ፕሪምየርሊግ ኢትዮጵያ ንሒደት መዓልታት ክቋረፅ ተወሲኑ

ፕረዚደንት እቲ ፌደሬሽን ኣይተ ጁነዲ ባሻ Image copyright Getty Images/EFF

ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ፡ ጸወታታት ፕሪሚየር ሊግ ንሓጺር መዓልቲታት ክቋረጽ ብምውሳን ህጹጽ ኣኼባ ክካየድን ጸዊዑ።

ኣብ ሞንጎ ጋንታታት ወልዋሎ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራትን መከላከያን ዝነበረ ጸወታ፡ ብሰንኪ ምጉዳል ስፖርታዊ ጭውነት ክቋረጽ ከምዝኽኣለ ዝዝከር'ዩ።

ፕረዚደንት እቲ ፌደሬሽን ኣይተ ጁነዲ ባሻ "እቲ ትማሊ ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ዘጋጠመን ኣብ ወልድያን ካልኦት ቦታታትን ዘጓነፉ ጎንፅታትን ኣየሐጎሱናን" ክብሉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

እቲ ፌደሬሽን ነዚ ክጻወር ከምዘይክእል ዝሓበሩ እቶም ፕረዚደንት፡ ንመጻኢ ሓሙስ'ዩ ህጹጽ ኣኼባ ፀዊዑ ዘሎ።

"ንሓሙሽተ ሽድሽተ መዓልታት ፀዋታታት አቋሪፅና፡ ንድሕሪ ፅባሕ ሓሙስ ሓፂር ዘተ ኣካይድና ምትእምማን ብምፍጣር ነቲ ፀዋታ ንምጅማር ስለዝደለና እዩ። እዚ ግን ነቶም ንወስዶም ዲሲፕሊናዊ ስጉምትታት ደው ዘብል ኣይኮነን።" ኢሎም።

ንሰላማዊ ኣፈፃፅማ ስፖርታዊ ንጥፈታት ዝሕልዉ ሕግታት ብዝነበረ ኣካይዳ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ገሊፆም።

መምርሕታት በቢሰሙኑን በብወርሑን ምኽላስ ከምዘይከኣልን ትኽክል ከምዘይኮነን ብምሕባር "ዓሚ'ውን ትርር ዝበሉ መምርሕታት ኣውፂና ነይርና። መቕፃዕቲ ንብሕቱ ግን ንሰብ ዝእርም ኣይኮነን" ክብሉ ተዛሪቦም።

ስፖርትን ከባብያውነትን

ኣይተ ጁነዲ፡ ንስፖርት ምስ ዘርኣውነትን ከባብያውነትን ኣታሓሒዝካ ናብ ዘይድለ ጎንፅን ዕግርግርን ምእታው ከምዘሎ፡ ፌደሬሽኖም ከምዝተዓዘበ ተዛሪቦም።

"ካብ ኩዕሶ እግሪ ብዝሰገረ ዝረኣዩ ነገራት ነይሮም። ምስ ካልእ ፖለቲካዊ ዛዕባታት ንምትሕሓዝ ዝግበሩ ፈተነታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ንርእይ ነይርና።" ኢሎም።

Image copyright ETV

ነቶም ፀገማት፡ ብምምሕዳር ናይቲ ከባብን ብመንግስትን ክፍትሑ ከምዘለዎም ብምሕባር፡ ፌደሬሽኖም እጃሙ ክንፍፅም ከምዝግባእ ገሊፆም።

"ብወገን መራኸብቲ ሓፋሽ ንዝተወሰኑ ጥፍኣታት እናጋነንካ ብዛዕባ ኩዕሶ ምቕራብ ዘይኮነስ፡ ንሰላም ምስራሕ የድሊ።" ክብሉ ሓቢሮም።

"ንሕና'ውን ንኹዕሶ እግሪ ሰሜን፣ ደቡብ፣ ምብራቕ ምዕራብ ብዝብል ኣይኮናን ክነመሓድሮ ንደሊ። ብሃይማኖትን ዘርእን'ውን ኣይንመርሖን" ኢሎም።

ብናይ ጋንታታት ክእለት፣ ብቕዓት፣ ቴክኒካዊ ፍልጠትን ኣብ ሜዳ ብዘምፅእዎ ውፅኢትን እምበር ካብኡ ወፃኢ ብዝኾነ መገዲ ከምዘይምዘኑ ተዛሪቦም።

ኩሎም ተወዳደርቲ ብሽም ጋንተኦም ክንቀሳቐሱን ዝዘኻኸሩ ኣይተ ጁነዲ፡ "ናይዚ ክልል ጋንታ'የ እናበልካ ዘይኮነ ትርጉም እናሃብካ፤ ክትቕፃዕ ከለኻ'ውን ከምዚ ስለዝኾንና'ዩ ይበሃል። ንምንታይ 'ስለዘጥፋእና፤ ስለዝረበሽና'ዩ' ዘይበሃል?" ክብሉ ይሓቱ።

"ንሕና'ውን ስጉምቲ ክንወስድ ከለና ብሕጊ ዓንቐፅ ፀሪሕና'ምበር ከባቢ ብምፅራሕ ኣይኮነን።" ኢሎም።

ቅድም ክብል ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለያ ጋንታታት እቲ ፕሪምየርሊግ ብዝተፈጠሩ ጎንፅታት ፀዋታታት ከምዝተኣጓጎሉን መቕፃዕትታት ከምዝተወሰኑን ይዝከር።