ትራምፕ ናይ ውልቀ ጥዕንኡ ደብዳበ ከምዝጸሓፈ ሓኪሙ ይገልጽ

ትራምፕ Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ትራምፕ

ውልቃዊ ሓኪም ዶናልድ ትራምፕ ነበር ሃሮልድ ቦርንሲቲን፡ እታ ኣብ 2015 ብዛዕባ ጥዕና ትራምፕ ኣመልኪታ ዝተጻሕፈት መልእኸቲ ፡ ንሱ ከምዘይጸሓፋ ይገልጸ ኣሎ።

ኣብቲ ሸዑ ግዜ እታ መልእኸቲ ን ፐረስደነታዊ ምርጫ ክወዳደር ዝዳሎ ዝነበረ ትራምፕ ብሉጽ ጥዕና ከምዘሎዎ'ያ ትገልጽ።

እቲ ሓኪም ከምዝሓበሮ እታ መልእኸቲ ብዓሉ ትራምፕ ከምዝጸሓፋ ወሲኹ ኣረዲኡ። ብዛዕባ እዚ ክሲ ኣመልኪቱ ዋይት ሃውስ ገና ምላሽ ኣይሃበን።

ከም ሓበሬታ ቦርንስቲን እንተድኣኾእኑ ዘብዐኛታት ፕረስደት ትራምፕ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ሃንደበታዊ ፍተሻ ከምዘካየዱን፡ ናይ ሕክምና ሰነዳት ከምዝወሰዱን ገሊጹ።

እቲ ፈተሻ ካብ 25 ክሳብ 30 ደቓይቕ ከምዝወሰደሎምን፡ ህውከት ከምዝፈጠሩን ወሲኹ ኣረዲኡ።

ንማዕኸን ዜና ኣብ ዝሃቦ ሐበሬታ እታ ኣብ 2015 ዝተጻሕፈት መልእኸቲ ብዛዕባ ጥዕና ትራምፕ እትገልጽ ብዓሉ ከምዘይጸሐፋን ብቕዕቲን ከምዘይኮነትን ኣስሚርሉ።

ሰለምንታይ እቲ ሓኪም ኣበዚ እዋን እዚ ነዚ ግልጺ ይገብሮ ከምዘሎን ዛጊት ኣይተፈልጠን።

እታ መልእኽቲ እነታይ ሒዛ ነራ

እታ መልእኽቲ ትራምፕ ምሉእ ጥዕና ከምዘሎዎን፡ ካብ ንቡር ወጻኢ ጉልበትን ተጻዋርነትን እያ ተጠቃልል። ጸቐጢ ደምን ካልእ ናይ መንሸሮ መልክታትን ከምዘይብሉን'ውን ተነጽር።

ፐረስደት ትራምፕ ፡ ኣበቲ ሸዑ ግዜ ንማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝሃቦ ሐበሬታ 'ብሉጽ ሰረት ዘለኒ ምሩቕ ዕድለኛ ሰብ' ክብል ነብሱ ኒኢድዋ ነሩ።

ፐረስደት ትራምፕ ኣብ ጥሪ ብግምታት ኣእምሮኣዊ ጥዕና ኣሎዎ ተባሂሉ፡ ንሰለስተ ሰዓት ዝኣክል ሕክምናዊ መርመራ ከምዝተገብረሉ ዝዝከር እዩ።