ኣብ ህንዲ ዘጋጠመ፡ ህቦብላ 125 ሰባት ቀቲሉ

ኣብ ህንዲ ዘጋጠመ፡ ህቦብላ ህንዲ 125 ሰባት ቀቲሉ Image copyright AFP

ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ ብዘጋጠመ ደሮና ዝተሓወሶ ህቦብላ፡ ከባቢ 125 ሰባት ከም ዝሞቱ ሰበስልጣን 'ቲ ከባቢ ገሊጾም።

እቶም ሰበ-ስልጣን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ካብዚ ዝሓየለ ከምዝመጽእ'ውን ኣጠንቂቖም።

ምንጭታት እቲ ከባቢ ከምዝሓበርዎ፡ እዚ በርቂ ዝተሓወሶ ህቦብላ ንፋስ ኣብ ሰብን ንብረትን ዓቢ ዕንወት ከምዘውረደ ይግለጽ ኣሎ።

ካብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት፡ እቲ ዝሓየለ ከም ዝነበረ ዝተነግረሉ ህቦብላ ብዙሓት ብድቁሶም ኣባይቶም ፈሪሱ ከም ዝጸቐጦም ተገሊጹ።

ኣፈኛ ክፍለ ሃገር ኣታር ፓራዳሸ ኣብ ረድኤት ንዝነጥፍ ማሕበር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዝሓየለ ከም ዝነበረ ዝተነግረሉ ህቦብላ፡ ኣብ ኣስታት 20 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ክብል ገሊጽዎ።

ሰበ-ስልጣን 'ታ ሃገር ቁጽሪ መወትቲ ክውስኽ ከምዝኽእል ይእምቱ።

ኤጀንሲ ሜትሮሎጂ ህንዲ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ እዚ ህቦብላ ናብ ካልእ ከባቢታት ከምዝገፍሕ ኣጠንቂቑ።

Image copyright LAXMIKANT PACHOUR

ኣብ ክፍለ ሃገር ኣታር ፓራዳሸ፡ ኣብ ሓይሊ ኤለክትሪክ፣ ሰብን ጥሪትን ጉድኣት ከምዝወረደ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ብፍላይ እቲ ታሪኻዊ ህንጻ ታዥመሃል ዝርከባ ዞባ ኣግራ፡ ዝያዳ ከምዝተሃስየት ተገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ኣብ መራኸብቲ ብዙሃን ኣብ ዝዘርገሖ መልእኸቲ፡ ብሞት ዝጠፍኣ ብዝሒ ህይወት ከምዝሓዘነ ገሊጹ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ክፍለ ሃገር ኣታር ፓራዳሸ ንስድራ ቤት መወትቲ 400 ሽሕ ሩፒ (6000$) ከም ካሕሳ ከምዝወሃቦም ሓቢሩ።

ን 20 ዓመት ተቐማጣይ እቲ ከባቢ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝኸፈአ ህቦብላ ክብል ነቲ ህቦብላ ዘስዓቦ ዕንወት ገሊጽዎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት