መጥቃዕቲ ናይጄርያ፡ ኣብ መስጊድ ብዝተፈንጀረ ነታጒ 24 ሰባት ተቐቲሎም

ኣንፈት ሓባሪ ካርታ

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጄርያ ከተማ ሙቢ፡ ሓደ ለኪሙ ዝጠፍእ ብዘፈንጀሮ ነታጒ፡ ብውሑዱ 24 ሰባት ተቐቲሎም።

ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ሰዓት ንምስጋድ ኣብ ጥቓ መስጊድ ኣብ ልዕሊ ዝተኣከቡ ሰዓብቲ እምነት እስልምና እዩ እዚ መጥቃዕቲ ተፈፂሙ።

ክሳብ ሕዚ ነዚ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ዋላ እኳ እንተዘይሃለወ፡ እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ቦኮሓራም ግና፡ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ከተማ ሙቢ ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ዘርኢ ቪድዮ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።

ቦኮሓራም፡ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ካብ 2009 ጀሚሩ፡ ኣብ ሰሜናዊ ናይጄርያ እስላማዊ ግዝኣት ንምፍጣር እናዓመፀ መፂኡ እዩ።

በዚ ጉጅለ ዝተኻየደ ዓመፅ፡ ህይወት 20 ሽሕ ናይጄርያውያን ዝቐጠፈ እንትኸውን፡ ልዕሊ 2 ሚልየን ሰባት ኣመዛቢሉ።

ኮምሽን ፖሊስ እታ ግዝኣት ኣብዱላሕ የሪማ ከምዝገለፅዎ፡ መጀመርታ ኣብ መስጊድ ዝተፈንጀረ ነታጒ ሰዓት 6፡00 (12፡00) ናይ ቀትሪ እንትኸውን፡ ድሕሪ ቁሩብ ግዘ ድማ ብዙሓት ኣመንቲ ኣብ ዝንቀሳቐስሉ ከባቢ ለኪሙ ዝጠፍእ ካልኣይ ነታጒ ኣፈንጂሩ።

እዚ መጥቃዕቲ እንትፍፀም ዝረኣየ ምስክር ዓይኒ ኣብዱላሕ ላባራን፡ እቲ ቀዳማይ ለኪሙ ዝጠፍእ ውልቀ ሰብ፡ ናብቶም ኣመንቲ ብምፅንባር፡ ኣመንቲ ፀሎት ቅድሚ ምጅማሮም፡ ዝሓዞ ነታጒ ኣፈንጂሩ።

እቲ ካልኣይ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፍፀመሉ ድማ፡ ኣብቲ መስጊድ ዝነበሩ ኣመንቲ ናብ ፎቖዶ ዕዳጋ ከምዝተበተኑ ይዛረብ።

በዚ መጥቃዕቲ፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ዝተጎድኡ እንትኾኑ፡ ቁፅሪ መወትቲ ክውስኽ ከምዝኽእል እዩ ሓበሬታ ትካል ጥዕና ዝሕብር።

ከተማ ሙቢ፡ ብእስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ቦኮሓራም ብተደጋጋሚ ተጠቒዓ እያ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር፡ ኣብታ ከተማ ብለኪሙ ዝጠፍእ ኣብ መስጊድ ብዝተፈንጀረ ነታጒ፡ 50 ሰባት ምቅታሎም ይዝከር።

ቦኮሓራም፡ ስብከት እቲ ጉጅለ ዘይቕበላ መስጊዳት እታ ሃገር ብምጥቃዕ ይፍለጥ።