ኢትዮጵያን ጂቡቲን ኣብ ዝተፈላለየ ጽላት ቁጠባ ሓቢረን ከልምዓ ተሰማሚዐን

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ጁቡቲ እስማዒል ጊለ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ርክብ ኢትዮ ጁቡቲ

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዘካየድዎ ፈላሚ ኣህጉራዊ ዑደቶም፡ ምስ ፕረዲዘንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጊሌ፡ ኢትዮጵያን ጂቡትን ኣብ ብርክት ዝበሉ ዓውድታት ቁጠባ ዝነበረን ምትሕብባር ናብ ደረጃ ሽርክነታዊ ዋንነት ንምዕባይ ብሓባር ክሰርሓ ዘኽእለን ዘተ ኣካይዶም።

ኣብዚ ግዜ፡ እተን ሃገራት ተጠቃምነተን ኣብ ከዕብዩ ዝኽእሉ ፕሮጀክታት ብሓባር ንምስራሕ ካብ ምስምማዕ ሓሊፉ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ነባርን ሓዱሽ ዝህነጹ ወደባት ብጽሒት በዓል ዋንነት ክህልዋ፡ ጅቡቲ ድማ ኣብ ቴሌኮም፣ ምርግጋጽ ዉሕስነት ምግብን ካልኦትን ተመሳሳሊ ብጽሒት ክህልዋ መራሕተን ተሰማሚዖም።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ሻሜቦ ሲታሞ፡ ትማሊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ ብወደብ ጅቡቲ 80 ሚእታዊት ኣታዉን ወጻእን ንግዲ ብምምልላስ ተጠቃሚት ዝኾነት ኢትዮጵያ በዚ ሓዲሽ ስምምዕ ዋንነት ሽርክነት ክህሉዋ ዕድል ዝፈጥር'ዩ ኢሎም።

"ኢትዮጵያ ወደብ ጅቡቲ ትጥቀም'ኳ እንተኾነት፡ ክሳብ ሕዚ ግና ብመልክዕ ብጽሒት ዝግለጽ እጃም ኣይነበራን። ኢትዮጵያ ኣብቲ ወደብ ኢንቨስት ክትገብር ዘቕረበቶ ሕቶ ካብ ወገን ጅቡቲ እወንታዊ ምላሽ ረኺቡ ኣሎ። ዝርዝር ኣፈጻጽማ እዚ ስምምዕ ካብ ክልቲኦም ዝተዋጽአ ኮሚቴ ዝፍጽሞ ኮይኑ፡ ኣብ ነባርን ሓደሽትን ወደባት ኢትዮጵያ ብጽሒት ክህልዋን በዓል ዋንነት ክስምዓን ኣብ ዝገብር ስምምዕ ግና ተበጺሑ ኣሎ" ክብሉ ይገልጹ።

እዘን ሃገራት ንዝሓለፉ ዓመታት ብርክት ዝበሉ ሓበራዊ ናይ ቁጠባ ዉህደት ፕሮጀክታት ሓንጺጸን ብሓባር እናሰርሓ ከምዝመጽኣ ዘልዓሉ እቶም ፕረዚደንት፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ኮሪደር ዝገበረቶ ወፍሪ ልዕሊ 12 ቢሊዮን ዶላር ቑጠባዉን ማሕበራዉን ምትእስሳር ክልቲኤን ሃገራት ንምጥንኻር ዝተገበረ መዋእለ ንዋይ ከምዝኾነ ይዛረቡ።

በብዓመቱ ካብ 1.5 ክሳብ 2 ቢሊዮን ዶላር ንኪራይ ወደብ ወጻኢ እትገብር ኢትዮጵያ በቲ ሓዱሽ መልክዕ ዘለዎ ክልትኣዊ ምትሕብባር ንምዕባይ ዝዓለመ ሓድሽ ስምምዕ ሓበራዊ ምልማዕ ወደብ ጅቡቲ ኣቢላ ድማ ካብ ክፍሊት ናጻ ዝኾነ ኣገልግሎት ክትረክብ ከምዝሕግዛ ኣምባሳደር ሻሜቦ ገሊጾም።

"በዚ ናይ ሕዚ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ ፍቓድ በዓል ዋንነት ረኺባ ነቲ ወደብ ንምምዕባልን ጸገማት እንተሃልዮም ድማ መፍትሒ ንምብርካትን ዕድል ክህልዋ'ዩ። ካብዚ ሓሊፉ ክልቲኤን ሃገራት ኩለ መዳያዊ ሓበራዊ ምትእስሳር ከምዘለወን መርኣዪ ከምዝኸውን፡ ንቑጠባዊ ዉህደት ዓብዪ እጃም ክህልዎ'ዩ"ዝብል መብርሂ ሂቦምና።

ብኻልእ ወገን፡ ጅቡቲ፡ ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ካልኦትን መዳያት ልምዓትን ብጽሒት ኣብ ዘለዎም ዓብዪ ሴክተር ንምስታፍ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ኣሎ። ቴሌኮም እቲ ሓደ ካብቶም መንግስቲ ጅቡቲ ተገዲሱ ከውፍረሉ ተበጊሱ ዘሎ ልምዓት'ዩ።

Image copyright James Jeffrey

ጅቡቲ፡ ኣብ ቴሌ ኮም ኾነ ካልኦት ስራሕቲ ኢንቨስትመንትን ክትሳተፍ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑሉ ኣሎ ዝበሉ እቶም ኣምባሳደር፡ "ኣገልግሎት ቴሌ ኮም ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ክጸንሕ ዝገበርናሉ ምኽንያት ሃገርና ካብቲ ዓዉዲ ክትረኽቦ ዝግባእ ረብሓ ንምሕላዉ'ዩ። መንግስቲ ጅቡቲ ኣብዚ ዓዉዲ ምስታፉ ሓደ ማሕበረሰብ ኢኮኖሚ ንምፍጣር ዝዓለመ እምበር ናይ ፖሊሲ ለዉጢ ዘምጽእ ኣይኾነን" ክብሉ ይዛረቡ።

ክልቲኤን ሃገራት ብባህልን ታሪኽን ዘተኣሳስር ታሪኽ ከምዘለወን ብምግላጽ ዝሃነጽኦ ርክብ ድማ ህዝቢ ንህዝቢ ብምቅርራብ ብሓባር ንምዕባይን ቑጠባዊ ደገፍ ንምግባርን ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት