ፖሊስ ህንዲ ጥርጡራት ናይ'ታ ድሕሪ ምግሳስ ብሕይወታ ዝነደደት መንእሰይ ኣሲሩ

ሓዘን ወለዲ ናይ'ታ ነባሪት ድሕሪ ምግሳስ ብ 5 ጉንበት 2018 ዝተቐተለት መንእሰይ 16 ዓመት ራጃ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ወለዲ ጓል 16 ዓመት ራጃ ከንድዋ ኣብ ሓዘን

ፖሊስ ህንዲ እቲ እቲ ዝዓበየ ኢድ ኣለዎ ተባሂሉ ዝጥርጠር ኣዋፋሪ ጉጅለ ምግስሳን ምቓታል ናይ'ታ መንእሰይ ኣብ ትሕቲ ምቑጽጻር ሕጊ ምውዓሉ ገሊጹ።

ደሃን ብሁያንን ተሓባበርቱን ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ጅሃረክሃንድ ዝተባህለ ከባቢ ጓል 16 ዓመት መንእሰይ ብሕይወታ ድሕሪ ምቅጻሎም'ዮም ተጠርጢሮም።

ስድርኣ ንዓበይቲ ዓዲ ጓልና ተደፊራ ዝብል ተቓዉሞ ድሕሪ ምቕራቦም ከምዝተቐተለት ፖሊስ ይገልጽ።

ክልተ ብጾታዊ ምግሃስ ዝተኸሰሱ ሰባት 100 ሓፍ ኮፍ (ሲት-ኣፕ) ክሰርሑን 750 ዶላር ክቕጽዑን ከምዝተገበረ ድማ እቶም ዓበይቲ ዓዲ ተዛሪቦም።

ፖሊስ ካብቶም 18 እቶም 15 ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ከምዝወዓሉ ብምግላጽ፡ ምስ'ቲ ተፈጺሙ ዝተብሃለ ምግሃስ ዘለዎም ምትእስሳርን ከጻሪ'የ ኢሉ።

ደሃን ቡሁያን ኣብ መንበሪ ቤተ ሰቡ ተሓቢኡ ከሎ'ዩ ተታሒዙ።

እታ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝበጸዕሓ ጓል ኣንስተይቲ፡ ስድርኣ ናብ መርዓ ኣብ ዝኸድሉ እዋን'ያ ካብ ገዝኣ ተወሲዳ።

ኣብ ከባቢ ራጃ ኬንዱ ዝተብሃለ ገጠር ዝርከብ ጫካ ድማ ብክልተ ደቂ ተባዕትዮ ተደፊራ።

ቅድም ክብል እዛ ጓል 16 ዓመት ግዳይ መንእሰይን እቶም በደል ዝፈጸሙ ሰባትን ዝፋለጡ ከም ዝነበሩ መርማሪ ፖሊስ ሻምቡ ራኩር ተዛሪቡ።

Image copyright Reuters

ካዉንስል ዓበይቲ ዓዲ ህንዲ ዋላ'ኳ ሕጋዊ ዓቕሚ ኣይሃልዎም እምበር፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ገጠር እታ ሃገር ንዘጋጥሙ በደላት ምግሃስ ጓል ኣንስተይቲ ናብ ቤት ፍርዲ ቅድሚ ምምርሖም ኣብ ምህዳእ ዓብዪ ጽልዋ ኣለዎም።

እንተኾነ ግና ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ዓዲ መረዳእታ ብምሕባእን ዘይሕጋዊ ትእዛዛት ብምሃብን ተኸሲሶም'ዮም።

ኣብ 2016 ጥራሕ ኣብ ህንዲ 40 ሽሕ ገበናት ምግሃስ ናብ ፖሊስ ቐሪቦም።

ካብ'ቲ ማሕበረሰብ ብዝበጽሕ ምግላል ግና ብርክት ዝበሉ በደላት ናብ ፖሊስ ከይበጽሑ ተሓቢኦም'ዮም ዝተርፉ።