንግስቲ ኣሜሪካ) ዝተዋህበ መግለጺ ድማ ኣብ ትሕዝቶ መግለጺ ናታንያሁ `ደረኽቲ ዝኾኑ ሓደሽቲ ዝርዝራት` ኣለዉ ኢሉ።

ፖምፐዮ ኣንታይ`ዩ ኢሉ?

`እቶም ብእስራኤል ካብ ውሽጢ ኢራን ዝተረኽቡ ሰነዳት፡ ስርዓት ኢራን ሓቂ ክዛረብ ከምዘይጸንሐ ብዘይጥርጥር የርእዩኻ` ኢሉ ፖምፐዮ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።

`እቶም ዝረኣናዮም ሰነዳት ሓቀኛታት ምዃኖም ኣረጋጊጽና`ለና` ኢሉ። `ክሳብ ሎሚ፡ ኢራን ሰፊሕ ናይ ኣቶሚክ ቤተ-መዝገብ ካብ ዓለምን ካብ ዓለማዊ ኣቶሚክ ኤነርጂ ኤጀንሲ (ኣይ ኤ ኢ ኤ)` ሓቢኣ`ያ ድማ ኢሉ።

ኣሜሪካ `እቲ ምርካብ ናይቶም ምስጢራውያን ናይ ኢራን ናይ ኑክሌር ሰነዳት ንመጻኢ እንታይ ማለት ከምዝኾኑ ተጽንዖ ከምዘላ`ውን` ኣጠንቂቑ።

Image copyright EPA

ናታንያሁ እንታይ ጭብጢ ኣቕሪቡ?

ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ኣብ ዝርከብ ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል ተረኺቡ ብቛንቋ እንግሊዝኛ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሚስተር ናታንያሁ ካብ ኣብ ውሽጢ ቴሄራን ኣብ ዝርከብ ምስጢራዊ መኽዘን ብትካል ስለያ እስራኤል ዝተረኽበ `ሓቀኛ ቅዳሓት` ብዛዕባ ዝበሎም ሰነዳት ኣርእዩ።

ንፕሮጀክት ዓማድ ዝምልከቱ 55,000 ገጻት ዝሓዙ ጭብጥታትን ካልኦት 55,000 ሰነዳት ድማ ኣብ 183 ሲዲታት ከምዘለዉ ገሊጹ።

እቲ ፕሮጀክት ነፍሲ ወከፎርም 10 ኪሎቶንስ ቲ ኤን ቲ ዝኽብደቶም ሓሙሽተ ተሰከምቲ ኣጽዋር (ዎርሄድስ) ናይ ምስራሕ ቅሉዕ ዓላማ ነይርዎ ኢሉ።

`እዞም ሰነዳት`ዚኦም ኢራን ፈጺማ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ክትሰርሕ መደብ ከምዘይብላ ከይሓነኸት ከምዝሓሰወት ብዘየጠራጥር መንገዲ የረጋግጹ` ድማ ኢሉ።

እስራኤል ነቶም ሰነዳት ንኣሜሪካ ከምዘርኣየታን ንኣይ ኤ ኢ ከተረክቦም ምዃና ድማ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ኣብ 2007 `ብልዑል ምትእምማን` ዝወጽአ ናይ ኣሜሪካ ሃገራዊ ምጽንጻን ግምት፡ ኢራን ክሳብ 2003 መደብ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከምዝነበራን ከምዘለዋ ምስተፈልጠት ግን ደው ኣቢላቶ ነይራ።

ናታንያሁ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቶም ተረኺቦም ዝተባህሉ ሰነዳትቲራን `ንፕሮጀክት ዓማድ ኣብ ዝመረጸቶ እዋን ንኽትጥቀመሉ ብምስጢር ከምዝዓቀበቶ` ገሊጹ።

እቲ ናይ 2015 ውዕል ከመይ`ዩ ክሰርሕ ተወጢኑ?

እቲ ኣብ መንጎ ተሄራን፣ ኣሜሪካ፣ ቻይና፣ ሩስያ፣ ጀርመን፣ ፈረንሳን ብሪጣኒያን ዝተኸተመ ውዕል ኣብ ልዕሊ ኢራን ተነቢሩ ዝነበረ ኣሰንካሊ ማዕቀብ ከምዝለዓል ገይሩ፡ ብኣምሳያኡ ድማ ኢራን ናይ ኑክሌር መደባ ክትገትእ ይጠልብ።

ኢራን ነቲ መደብ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ክትሰርሓሉ ከምትኽእል ፍርሕታት ጸኒሖም`ዮም።

ብመሰረት`ቲ ውዕል፡ ኢራን ንቑጽሪ ናይቶም ዩራኒየም ዘማዕብሉ ማሺናታ ከተጉድሎም ትሕተት። ነቲ ድሮ ዝማዕበለ ዩራኔም ከኣ ኣጸቢቓ ከተጉድሎ ትሕተት።

ድሕሪ እቲ ውዕል፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ነቑታታት ናታንዝን ፎርዶን ተተኺሎም ዝርከቡ ማሽናት ኣዝዩ ከምዝጎድል ተገይሩ ነይሩ። ትሑት ምዕባለ ዘለዎም ዩራኔም ድማ ናብ ሩስያ ተሰዲዶም።

ተቖጻጸርቲ ናይ ኣይ ኤ ኢ ድማ ኣብ ናይ ኢራን ኑክሌራዊ ነቑጣታት ሓጺር ምብጻሕ ከካይዱ ጸኒሖም`ዮም።

ኣብ መንጎ እስራኤልን ኢራንን ዘሎ ቅርሕንቲ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ`ዩ?

ኢራን ወተሃደራዊ ህላዌኣ ኣብ ሶርያ ምስ ኣማዕበለቶ፡ እቲ ኣብ መንጎ`ዘን ናይ ነዊሕ እዋን ተጻባእቲ ዝኾና ሃገራት ዝጸንሐ ወጥሪ እናዓበየ መጺኡ።

ኢራን ነቲ ጸላኢ ናይ እስራኤል ዝኾነ ሺዓ ኣስላም ዕጡቕ ጉጅለ ሕዝቦላህ ናይ ሊባኖስ ኣጽዋር ብምሕጋዝ`ውን ትውቀስ`ያ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ናታንያሁ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ኢራን ወተሃደራዊ ህላዌኣ ኣብ ሶርያ ከይተሕይል ደው ንምባላ ክፍክር ጸኒሑ`ዩ።

ብሰንበት ለይቲ ድማ ፈጻሚኦም ዘይተፈልጡ ሓያሎ መጥቃዕትታት ተኻይዶም ብርክት ዝበሉ ኢራናውያን ከምዝተቐትሉ ይንገር።

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብዚ ወርሒ`ዚ፡ ሕቡኣት ቀመማዊ ኣጽዋር ናይ ሶርያ ዝስራሓሎም ዝበሃሉ ዒላማታት ብምዕራባውያን ሃገራት ተወቒዖም ነይሮም።

እስራኤል`ውን እንተኾነት ኣብ ውሽጢ ሶርያ ሓይልታት ኢራን ይጥቀሙሎም`ዮም ዝበሃሉ መሳለጥያታት ዒላማ ዝገበሩ ብደርዘናት ዝቑጸሩ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕትታት ኣካይዳ`ያ ትበሃል።