ሕቡራት ሃገራት ፕሬዚደንት ትራምፕ ካብቲ ምስ ኢራን ዝተኸተመ ውዕል ኒዩክለር ከይስሕብ ተማሕጺናቶ

ዋና ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉቴሬስ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ዋና ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉቴሬስ

ዋና ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉቴሬስ ፕሬዚደንት ዶናላድ ትራምፕ ካብቲ ኢራን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ከይትውንን ዝእግድ ኣህጉራዊ ውዕል ከይስሕብ ተማሕጽንዎ።

ኣንቶንዮ ጉቴሬስ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕተት፡ እንተድኣ እቲ ናይ 2015 ውዕል ዘይተዓቂቡ ናይ ኲናት ተኽእሎ ከምዘሎ ገሊጹ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ነቲ ኢራን ኩሉ ኒዩክለራዊ መደባታ ክትድርቶን፡ ኣምሳይኡ ድማ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተበየነ እገዳ ክልዓል ዝተኸተመ ውዕል ኣትሪሩ ክነቕፎ ጸኒሑ።

ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ነቲ ውዕል ከኽብሮ ወይ ድማ ክንጽጎ ንኽውስን ስጋብ 12 ግንቦት ግዜ ኣለዎ።

ጉቴሬስ ምስ ቢቢሲ ኣብዝገበሮ ዝርርብ፡ እቲ ምስ ኢራን ዝተኸተመ ስምምዕ ``ኣዝዩ ኣገዳሲ ዲፕሎማስያዊ ዓወት`` ኢዩ ነይሩ፡ ክዕቀብ ድማ ኣለዎ ኢሉ።

``ካልእ ዝበለጸ ኣማራጺ ስጋብ ንረክብ ድማ ክንስርዞ የብልናን`` ኢሉ። ብምቕጻል፡ ``ሓደገኛ ኩነታት ኢዩ ገጢሙና ዘሎ`` ድማ ኢሉ።

እዚ ናይ ጉቴሬስ ርእይቶ ድሕሪ ሒደት መዓልታት መንግስቲ እስራኤል ኢራን ብሕቡእ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ናይ ምምስራህ ስርሓት ትቕጽሎ ከምዘላ ዘርኢ``ሚስጥራዊ ናይ ኒዩክለር ሰነድ`` ንዓለም ምስኣቃልዐት ኢዩ መጺኡ።

እቲ ዝትረኽበ ሰነድ ስጋብ ክንደይ እቲ ኣብ ግዜ ስርዓት ኦባማ ዝተኸተመ ኒዩክለራዊ ውዕል ``ኣብ ሓሶት ዝተሰረተ`` ከምዝነበረ ብጭቡጥ የርኢ ኢሉ ናይ ኣሜሪካ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ምኒስተር ማይክ ፖምፐዮ።

ናይ ኣሜሪካ ኣዕሩኽ ዝኾና ሃገራት ኤውሮጳ - ፈረንሳን ዓዲ እንግሊዝን ጀርመንን ግና እቲ ዝተኸተመ ኒዩክለራዊ ውዕል፡ ኢራን ምምዕባል ኒዩክለራዊ ኣጽዋራ ደው ንኸተብል ዝበለጸ መንገዲ ኢዩ ብምባል ነቲ ውዕል ክቕጽልኦ ተሰማሚዐን።

እንታይ ኢዩ እቲ ናይ ኢራን ውዕል?

ኣብ 2015፡ ኢራን ኩሉ ኒዩክለራዊ ስርሓታ ክትድርትን፡ ኣምሳይኡ ድማ እቲ ንቁጠብኣ ዘልመሶ እገዳ ክልዓል ምስ ኣሜሪካ፡ ቻይና፡ ሩስያ፡ጀርመን ፈረንሳን ዓዲ እንግሊዝን ውዕል ከቲማ።

ብመሰረቱ እቲ ውዕል፡ ኢራን ኩሉ ምስ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ምፍራይ ዝተተሓሓዘ ስርሓት ክትድርቶ ዝጠልብ ኢዩ።

ኣብዚ ሰሙን እስራኤል እንታይ ኢላ?

ብሰኑይ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ቤንጃሚን ኔቴኛሁ ኣብ ምኒስትሪ ምክልኻል ኮይኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢራን ብሕቡእ ምምስራሕ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ትቕጽሎ ከምዘላ ዘርኢ ሰነድ ኣስራኤል ከምዝረኸበት ገሊጹ።

ኔቴኛሁ ብምቕጻል፡ ኢራን ብሕቡእ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ተፍሪ ከምዘላ ዘርኢ 55,000 ገጻት ዘለዎ ጭብጢ ከምዝረኸቡ ገሊጹ።

ናይ ፕሬዚደንት ትራምፕ ተቓውሞ ኣብቲ ውዕል እንታይ ኢዩ?

ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣንጻር`ቲ ``ዝኸፍአን`` ``ዝየጥዑይን`` ኢሉ ዝጽውዖ ውዕል በቐጻሊ ኢዩ ተቓውምኡ ከስምዕ ጸኒሑ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ዋና ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉቴሬስ

እቲ ውዕል ናይ ኢራን ኒዩክለርዊ ምንቅስቓስ ንዝተወሰን እዋን ዝድርት እምበር ነቲ ምምዕባል ባሊስቲክ ሚሳይል ደው ዘብል ብዘይምንባሩ ሕጉስ ኣይኮነን።

ኢራን`ከ እንታይ ትብል?

ፕሬዚደንት ኢራን ሓሰን ሮሃኒ ብወገኑ ሕጋውነት ናይቲ ኣሜሪካን ፈረንሳን ነቲ ሃገሩ ውዕል ንምቕያር ዘካይድዎ ዘለው ጻዕርታት ከም ሕቶ ኣልዒልዎ።

ፕሬዚደንት ሮሃኒ ፕሬዚደንት ትራምፕ ነቲ ዝተኸተመ ውዕል ዳግማይ ክዝትየሉ ``መሰል`` የብሉን ድማ ኢሉ።

ብምቕጻል፡ ``ኢራን ዝኾነ ካብቲ ዝኸተመቶ ኣህጉራዊ ውዕል ዝድርት`` ነገር ከምዘይትቕበል ገሊጹ።

ፕሬዚደንት ሮሃኒ፡ ትራምፕ ነቲ ዝተኸተመ ኒዩክለራዊ ስምምዕ ይግህሶ ብምህላው ነቕፍዎ።

ኢራን እቲ ኒዩክለር መደባታ ሰላማውን ጽዓት ንምፍጣር እምበር ንኲናት ዝዓለም ከምዘይኮነ ኢያ ክትገልጽ ጸኒሓ።