ኣብ ደቡብ ሱዳን ተጨውዮም ዝነበሩ ዓሰርተ ሰራሕተኛታት ረድኤት ድሒኖም

ባንዴራ ደቡብ ሱዳን Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ደቡብ ሱዳን

ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዕጠቓት ተጨውዮም ዝነበሩ ዓሰርተ ሰራሕተኛታት ረድኤት ከምዝድሓኑ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ዓለም ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዕለተ ሓሙስ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ዓለም ለኸ ትካላትን ዝተዋጽኡ ሰራሕተኛታት ረድኤት ካብ ከባቢ የይ ከምዝተሰወሩ ምቅላሕና ዝዝከር'ዩ።

እቶም ካብ መጭወይቲ ዝደሓኑ ሰራሕተኛታት ካብ የይ ተበጊሶም ብነፋሪት ናብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ሱዳን ጁባ ከምዝኣተዉ ሓላፊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ዓለም ኣብ ደቡብ ሱዳን ፍራንኮይስ ስታምን ገሊጹ።

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ዓለም ዝተጨወዩ ሰባት ተላዚቡ ኣብ ምፍታሕ ናይ ነዊሕ ግዜ ተሞክሮ ከምዘለዎ ፍራንኮይስ ስታምን ወሲኹ ሓቢሩ።

ንባዕሉ 'ኤስፒኤልኤ' ኢሉ ዝጽውዕ ነቶም ሰራሕተኛታት ዝጨወየ ዓማጺ ጉጅለ 'ብዘይ ፍቓድ ናብ ሓራ መሬተይ ስለዝኣተዉ'ዮም ኣብ ቁጽጽር ውዒሎም' ዝብል ምላሽ ሂቡ'ሎ።

ኣብ መንጎ መንግስትን ዕጡቓት ሓይልታትን ተደጋጋሚ ስምምዓት ዝተገበሩ እኳ እንተኾኑ ልውውጥ ተኹስን ሓድሕዳዊ ኵናትን ግን ደው ከብሉ ኣይከኣሉን።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብዚ ወርሒ ጥራይ ከምዚ ዓይነት መጭወይቲ ከጋጥም ንኻልኣይ ግዜ'ዩ።